ምዕብልቲ 'F-35' ነፋሪት ውግእ ኣሜሪካ ኣበይ ተሰዊራ?

ምንጪ ስእሊ, PA MEDIA
መደበር ቻርልስተን - ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ፡ ኵሎም ኣሜሪካውያን፡ ነታ ዝተሰወረት ኣዝያ ዘመናዊት 'ኤፍ-35' ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ ኣብ ምድላይ ንኽተሓባበሩ ትማሊ ምሕታቱ ዝዝከር ኰይኑ፡ ገለ ስብርባር ኣካላታ ሎሚ ኣብ ደቡብ ካሮላይና ከምዝተረኸበ ይሕበር ኣሎ።
ፓይለት እታ ነፋሪት ብጋንጽላ ድሕሪ ምውራዱ’ዩ ሃለዋት እታ ነፋሪት ጠፊኡ።
እቲ ስሙ ዘይተገልጸ ኣብራሪ፡ ብሰላም ዓሊቡ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ደሓን ኵነታት ይርከብ።
እንታይ ከምዘጋጠመ ዛጊት ንጹር እኳ እንተዘይኰነ፡ ሰበስልጣን ግን እታ ነፋሪት ገለ "ሓደጋ" ከም ዘጋጠማ ገሊጾም።
ነታ ነፋሪት ንምርካብ ኣብ ዙርያ ክልተ ቀላያት ሰሜን ከተማ ቻርለስተን ክደልዩ ከም ዝጸንሑ’ውን ሓቢሮም።
ኣብቲ ንመወዳእታ ግዜ ከም ዝተረኣየትሉ ዝፍለጥ ቦታ መሰረት ብምግባር፡ ምስ ተቘጻጸርቲ ፈደራል ኣቬሽን ብሓባር ኣብ ቀላይ ሞልትሪን ቀላይ ማሪዮንን ፍተሻ ይካየድ ኣሎ።
መደበር ቻርለስተን፡ ብመገዲ ኤክስ [ትዊተር] እዩ ካብ ህዝቢ ሓገዝ ክረክብ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ማሪን ኮርፕስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዘለዎ ኣፍልጦ "ውሱን" ምዃኑን፡ ገና ተወሳኺ ሓበሬታ ንምእካብ ይጽዕር ከም ዘሎን ገሊጹ።
ገለ ፍንጫል ናይታ 100 ሚልዮን ዶላር ዝዋጋኣ ነፋሪት፡ ኣብ ሓደ ገጠር ናይ ዊልያምስበርግ ዝተበሃለ ከባቢ’ዩ ተረኺቡ።
ሰብ መዚ ምክልኻል ኣሜሪካ ሎሚ ኣብ ዘውጽእዎ ሓበሬታ፡ እቲ ስበርባር ናይታ ነፋሪት ካብ መደበር ቻርለስተን ንሸነክ ሰሜናዊ ምብራቕ ክልተ ሰዓታት ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ከምዝተረኸበ’ዮም ሓቢሮም።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ፡ እታ ነፋሪት ኤሌክትሮኒካዊ ጸገማት ምስ ኣጋጠማ እቲ ፓይሎት ብጋንጽላ ምስ ወረደን ብ’ኣውቶ ፓይሎት’ ንነዊሕ ከምዝኸደት ሓቢሩ።
ካልእ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ትበርር ከም ዝነበረት ትሕሰብ ኤፍ-35 ጀት ብሰላም ናብቲ ኣብ ቻርለስተን ዝርከብ መደበር ከም ዝተመልሰት ወሃቢት ቃል ሰራዊት ሜጀር ሜላኒ ሳሊናስ ንኣሶሽይትድ ፕረስ ገሊጻ።
ኤፍ-35 ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዝማዕበላ ነፈርቲ ውግእ ኰይና ዋጋኣ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ከም ዝዀነ ይግመት።
ብተወሳኺ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከባ ተመሳሰልቲ ነፈርቲ ዝዓበየትን ዝኸበረትን ተሰካሚት ኣጽዋር እያ።
ኣብ 2018 ኣብ ደቡብ ካሮላይና ሓንቲ ኤፍ-35 ዝዓይነታ ነፋሪት ድሕሪ ምውዳቓ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኩለን ኤፍ-35 ነፈርቲ ውግእ ንግዚኡ ከይበራ ኣጊዱ ምንባሩ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







