እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዛዕባ እቲ 102 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ስርቂ ቤተ መዘክር ፓሪስ ዘሎ ተወሳኺ ሓበሬታ
ኣብ ፓሪስ ካብ ቤተ መዘክር ሉቭረ 102 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ብወርቅን ዕንቊን ዝተሸፈነ ሓድግታት ሰሪቖም ብዝብል ክልተ ተወሰኽቲ ሰባት ከምዝኸሰሱ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።
ጓል 38 ዓመት ሰበይቲ ስርቂ ንምፍጻም ውዲት ብምፍሓስ፡ ወዲ 37 ዓመት ድማ ስርቂ ንምፍጻም ውዲት ብምፍጻምን ገበናዊ ዕንወትን ተኸሲሶም።
ክልቲኦም፡ ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ ገበን ከምዘይወዓሉዎ ተዛሪቦም ኣለዉ።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ክልተ ሰባት፡ ስርቂ ንምፍጻም ውዲት ብምፍሓስ ተኸሲሶም፡ ኣብቲ ገበን ኢድ ከም ዘለዎም "ዳርጋ ምእማኖም" ሰብመዚ ገሊፆም ነይሮም።
እቲ ቤተ መዘክር ኣብ ዓለምና ዝበዝሐ ብዝሒ በጻሕቲ ዝርእዩዎ ቤተ መዘክር ኮይኑ እቲ 102 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ስልማት ስርቂ ብ19 ጥቅምቲ 2025 [ብ9 ጥቅምቲ 2018 [ግ] ] እዩ ተፈጺሙ።
እቲ ስርቂ፡ እቲ ቤተ መዘክር ንበጻሕቲ ክፉት ኣብ ዝነበረሉ ንግሆ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ እቶም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ደቓይቕ ጥራይ እዮም ነቲ ስርቒ ፈጺሞም።
እቶም ኣቐዲሞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ጥርጡራት፡ ኣብቲ ገበን ኢድ ከም ዝነበሮም ድሒሮም ተኣሚኖም።
እታ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ላ ኮርነይ ነባሪት ዝዀነት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ምስ ቀረበት ክትበኪ ከምዝተራእየት ጋዜጠና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ዳኛ፡ እቶም ስሞም ዘይተረቝሐ ክልቲኦም ተኸሰስቲ ተኣሲሮም ክጸንሕ ኣዚዙ። እቲ ሰብኣይ ቅድሚ'ውን ኣብ ሓደ ዝተፈጸመ ዝምታ ተሳታፊ ምንባሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብ ስርዓተ ፍትሒ ፈረንሳ፡ "ኣብ መርመራ ዝርከብ" ጥርጡር መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ፍርዲ'ዩ ይቐርብ።
ሓደ ዳኛ ንሓደ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክጸንሕ ዝውስን፡ ንሕብረተሰብ ናይ ብሓቂ ሓደጋ ከም ዘስዕብ እንተኣሚኑ፡ ክስወር ተኽእሎ ኣሎ፡ ወይ ድማ መርትዖ ከጥፍእ፡ ተኽእሎ ኣሎ ኢሉ እንተኣሚኑ እዩ።
እታ ጓል 38 ዓመት ጥርጥርቲ፡ መርትዖ ክትሓብእ ትኽእል እያ ዝብል ክትዕ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣብ ቀይዲ ክትፀንሕ ትእዛዝ ተዋሂቡ።
እቲ ወዲ 37 ዓመት መንእሰይ፡ ገበን ከምዝፈጸመ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ግን፡ ሓደ ካብቶም ብረቡዕ ምስ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ፡ ኣብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታ ምስ ዝተረኽበ ዲኤንኤ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ እዋን እቲ ስርቂ ኣብ ደገ ካብ ዝነበሩ ክልተ ሰባት ሓደ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ።
ካብቶም ኣብቲ ስርቂ ዝተሳተፉ ኣርባዕተ ሰባት ሓደ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይዲ ኣይኣተወን።
ኣብዚ ሰሙን ምስቲ ገበን ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ብዘይ ክሲ ተፈቲሖም።
ንግሆ 9 ጥቅምቲ፡ ኣብ መኪና ብዝተሰቐለ ኣስካላ፡ ኣርባዕተ ሰባት፡ ንሓደ ካብ መስኮት ናይቲ ቤተ መዘክር ብምስባር ናብ ቤተ መዘክር ሉቭር ፈረንሳ ሰቢሮም ኣትዮም።
ካብቶም ኣርባዕተ ለያቡ እቶም ክልተ በቲ መሳልል ናብቲ መስኮት ደይቦም ድሕሪኡ ካራ ተጠቒሞም ሰቢሮም ኣትዮም።
ኣብ ውሽጢ ንዝርከቡ ሓለውቲ ጸጥታ ድሕሪ ምፍርራሕ፡ ክልተ ካብቲ ክቡር ዕንቊታት ዝሓዘ ብርጭቆ ቦርሳታት ሰቢሮም ነቲ ዕንቊታት ሰሪቖሞ።
ድሕሪ እቲ ዘመተ ዝወጹ ናይ መጀመርታ ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ፡ ኣብቲ ቤተ መዘክር ካብ ዝነበሩ ክፍልታት እቲ ምዝማት ዝተፈጸመሉ ሓደ ናይ ጸጥታ ካሜራ ከምዘይነበሮ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።
እቶም ካብቲ ቤተ መዘክር ብሚልዮናት ዝግመት ዋገ ዘለዎም ሓድግታት ዝሰረቑ ለያቡ፡ ንኣርባዕተ ደቓይቕ ጥራይ እዮም ኣብ ውሽጢ ፀኒሖም።
ብድሕሪኡ ብንኣሽቱ ሞተር ብሽክለታታት ፍሕፋሕ ኢሎም ካብቲ ቦታ ተሰዊሮም።