ረድኤት ንምዕዳል ምስ 300 ዕጡቓት ጭፍራ ክትዝቲ ዘድልያ ሃገር

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ሀይቲ፡ ደረጃ ዕጥቃዊ ዓመጽ ኣዝዩ ልዑል እዩ።
ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ምስ ኣማኢት ጭፍራታት ክዘራረብ ከም ዘለዎ ዋና ዳይረክተር እቲ ትካል ሮበርት ማርዲኒ ይገልጽ።
ኣብ መላእ ሀይቲ ኣስታት 300 ጭፍራ ኣለዉ። 80 ሚእታዊት ርእሰ ከተማ ፖርት ኦ ፕሪንስ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እዞም ጭፍራታት እያ ትርከብ።
ብዙሓት ትካላት ጥዕና ብሰንኪ በዞም ጭፍራታት ዝፍጸም ዓመጽ ስርሐን ደው ኣቢለን እየን።
ሰራሕተኛታት ጥዕና እውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወድቍ ይንገር።

ምንጪ ስእሊ, ICRC
ዋና ዳይረክተር ሮበርት ማርዲኒ ኣብታ ሃገር ካሪብያን ድሕሪ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ካብ ፖርት ኦ ፕሪንስ ምስ ቢቢሲ ተዘራሪቡ ነይሩ።
"ኣብተን ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ዘገልገለሉ 27 ዓመታት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መርዛምን ዘስካሕክሕን ውህደት ኣሉታዊ ረቛሒታት ንድኻታት ማሕበረሰባት ክጸሉ ሳሕቲ እየ ርእየ" ይብል።
ጐደናታት ናይታ ድኻታት ዝነብሩላ ሲተ ሶሌል ብርስሓት ብዝተበከለ ማይ ዘዕለቕለቑ እዮም።
"ዕጥቃዊ ዓመጽ ብሰፊሑ ስለዝተዘርገሐ፡ ሰባት ብዛዕባ ዝቕጽል ግጭት፡ ዝቕጽል ጭውያ ብቐጻሊ እናተሻቐሉ ይነብሩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ደረጃታት ዘይውሕስነት ልዑል’ዩ፤ ብዙሓት ትካላት ክንክን ጥዕና ስርሐን ስለዘቋረጻ ሰፊሕ ክፋል ህዝቢ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ክረክብ ኣይክእልን።
እቲ ዋና ዳይረክተር፡ ኣብ ሓደ ክሊኒክ ብዘለዎ መባእታዊ መሳርሒታት ጥራይ "ተኣምራት ይፍጽም" ምስ ዝነበረ ሓደ መንእሰይ ሓኪም ኣዘራሪቡ።
ኣብ መብዛሕትኡ ርእሰ ከተማ ተነሓናሕቲ ጭፍራታት ኣብ ዝዋግኡሉ እዋን፡ ነበርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከባቢኦም ዝተሓጽሩ እዮም፤ ካብ ከባቢኦም ናብቲ ኻልእ ጕጅለ ዝቈጻጸሮ ከባቢ ክሰግሩ ኣይክእሉን።
ሓደ ሰብኣይ፡ ብጽሕቲ-ወርሒ በዓልቲ ቤቱ ንኽትሓርስ ናብ ሆስፒታል እተብጽሓ መኪና ቅድሚ ምርካቡ፡ መጀመርታ ብዓረብያ በቲ ብረሳሕ ማይ ዘዕለቕለቐ ጐደናታት ኣቢሉ ናብቲ ሞተር ብሽክለታታት ከሰጋግራኦ ዝኽእላሉ ቦታ ከብጽሓ ከም ዝነበሮ ነቲ ዋና ዳይሬክተር ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል፡ ናብቶም መንግስቲ ዘይቈጻጸሮም ከባቢታት ረድኤት ንምብጻሕ መጀመርታ ምስቶም ዕጡቓት ጭፍራታት "ቀጻሊ ዘተ" ክገብር ኣለዎ።
"ብሜላ ኢና ንገብሮ፡ በብሓደ ዞባ። ብዝሒ ጭፍራታት ልዕሊ ዓቕሚ'ዩ፤ ምስ ኵሎም ድማ ከም ዝተዛተና ከምስል ኣይክእልን" ይብል ማርዲኒ፤ እቲ ትካል ንደቂ ሀይቲ ናይ ምሕጋዝ ዓቕሙ፡ ኣብ ባይታ ህዝባዊ ተቐባልነት ኣብ ምርካብ ዝተመርኰሰ ምዃኑ ይገልጽ።
ምስቶም ጭፍራታት ዝግበር ዘተ፡ እቲ ትካል በብመዓልቱ ክገብሮ ዘለዎ ነገር ምዃኑ ድማ ይዛረብ።
"ን7 ወይ 10 መዓልታት እንተ ኣቋሪጽናዮ፡ ካብቲ ዝነበረ ክንቅጽለሉ ከም እንኽእል ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና፤ ምኽንያቱ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ እቶም ጭፍራታት ልሕሉሕ ሰንሰለት ትእዛዝ ስለዘሎን ኣብ ውሽጦም’ውን ውግእ ስለዝካድን’ዩ።"
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ውሽጢ እተን ጭፍራታት ባዕለን ዝፍጠር ቀጻሊ ለውጢ ኣሎ።
እቲ ትካል፡ ነቲ ኣብ ሀይቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ድሌታት ንምምላስ ኣብ 2024 ኣብታ ሃገር ዝገብሮ ሰብኣዊ ጻዕርታት ከም ዘዕቢ እቲ ዋና ዳይረክተር ሓቢሩ።
ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል፡ ንሰራሕተኛታት ህጹጽ ጥዕናን ኣገልግሎት ኣምቡላንስን ዝህቦ ስልጠና ከሐይሎ መደብ ኣለዎ፤ እዚ ነቶም በቲ ዓመጽ ኣዝዮም ዝተሃስዩ ህጹጽ ኣገልግሎት ንምብጻሕ ብዝተወሰነ ደረጃ ከቕልሎ እዩ።
ብተወሳኺ ንሆስፒታላት ዝህቦ ናውቲ ሕክምና ክውስኽ እዩ።
ዋና ዳይሬክተር ማርዲኒ፡ ማሕበረሰብ ዓለም "ነቲ ሀይቲ ትኸዶ ዘላ ቍልቍል መንገዲ ክቕይር" ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
"ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝምርኮስ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ምስ ዝህሉ፡ ንሀይቲ ዝግበር ሓገዝ ንምዕባይ ስነ-ምግባራውን ሞራላውን ሓላፍነት ኣሎ" ክብል ደምዲሙ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







