ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ 'ሰላም ምስ ኵላትኩም ይዅን'

ኣመሪካዊ ካርዲናል ሮበርት ፕሪቮስት ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ኰይኖም ተመሪጾም።

ካብ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ዝርከብ መውጽኢ ትኪ ጻዕዳ ትኪ ድሕሪ ምውጽኡ ነቶም ኣብ መበል 88 ዓመቶም ዝዓረፉ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ዝትክእ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ከምዝተመርጸ ንዓለም ኣበሲሩ።

እቶም ሓድሽ መራሒ እታ ቤተክርስትያን 'ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14' ዝብል ስም መሪጾም ኣለዉ።

እዞም ወዲ 69 ዓመት ብቋንቋ ጣልያን ነቶም ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣመንቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ሰላም ምስ ኵላትኩም ይዅን" ብምባል ንፈለማ እዋን ምስ ዓለም ተላልዮም።

"ኣሕዋትን ኣሓትን ፍቑራት እዚ ናይ መጀመርታ ሰላምታ ክርስቶስ ዝተንሥአ እዩ። ንቤተሰብኩም ኵልኹም ኣብ ዝሃለኹሞ ክበጽሕ ናይ ሰላም ሰላምታ ከቕርብ እፈቱ። ሰላም ምሳኹም ይዅን።"

"ደቂ ሰባት ብኣምላኽን ፍቕሩን ክበጽሖ ክርስቶስ ከም ድልድል የድልዮ። ሓግዙና፡ ንሓድሕድና ድማ ንተሓጋገዙ፡ ድልድል ንህነጽ" ክብሉ ተማሕጺኖም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመርን ዝርከብዎም መራሕቲ ዓለም ነቶም ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ገሊጾም ኣለዉ።

እዞም ፈላሚ ኣመሪካዊ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኰይኖም ዘለዉ መንፈሳዊ መራሒ፡ ዜግነት ሃገረ ፐሩ ዘለዎም ኰይኖም ኣብታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ እዮም።

ኣመሪካውያንን ፐሩያውንን ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ሓጎሶምን ሓበኖምን ይገልጹ ኣለዉ።

እቶም ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ ድምጾም ዝሃቡ 133 ካርዲናላት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝትክእ ጳጳስ ክመርጹ ካብ ረቡዕ ጀሚሮም ኣብ ቤት ጸሎት ሲስቲን ተኣኪቦም ከም ዝቐነዩ ይፍለጥ።

ኵሎም ከኣ ድምጺ ቅድሚ ምሃቦም፡ እቲ ዝነበረ መስርሕ መረጻ ንመዋእሎም ከም ምስጢር ንኽሕዝዎ ምሒሎም።

ብዘይካኦም፡ ኵሎም እቶም ነቶም ካርዲናላት ዝምግብዎምን ዝከታተሉዎም ክልተ ዶካትርን'ውን ብተመሳሳሊ ነቲ ምስጢር ንዘይምውጻእ ምሒሎም።

ነቲ ምስጢር ዝያዳ ንምዕቃብ ኣብቲ እቶም ካርዲናላት ከዕርፍሉ ዝተዳለወ ክልተ ገዛውቲ'ውን ዝዀነ ዝተሓብአ ማይክሮፎን ወይ መሳርሒታት መቕድሒ ድምጺ ከይህሉ ተፈቲሹ።

ኣብቲ ገዛ ዝዀነ ዋይፋይ ክህሉ'ውን ኣይፍቀድን'ዩ።

መስርሕ ምርጫ ናይ ኣቡነ ሊዮ ብተዛማዳ ኣብ ሓጺር እዋን ምውድኡ ዘለዎም ደገፍ ዘመልክት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።