እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣድማስ ዘልኣለማዊ ድዩ፡ ብኸመይከ ክጠፍእ ይኽእል?
ሰባት ብዛዕባ ምጥፋእ ወይ ምውዳእ ኣድማስ (ዩኒቨርስ) ትንታነታት ክህቡ እንከለዉ፡ እዚ ሕጂ ዓለምናን ካልኦት ፕላኔታትን ዘለዉኦ ስፍራ ጸልማት፡ ቍሪን ክኸውን'ዩ፣ ምናልባት እቲ ብኸምዚ ዝዛዘም ክስተት መጀመሪ ናይ ካልእ ነገር ክኸውን ይኽእል'ዩ ይብሉ።
እዚ ግን ኣብ ቀረባ ግዜ ዝኸውን ኣይኰነን፡ ካብዞም ብህይወት ዘለና ሓደ'ኳ ክምስክር ዝኽእል ኣይክህሉን'ዩ።
ተመራመርቲ ብዛዕባ ኣድማስ ወይ ዩኒቨርስ ኣብ ዝካትዕሉ ወይ ትንታነታት ኣብ ዝህብሉ ኵሎም ዝሰማማዑላ ሓንቲ ነጥቢ ኣላ፤ ልዕሊ እቲ ብዛዕባ ህዋ ዘለዎም መልሲ እቲ ዘለዎም ሕቶታት ከም ዝዛይድ።
ግን እዚ ኣድማስ ብኸመይ'ዩ ክውዳእ ኢልና ንኽንርዳእ መጀመርታ ኣድማስ ብኸመይ'ዩ ጀሚሩ ምፍላጥ የድሊ።
መጀመሪ ኵሉ ነገር
ኣድማስ ኵሉ ነገር'ዩ፣ ኵሉ ቦታ ዝሕዝን ክብደት ዘለዎን ኣብ ኣድማስ ኣሎ፣ ጸዓት ኣብ ኣድማስ ኣሎ፣ ዋላ ግዜ ኣብ ኣድማስ ከም ዘሎ ናሳ ይሕብር።
ብኸመይ'ዩ ጀሚሩ ናብ ዝብል ብዙሓት ተመራመርቲ ናቲ 'ቢግ ባንግ' ዝበሃል ክልሰ ሓሳብ'ዮም ዝርዕሙ።
እዚ ከኣ ቅድሚ 13.8 ቢልዮን ዓመታት፡ ኣድማስ ኣዝዩ ብርቱዕ ምቘትን ጻዕቕን ዝነበሮ ግዑዝ ነገር ምንባሩ ይገልጹ፣ ካብቲ ግዜ'ቲ ጀሚሩ ከኣ እናኣስፋሕፍሐ መጺኡ።
ምስ ግዜ ከም ፕላኔታትን ኮዋኽብትን እናተፈጠራ መጺኣን።
ዋላ ሕጂ'ውን ኣድማስ ገና ስፍሓቱ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ተመራመርቲ ይሕብሩ።
እንተዀነ ሕጂ'ውን ብዛዕባ ኣድማስ ኣዝዩ ንኡስ ፍልጠት'ዩ ዘለና።
ኣብ ብራዚል ዩኒቨርስቲ ሳንታ ካታሪና ፕሮፌሰር ፍዚክስ ኣሌክሳንደር ዛቦት፡ "እዚ ሕጂ ዘለና ፍልጠት፡ ልክዕ ከምዚ ብዛዕባ ኣብ ማይ ዘለዉ ሞሎኲላትን ከይተረዳእካን ከይመዘንካን ንሓደ ዝሓልፍ ዘሎ ብርቱዕ ወሓዚ ምዕዛብ'ዩ ክምሰል ዝኽእል፡" ይብል።
በሉ ናብቲ ህዋ ክውድኣሉ ዝኽእል ሰለስተ ክልሰ ሓሳባት ከነብለኩም፡ ሓደ በሉ።
'ዘ ቢግ ፍሪዝ'
ኣድማስ ምስፍሕፍሑ እንተ ቀጺሉ፡ እቲ ኣብ ኣድማስ ዘሎ ጸዓት እናሰሓወ'ዩ ክኸይድ። ስለዚ እቶም ኣብ ኣድማስ ዘለዉ እኩባት ከዋኽብቲ (ጋላክሲ) እናተበተኑ ክኸዱ'ዮም፣ ሓደሽቲ ከዋኽብቲ ኣይክፍጠሩን'ዮም። እቶም ዘለዉ'ውን እናጠፍኡ ከም ዝኸዱ ምርመር ሮያል ኦቭዘርባቶሪ ይሕብር።
ኣብ ዝመጽእ ልዕሊ ሓደ ትሪልዮን ዓመታት፡ ኣድማስ ምሉእ ንምሉእ ጸልማት ክኸውን'ዩ። ብርቱዕ ዛሕሊ'ውን ከም ዝወርድ ጽሑፍ ሮያል ኢቭዘርባቶሪ ይውስኽ።
ኵሎም ኣብ ኣድማስ ዘለዉ እቶም ኣብ 'ኢኵሊብርዮም' ክበጽሑ'ዮም (ኢኵሊብርየም ማለት ኣብ ኵሉ ቦታታት ሓደ ዓይነት መጠን ሙቐት ወይ ዛሕሊ ምህላው'ዩ) ኵሉ ነገር ከኣ ደው ክብል'ዩ።
ፕሮፌሰር ራውል ኣብራሞ ካብ ዩኒቨርስቲ ሳኦ ፓውሎ ብራዚል፡ "እዚ እንታይ'ዩ ዘርድኣና ኣብ መወዳእታ ኣድማስ ቈራሪ፡ ዝተረሓሓቐን ጥራዩን ክኸውን ምዃኑ'ዩ፡" ይብል።
ቀጺሉ፡ "እቶም ብሓደ ተኣኪቦም ዘለዉ ከዋኽብቲ ክበታተኑ'ዮም። ከዋኽብቲ ኣሪጎም ክወድቑ'ዮም፡ ኣድማስ ከኣ መቓብር ናይ ኵሉ ዓይነት ተፈጥሮ ክትከውን'ያ፡" ይብል።
'ዘ ቢግ ሪፕ'
እዚ ቀዳማይ ዝበልናዮ 'ዘ ቢግ ፍሪዝ' ዝብል ክልሰ ሓሳብ ክኸውን እንተ ዘይክኢሉ ከም ካልኣይ ዝተቐመጠ ክልሰ ሓሳብ'ውን ኣሎ።
ኣድማስ ተመናኒሁ ክበታተን።
ኣድማስ ኣዝዩ ብቕልጡፍ'ዩ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ።
እቲ ፍጥነት ምስፍሕፍሑ ኣዝዩ ቅልጡፍ እንተዀይኑ፡ ዝዀነ ዓይነት ስሕበት (ግራቪቲ) ኣይክእክቦን ወይ ኣይክጥርንፎን'ዩ ይብል ሮያል ሙዝየም ግሪንዊች ዘውጽኦ ጽሑፉ።
እዚ ክልሰ ሓሳብ እዚ 'ዘ ቢግ ሪፕ' ተባሂሉ'ዩ ዝጽዋዕ።
ናሳ ንኣገዳስነት ስሕበት ክጠቅስ እንከሎ፡ ስሕበት ኵለን ፓላኔታት ንሓድሕደን እናተሰሓሓባ፡ ምስሕሓበን ማዕረ ኣብ ዝዀነሉ'የን ጠልጠል ኢለን ኣብ ዙርያ ደሓይን ኣብ ገዛእ ርእሰንን ሕንባበን ዑደትን ዝገብራ ዘለዋ ይብል።
ሰባት ኣብ መሬት ዘለናሉ'ውን ስሕበት ምድሪ ስለ ዘሎ'ዩ ይብል ናሳ፡ ኮታ ስርዓተ ደሓይን ከዋኽብትን'ውን ስሕበት ስለ ዘሎ'ዮም ዘለዉ ይብል።
ኣንጻር ስሕበት ከኣ 'ዳርክ ኢነርጂ' ዝበሃል ኣሎ።
ፕሮፌሰር ኣሌክሳንደር ዛቦት፡ "[ዳርክ ኢነርጂ] ብምንታይ ዝተሰርሐ ከም ዝዀነ ንፈልጦ ነገር የሎን፣ ኣንጻር ስሕበት [antigravity] ዝዀነ ሓይሊ ከም ዘለዎ ግን ንፈልጥ ኢና፡" ይብል።
ብመሰረት ናሳ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዳርክ ኢነርጂ ኣድማስ ብፍጥነት ንኸስፋሕፍሕ ዝድርኽ ዘሎ ነገር'ዩ።
ካብ 68.3 ክሳብ 70 ምኢታዊት ናይ ኣድማስ ብዳርክ ኢነርጂ ዝቘመ ከም ዝዀነ ከኣ ናሳ ይሕብር።
ዳርክ ኢነርጂ ከም ዘሎ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1990ታት እዩ ተፈሊጡ።
ኣብዚ ሰብ ክድህስሶን ክርድኦን ክኢሉ ዘሎ ነገር፡ እቲ ዓብላሊ ነገር ስሕበት ስለ ዝዀነ፡ ተመራመርቲ ብዛዕባ ዳርክ ኢነርጂ ክርድኡ ኣይክኣሉን።
ዳርክ ኢነርጂ ንምርዳእ ኪኖ ፓላኔታት ንዘሎ ነገርን ራሕቕን ምርዳእ ኣገዳሲ'ዩ።
ፕሮፌሰር ኣሌክሳንደር ዛቦት ነዚ ከረድእን እንከሎ፡ "ኣድማስ ብዓቐንን ክብደትን እናወሰኸ ምስ ከደ'ዩ ዳርክ ኢነርጂ በብቝሩብ ጽልዋኡ እናዛየደ ክኸይድ፡" ይብል።
ምስ ግዜ ከኣ ንስሕበት ብምስዓር፡ ፕላኔታት ንሓድሕደን ሚዛነን ሓልየን ዑደት ከም ዘይገብራ ይገብረን፤ ከዋኽብቲ፡ ኣቶምን ፕላኔታትን ንሓድሕደን ይፈናተታ።
ፕሮፌሰር ኣሌክሳንደር ዛቦት ንሽም ናይዚ ክልሰ ሓሳብ ክገልጽ እንከሎ፡ "ቢግ ሪፕ ክልተ ትርጉም ኣለዎ፤ እቲ ሓደ ገዚፍ ቅዳድ፡ ገዚፍ ምትርባዕ ዝብል ክህልዎ እንከሎ፡ እቲ ሪፕ ዝብል ቃል ከኣ ብሰላም ዕረፍ [rest in peace] ዝብል ትርጕም'ዩ ዘለዎ፡" ይብል።
'ዘ ቢግ ክራንች'
ኣድማስ ክጠፍኣሉ ዝኽእል ተመራመርቲ ከም ሳልሳይ ዘቐመጥዎ ክልሰ ሓሳብ'ውን ኣሎ።
ዳርክ ኢነርጂ እንተ ዝሒሉ፡ ስሕበት ክሕይል ንቡር'ዩ።
ሰሕበት ምድሪ ልዕሊ ዳርክ ኢነርጂ እንተ ሓይሉ ከኣ ንዅሉ ኣብ ናብ ውሽጡ ብምስሓብ ንዅሉን ፓላኔታት፡ ከዋኽብትን ካልእ ግኡዝ ነገርን ኣብ ሓደ ክጥርንፎ'ዩ ይብል ናሳ።
እዚ ክልሰ ሐሳብ እዚ ከኣ 'ዘ ቢግ ክራንች' ኢለሞ ኣለዉ፡ ብትግርኛ ክንትርጕሞ እንከለና ከኣ ገዚፍ ምሕምሻኽ ክንብሎ ንኽእል ኢና።
ስለዚ ቅድሚ ካልእ 'ቢግ ባንግ' ምፍጣሩ ኵሉ ኣብ ኣድማስ ዘሎ ፍጡርን ፍጥረታትን ኣብ ሓደ ነጥቢ ክእከብ'ዩ። ብመስርሕ ክልሰ ሓሳብ 'ቢግ ባንግ' ከኣ ካልእ ኣድማስ ክፍጥር'ዩ።
እዚ ከኣ ኣብ ቢልዮናት ወይ ትሪልዮናት ዓመታት እናተደጋገመ ሓደ ዘየቋርጽ ምጥፋእን ዳግማይ ምፍጣርን ናይ ኣድማስ ከኸትል ከም ዝኽእል ተመራመርቲ ይገልጹ።
ፕሮፌሰር ራውል ኣብራሞ፡ "እዚ ክልሰ ሓሳብ እዚ ኣብ መርትዖ ዝተመርኰሰ ኣይኰነን፤ ክኸውን ይኽእል'ዩ ኢልና ዘቐመጥና'ዩ፡" ይብል።
ካብዚ ብምብጋስ እዚ ዘሎ ኣድማስ መዓስ ከም ዝጠፍእ ክግመት ይከኣልዶ?
ፕሮፌሰር ራውል ኣብራሞ ነዚ ክምልስ እንከሎ፡ "ብፍጹም፡ ኣድማስ ዓቢ ምብታን ወይ ዓቢ ምጭፋላቕ ከጋጥመሉ ዝኽእል ዝዀነ ምልክታት የብልናን፡" ይብል።
ፕሮፌሰር ኣሌክሳንደር ዛቦት ብወገኑ፡ "ገለ፡ እዚ ኣብ ዝመጽእ ትሪልዮናት ዓመታት'ዩ ከጋጥም ይብሉ። ገለ'ውን ልዕሊኡ ዝግምትዎ ኣለዉ፡" ብምባል ርእይቶኡ የቐምጥ።
ዕድመ ኣድማስ 13.8 ቢልዮን ዓመታት እንተዀይኑ፡ ዕድመ ኣድማስ ሓደ ትሪልዮን ንኽመልእ ብሕጂ 986.2 ቢልዮን ዓመታት'ዩ ተሪፍዎ ዘሎ።
ኣብ ሆላንድ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ራድቦንድ ብወገኑ ኣድማስ ብቕልጡፍ እናኣረገ ይኽይድ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ጠቕሊሉ ንኽጠፍእ 10^78 ዓመታት ተሪፉዎ ኣሎ ይብል [እንታይ ቍጽሩ'ዩዶ ትብሉ ኣለኹም? 10^78፡ 1 ኢልና 78 ዜሮታት ምስ ጽሓፍናሉ ዘሎ ቍጽሪ ዝውክል'ዩ]።
እዛ ንነብረላ ዓለም ግን ድሕሪ 6 ቢልዮን ዓመታት ብጸሓይ ክትወሓጥ ከም እትኽል'ዮም ገለ ተመራመርቲ ዝገልጹ።