ኮንጎ፡ ፕረዚደንት ነበር ጆሴፍ ካቢላ ብገበን ኲናት ንሞት ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ዝነበረ ጆሴፍ ካቢላ ብገበናት ኲናትን ክድዓትን ተኸሲሱ ብኣካል ኣብ ዘይተረኽበሉ መጋባእያ ንሞት ተፈሪዱ።
ኣብ ልዕሊ ጆሴፍ ካቢላ ዝተመስረተ ክሲ፡ ኣብ መላእ ምብራቓዊ ዞባ ናይታ ሃገር ዕንወት ንዘስዓበ ዕጡቕ ጕጅለ ኤም-23 ክድግፍ ጸኒሑ ዝብል እዩ።
ወተሃደራዊ ቤትፍርዲ ብዓርቢ ኣብ ዘካየዶ መጋባእያ፡ ብኽድዓት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ከምኡ'ውን፡ ገበናት ኲናት፡ ቅትለት፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ምስቓይን ናዕብን ብዝቐረበሉ ክሲ እዩ ብሞት ክቕጻዕ ፍርዱ ሂቡ።
ጆሴፍ ካቢላ ነቲ ግሲ ነጺጉዎ፣ ነብሱ ንምክልኻል ግን ኣብቲ ቤትፍርዲ ኣይቀረበን።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ነቲ ክሲ "ብኢትሃብር" ከም ዝተገብረ ብምንጻግ፡ ንኣብያተ ፍርዲ ከም "መሳርሒ ጭቆና" ይጥቀምሉ ከም ዘለዉ ኰኒኑ። ንሱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣበይ ከም ዘሎ ኣይፍለጥን።
ኣቦኡ ሎረን ካቢላ ኣብ 2001 ብጥይት ድሕሪ ምቕታሉ ስልጣን ሒዙ ነታ ሃገር ን18 ዓመታት ዝመርሓ ወዲ 54 ዓመት ጆሴፍ፡ ኣብ 2019 ስልጣኑ ንፕረዚደንት ፈሊክስ ትሺሰከዲ ኣረኪቡ። ድሒሩ ርክቦም ምስ ተበትከ ድማ ጆሴፍ ኣብ 2023 ናብ ስደት ኣምሪሑ።
ጆሴፍ ኣብ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት፡ ኣብ ምብራቕ ንዝካየድ ዘሎ ቀታሊ ውግእ መፍትሒ ኣብ ምርካብ ክሕግዝ ከም ዝደሊ ብምግላጽ፡ ኣብ ዝሰዓበ ወርሒ ናብታ ብኤም-23 ዝተታሕዘት ከተማ ጎማ ከም ዝበጽሐ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ትሺሰከዲ፡ ጆሴፍ ካቢላ ድሕሪ ኤም-23 ዘሎ ኣውራ ሰብ ምዃኑ ብምኽሳስ፡ ሕጋዊ ከለላኡ ብምልጋስ ክሲ ክምስረተሉ መንገዲ ጸሪጉ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት፡ ዕጡቕ ጕጅለ ኤም-23 ንጐማ፡ ቡካቩን ክልተ መዓርፎ ነፈርትን ዘጠቓለለ ሰፊሕ ክፋል ናይታ ብማዕድናት ሃብታም ዝዀነት ምብራቓዊ ዞባ ናይታ ሃገር ምስ ተቘጻጸረ፡ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸል ግጭት ክብእስ ተራእዩ።
ሕቡራት ሃገራትን ሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ርዋንዳ ንኤም-23 ከም እትድግፍን ኣሽሓት ወተሃደራታ ናብታ ሃገር ከም ዝለኣኸትን ብመርትዖታት ኣሰንዮም ከሲሶም።
ኪጋሊ ግን እቲ ግጭት ናብ ግዝኣታ ከይልሕም ንምግታእ ትሰርሕ ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ነቲ ክሲ ትነጽጎ።
ኣብ መንጎ መንግስትን ኤም-23 ኣብ ሓምለ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ እኳ እንተ ተፈጸመ፡ ደም ምፍሳስ ግና ደው ኣይበለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







