ሃብቲ ካቶሊኻዊት ቤተክርስትያን ክንደይ'ዩ: ካበይከ'ዩ ዝመጽእ?

ሃብቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝምልከት ሓደ ካብ ምስጢራት እምነት እዩ ዝብል ምስላ ኣሎ።

እዚ እታ ቤተክርስቲያን ትካል ንዘመናት ክትሕልዎ ዝጸንሐት ምስጢር እዩ።

ካቶሊኻዊት ቤተ ክርስቲያን ብዙሓት ጨናፍር - ወይ ሃገረ ስብከታት - ኣለውዋ፤ ነፍሲ ወከፈን ድማ ናይ ገዛእ ርእሰን ሕሳብ የመሓድራ።

ሓፈሻዊ ኣሃዝ ሃብቲ ናይታ 1.4 ቢልዮን ሰዓብቲ ዘለዉዋ ካቶሊካዊት ቤተ ክረስትያን ንምግማት ኣዝኡ ከቢድ'ዩ።

ግን፡ ካብታ ኣብ ሕምብርቲ ሃይማኖታዊ ትካል ማለት ቫቲካን እትርከብ መንፈሳውን ምምሕዳራውን ስልጣን ቅድስቲ መንበር ንጀምር።

ቅድስቲ መንበር

ብሰንኪ ባህርያዊ ምስጢር እታ ቤተ ክርስቲያን፡ መጠን ሃብቲ ዝምልከት ግምታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እናዓበየ መጺኡ'ዩ።

ብ21 ሚያዝያ 2025 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ዝዓረፉ ጳጳስ ፍራንሲስ ካብ መጀመርታ ስልጣኖም ኣትሒዞም ግን ለውጢ ክመጽእን ዝያዳ ፋይናንሳዊ ግሉጽነት ክህሉን ጸቕጢ ይገብሩ ነይሮም።

ኣብነት፡ ኣብ 2021 ናይ ምምሕዳር ቅድስና ሓዋርያዊ መንበረ ጵጵስና (APSA) ዓመታዊ ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ወግዓዊ ምግባር ጀሚሩ። እዚ ሕጂ ዓመታዊ ልምዲ ኰይኑ ኣሎ።

ኣፕሳ፡ ኣብ 1967 ካብ ዝምስረት ንደሓር እዚ ኣሃዛት እዚ ንመጀመርታ ግዜ'ዩ ወግዓዊ ክኸዉን ጀሚሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣፕሳ፡ ኣብ 2023 ብቫቲካን እትመሓደር ጨንፈር ቤተ ክርስቲያን፡ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ልዕሊ 52 ሚልዮን ዶላር ጠቕላላ መኽሰብ ከም ዝመለሰትን፡ እተመሓድሮ ንብረት ድማ ኣስታት ሸሞተን ሚልዮን ዶላር ወሰኽ ከም ዘርኣየትን ይሕብር።

ጽሩይ ሃብቲ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣይተገልጸን፤ እንተዀነ እቲ ናይ መወዳእታ ግምታዊ ኣሃዝ ዳርጋ ሓደ ቢልዮን ዶላር ምዃኑ ኣብ ሮማ ዝርከብ ማእከል መጽናዕቲ ዕዳጋታት፡ ባህልን ስነ-ምግባርን (MCE) ይሕብር።

እዚ ዋጋ እዚ ብኢንስቲትዩት ስራሓት ሃይማኖት (IOR) - ብባንኪ ቫቲካን ዝፍለጥ - ዝመሓደር ንብረት ዘመልክት ስለ ዝዀነ ንብዙሕ ህንጻታትን መሬትን ኣይሓውስን።

ኣፕሳ ከም ዝብሎ፡ ካቶሊኻዊት ቤተ-ክርስትያን ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ንብረት ብምምሕዳር'ዉን እቶት ትረክብ፡ ሓሙሽተ ኢድ እዞም ንብረታት ዝካረዩ እዮም።

እዚ ድማ 84 ሚልዮን ዶላር ናይ ስራሕ ኣታዊ ከም ዘምጽእን ኣስታት 40 ሚልዮን ዶላር ጽሩይ ዓመታዊ መኽሰብ ከም ዘምጽእን ይገልጽ።

እዚ ኵሉ ኣሃዛት ምስ ፋይናንሳዊ ስርዓት ቫቲካን ዝተኣሳሰር ኰይኑ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ካልኦት ጨናፍር ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘካተተ ኣይኰነን።

ፋይናንስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘይተማእከለ ስለ ዝዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ባጀት ስለ ዘመሓድር፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ጠቕላላ ሃብትን ኣታዊን ኣዝዩ ዝዓበየ ምናልባት'ውን መቑጸሪ ዘይብሉ እዩ።

ኣብ ካቶሊካዊት ዩኒቨርሲቲ ሳኦ ፓውሎ (PUC-SP) ፕሮፌሰር ክፍሊ ማሕበራዊ ስነፍልጠት ፈርናንዶ ኣልተመየር ጁንየር "ብግብሪ ሃብቲ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምግምጋም ዘይከኣል እዩ፡" ይብል።

ብደረጃ ዓለም ዘለዋ ብዙሓት ጨናፍር እታ ቤተ ክርስቲያን ካብ 71 ክሳብ 81 ሚልዮን ሄክታር መሬት ከም ዝውንና ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ትካል መጽናዕቲ ሃይማኖታትን ዓለማውነትን (IREL) ይሕብር።

ስለዚ እታ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ወነንቲ መሬት ዓለም ተባሂላ ትውሰድ።

እዚ ንብረት፡ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሆስፒታላት፣ ገዳማትን ካልኦትን ይርከብ።

መበቈል ጸጋታት ካቶሊኻዊት ቤተ-ክርስቲያን

ካቶሊኻዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ገዛእ ርእሳ ሕጊ ቀኖና ትኽተል'ኳ እንዀነት፡ እዚ ኩነታት ግን ብኸመይ እዩ ተፈጢሩ?

ቤተ-ክርስቲያን ሃብቲ ንምእካብ ወይ መኽሰብ ናይ ምርካብ ዕላማ ከም ዘይብላ ሕጊ መጽሓፍ እታ ቤተ-ክርስቲያን ይሕብር።

እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መበል 4ይ ክፍለ ዘመን ኣብ ትሕቲ ሃጸይ ቆስጠንጢኖስ 272-337 (ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ) ሃብትን ንብረትን ክትእክብ ከም ዝጀመረት ጸሓፊ ታሪኽ ነይ ደ ሶዛ ይገልጽ።

እቲ ንጕስ፡ ካቶሊኽ ወግዓዊ ሃይማኖት ንግስነት ሮማ ክኸዉን ዝገበረ'ዩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ክርስትያናት ብትሕትና ይነብሩን ኣብ ገዛውቶም ወይ ኣብ 'ካታኮምብ' (ኣብ ጥንታዊት ሮማ ንዝሞቱ ሰባት መቕበሪ ዝኸዉን ትሕቲ መሬት ዝርከብ ቤት) ኣገልግሎት ይገብሩ ከም ዝነበሩ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይዛረቡ።

"እዞም ፍጻመታት ንታሪኽ ክርስትናን ግዝኣት ሮማን ብሱር በተኻዊ መገዲ ቀይሮምዎ፡" ይብል ደ ሶዛ።

"ቤተክርስትያን ካብ ዝበጽሓ ዝነበረ ምስዳድ ጀሚሩ ዋና ፍሉይ ጸጋን ብዙሕ ንብረትን ኰይና።"

ግን፡ እዚ ንሃብቲ ንግስነት ሮማ ዝጸጋጋዕ ሃብቲ ኰይኑ።

ገዚፍ ሃብቲ

ቆስጠንጢኖስን ካልኦት ብዙሓት መራሕቲን ግዝኣት ሮማ፡ ነታ ቤተ ክርስቲያን ኣብተያ መንግስታት፡ ርስቲ፡ መሬትን ካልእን - ብዘይካ ወርቅን ብሩርን - ኣበርኪቶምላ'ዮም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ መስርሕ ወፈያ ተጣይሹ።

ሕጂ፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ብዋጋ ዘይግመት ስርሓት፡ ኣብ ዓመት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዝኸፍሉ በጻሕቲ ዘለዎም ቤተ መዘክርን ወፍሪ ፋይናንሳዊ ዕዳጋን ክትውንን ክኢላ ኣላ።

ከተማ ቫቲካን ማእከል ስልጣን ካቶሊኽ'ያ።

መንግስቲ፡ ብጳጳስ - ንጳጳስ ሮማ ዝተዋህቦ ስም - ዝምእዘን ፍጹም ንግስነት እዩ።

ቱሪዝም ካልእ ምንጪ እቶታ እዩ፤

  • ሃይማኖታውን ታሪኻውን ህንጻታት፡- ሃዋርያዊ ቤተ መንግስቲ፡ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ምስ ባዚሊካ ዝዳወቡ ህንጻታት፡ ዶሙስ ቫቲካና (ናይ ቀደም ካሳ ሳንታ ማርታ)
  • ቤተ መዘክርን ስእሊታትን፡ 15 ቤተ መዘክር፡ ብፍላይ ድማ ቤተ ጸሎት ሲስቲን፡ ክፍሊታት ራፋኤልን ቫቲካን ፒናኮቴካን፡ ቤተ መዘክር ሚስዮናዊ ኤትኖሎጂን ታሪኻዊ ቤተ መዘክር ይርከብዎም
  • ቤተ መጻሕፍትን ቤተ-መዘክርን፡ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍቲ ቫቲካን፡ ሓዋርያዊ ማህደር፡ ሊብሬርያ ኤዲትሪስ ቫቲካና
  • ሚዲያ፡ ሬድዮ ቫቲካን፡ ሎኦሰርቫቶረ ሮማኖ፡ ከምኡ'ውን ቴሌቪዥን ቫቲካን
  • ካልኦት ትካላት፡ ባንኪ ቫቲካንን ኦብዘርቫቶሪ ቫቲካንን

ዓበይቲ ንብረታት ቫቲካን

ቫቲካን ካብ ግዝኣቱ ወጻእ፡ 12 ዓበይቲ ንብረታት ዝውንን ኰይኑ፡ ባዚሊካታት ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን፡ ቅዱስ ጳውሎስ ካብ መናድቕ ወጻኢ፡ ቅድስቲ ማርያም ሜጀር፡ ሰበኻ ቅድስቲ ኣን፡ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳር፡ ከምኡ'ውን ኣብ ግምቢ ጋንዶልፎ ዝርከብ ናይ ጳጳስ መንበሪ ይርከቡዎ።

ብተወሳኺ ንማሕበራዊ ተበግሶታት፣ ንስራሕቲ ቫቲካን፣ ቱሪዝምን ምሕላው ቤተ መዘክርን ዝድግፍ ጴጥሮስ ፔንስ ብዝበሃል ስርዓት ኣቢሉ ዓለምለኻዊ ወለንታዊ ወፈያታት ይቕበል።

ምንጪ እቶት ድማ፡ ቤተ መዘክራት ቫቲካን፣ ቤተ ጸሎት ሲስቲን፣ መሸጣ መዘከርታ ማሕተምን ሳንቲምን፣ ብርክት ዝበለ ንብረት ዘመሓድር ኣፕሳን ከም ባንኪ ቫቲካንን ዝኣመሰሉ ትካላት'ዮም።

ቤኒቶ ሙሶሊኒ

መብዛሕትኡ እዚ ሃብቲ ካብ ኢጣልያዊ ውልቀ መላኺ ቤኒቶ ሙሶሊኒ ዝመጽአ እዩ።

ኢጣልያዊ ጸሓፊ ታሪኽን መስራቲ ማሕበረሰብ ሳንት'ኤጊድዮ ኣንድርያ ሪካርዲ ከም ዝብሎ፡ ኣብ 1929 ሙሶሊኒ 1.75 ቢልዮን ሊራ ጣልያን (ኣብቲ እዋን ኣስታት 91.3 ሚልዮን ዶላር) ኣብ ናብ ካዝና ቅድስቲ መንበር ኣእትዩ።

እዚ ኣካል ናይቲ 'ውዕል ላተራን' ወይ'ዉን ውዕል ዕርቂ ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ ነይሩ።

እቲ ገንዘብ ኣብ እዋን ውህደት ጣልያን ብፍላይ ድማ ካብ 1860 ክሳብ 1870 ዝተታሕዘ ንብረት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንምምላስ ዝዓለመ እዩ።

ኣስታት ርብዒ ናይቲ ገንዘብ፡ ጳጳስ ፒዮስ መበል 11፡ ዘመናዊት ሃገረ ቫቲካን ንምምስራትን ህንጻታት ቅድስቲ መንበር ንምህናጽን ከምኡ'ዉን ንሰራሕተኛታት ቫቲካን መንበሪ ኣባይቲ ንምሃብን ንዝብል ተጠቒሞምሉ።

ዝተረፈ ድማ ሓደጋ ንምንካይ ብዝተፈላለየ ስትራተጂ ወጻኢ ተገይሩ።

ሎሚ ኣፕሳ ኣብ ኢጣልያ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ስዊዘርላንድን ንብረት ኣለዎ።

ህንጻታትን መሬትን

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሃብቲ መሬት ምስ ምሕደራ ኣስታት 1.9 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወፍሪ ፖርትፎሊዮ ተደሚሩ፡ ምምሕዳራዊ ኣካል ቫቲካን ኣፕሳ፡ ንመሐደሲ ሮማን ኩርያ (ምምሕዳራዊ ኣቃውማ ቫቲካን ኰይኑ፡ ከም ማእከላይ ኣመሓዳሪ ኣካል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኰይኑ ዝሰርሕ) ኣታዊ ከም ዘምጽእ ይገልጽ።

ኣብ 2019 ጳጳስ ፍራንሲስ ወፍሪ፡ ከም ሓደ ሜላ ምክልኻል ምንካይ ርእሰማል ገይሮም ይርእዩዎ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።

"ክዕቀብ ወይ ቁሩብ ምህርቲ ምእንቲ ክረክብ፡" ክብሉ ይገልጹዎ።

ብተወሳኺ፡ እታ ቤተ-ክርስቲያን ግብሪ ኣይትኸፍልን፤ ዘለዋ ዕዳ'ዉን ወግዓዊ ከም ዘይትገብር ኢንስቲትዩት ምዕቡል መጽናዕቲ ሃይማኖታዊ ፋይናንስ (IHEFR) ይሕብር።

ካብቲ ካብ ንብረታት ዝረኽቦ እቶት ብዝገበረ፡ ልዕሊ ኵሉ ካብ ኣመንቲ ብዝግበር ወፈያ ዝድገፍ እዩ።

ሓደ ጸብጻብ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲታት ሃይማኖታዊ ፋይናንስ (IHEFR )፡ ዓመታዊ ኣታዊታታን ወጻኢታታን እታ ቤተክርስቲያን ኣዝዩ ትሑት ኰይኑ ክንገር ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ፡ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ጠቕላላ ሃብታ ድማ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ብዕጽፊ ከም ዝዀነን ይሕብር።

ዝሃብተሙ ሃገረ-ስብከታት

ኣብ ጀርመን ዝርከብ ሊቀ ሃገረ ስብከት ኮሎን ሓደ ካብቶም ዝሃብተሙ ጨናፍር ዓለም እታ ቤተ-ክርስቲያን እዩ።

ኣታዊታታ ብዓቢኡ ብሰንኪ "kirchensteuer" ዝበሃል - ብቐጥታ ካብ ኣፍልጦ መንግስቲ ዘለዎም ምዝጕባት ኣባላት ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት፡ እንተላይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝእከብ ግብሪ እዩ።

ኣብ 2023፡ እታ ቤተክርስትያን ካብዚ ግብሪ ኣስታት 7.4 ቢልዮን ዶላር ኣኪባ።

እዚ ካብቲ ብ2022 ዝተኣከበ 7.77 ቢልዮን ዶላር፡ ብኣስታት ሓሙሽተ ሚእታዊት ምንቁልቋል ዘርኣየ ምዃኑ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲታት ሃይማኖታዊ ፋይናንስ ይሕብር።

ዋላ'ኳ ብርክት ዝበለ ኣታዊታት እንተሃለወ፡ ኣብ ጀርመን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን፡ ቁጽሪ ናይቶም ዝተመዝገቡ ኣመንቲ እናነከየ ብምምጽኡ፡ ኣታዊታታ ከይንኪ ትሻቐል።

እዚ ምንቁልቋል ብኸፊል ብሰንኪ ቅልውላው ምስሊ ዝስዓበ እዩ፤ ንኣብነት ኣብ 2013 ጳጳስ ፍራንዝ-ፒተር ተባርትዝ ቫን ኤልስት ዝተኸሰሰሉ ጸያፍ ተግባራት ተላዒሉ ነይሩ።

ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት፡ ንመሐደስን መህነጽን ቤተ መንግስቲ ጳጳሳት ዝወጽእ ወጻኢታት ካብ 5.7 ሚልዮን ዶላር ናብ ከባቢ 35 ሚልዮን ዶላር ከም ዝዓረገ ይግለጽ።

ንጸቕጢ ማዕከናት ዜና ንምክልኻል ፍርቂ ካብተን 27 ሃገረ ስብከታት ጀርመን ሃብተን ወግዓዊ ገይረን።

እዚ ድማ ዓሰርተ ባንክታት፡ ኵባንያታት መድሕን፡ 70 ሆቴላት፡ ትካላት ንብረትን ማዕከናት ዜናን ዝሓቖፈ እዩ።

ኣብ ኣመሪካ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ንቫቲካን ዓቢ ኣበርክቶ ትገብር።

ከም ኣብ ግዝኣት ኢንዲያና ዝርከብ ዩኒቨርሲቲታት ኖትረዳም (1.76 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ዘለዎ) ከምኡ'ውን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ጆርጅታውን (1.92 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ዘለዎ) ዝበሉ ፍሉጣት ዩኒቨርሲቲታት ከምኡ'ውን ሆስፒታላትን ኣብያተ ትምህርትን ሓዊሱ ሰፊሕ ንብረት ኣለዋ።

ግዱድ ሃይማኖታዊ ግብሪ የብላን፤ እታ ቤተ ክርስቲያን ግን ርኡይ ናይ ብሕቲ ወፈያታት ትረክብ።

ብራዚል ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ኣማኒ ካቶሊኽ ዝነብረላ ሃገር እያ።

እታ ሃገር ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየን ካልኣይ ዝበዝሐ በጻሕቲ ዘተኣናግድን መቕደስ ማርያም ዝዀነ ሃገራዊ መቕደስ ቅድስቲ ኣፓረሲዳ ኣለዋ።

ሃገረ ስብከት ኣፓረሲዳ፡ ኣብ ዓመት ዓሰርተ ሚልዮን ተሳለምቲ [ሃይማኖታዊ ምብጻሕ ዝገብሩ] ናብቲ ቤተ መቕደስ ከም ዝበጽሑን እዚ ድማ ኣብታ 35 ሽሕ ሰባት ጥራይ ዝነብሩላ ከተማ ኣስታት 240 ሚልዮን ዶላር ዓመታዊ ኣታዊ ከም ዘምጽእን ይገልጽ።

ዋላ'ኳ ዝተዋደደ ፋይናንሳዊ መረዳእታ እንተጐደለ፡ ሃገረ ስብከታት ብራዚል ግን ሰፊሕ መርበብ ሰበኻታት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሆስፒታላትን ዩኒቨርሲቲታትን የመሓድራ።

ካብዚ ሓሊፉ ካብ ኣመንቲ ወፈያ ይቕበላን ካብ ግብሪ ነጻ ዝዀነ ኣገባባት ይረኽባን።