ጅቡቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ 8 ሰባት ተቐቲሎም

ጅቡቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ብውሕዱ ሸሞንተ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት ኣብ ክልል ዓፋር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ካልኦት 6 ሰባት እውን ከምዝቖሰሉን ኣብ ሆስፒታል ከተማ ዱብቲ ሕክምና ይወሃቦም ከምዘሎን እውን ገሊጾም።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዞባ ሓደ፡ ወረዳ ኤሌዳኣር፡ ቀበሌ ስያሮ እዩ ተፈጺሙ።

መንግስቲ ጅቡቲ ግን እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ ግዝኣቱ ዝተፈጸመን ንግብረሽበራዊ ጉጅለ ዒላማ ዝገበረን ከምዝዀነ እዩ ገሊጹ ዘሎ።

እቲ ደብዳብ ኣብ ከባቢ ኣዶርታ ካብ ዶብ 6 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ሓደ "ግብረሽበራዊ ጉጅለ" ከምዝተፈጸመ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ጅቡቲ ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ጅቡቲ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሸሞንተ ግብረሽበራውያን ከምዝቐተለ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ጅቡቲ ዘየድሊ ጉድኣት ከምዝበጽሐ እኳ እንተኣመነ፡ ስፍሓት እቲ ጉድኣት ግን ብዝርዝር ኣየነጸረን።

ይኹን እምበር ምርመራ ከካይድ ከምዝዀነ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ'ሎ።

ብዛዕባ እቲ ኵነታት ብማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ዝተሓተተ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ኣሌክሲስ መሓመድ፡ እቶም ዕጡቓት ኣባላት ናይቲ ብሓጺሩ "ፍሩዳ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተቓዋሚ ጉጅለ ምዃኖም ጠቒሱ።

ጅቡቲ፡ ነዚ ጉጅለ ኣብ ዝርዝር ግብረሽበራውያን ውድባት ከምዘእተወቶ ይፍለጥ።

ሓደ ነባሪ ክልል ዓፋር፡ እቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝሓለፈ ሓሙስን ዓርብን ከምዝተፈጸመ ንቢቢሲ ኣመልኪቱ።

"መጀመርታ ሓሙስ ምሸት ሰለስተ ሰባት ቀቲሎም፤ ድሕሪኡ ዓርቢ ንግሆ ኣብ ልዕሊ ነቶም ዝሞቱ ክቐብሩ ዝተኣከቡ ሰባት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም" ኢሉ።

ካልኦት ሽዱሽተ ዝተጎድኡ ሰባት ናብ ሆስፒታል ዱብቲ ተወሲዶም ሕክምና ይግበረሎም ከምዘለዉ እውን እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

"ካብቶም ዝሞቱ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ሓደ ህጻንን ሽዱሽተ ደቂ ተባዕትዮን ይርከብዎም። ካብቶም ኣብ ሆስፒታል ዝኣተዉ እቶም ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ፡ እቶም ክልተ ድማ ህጻናት እዮም" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ምንጪ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብመንግስቲ ጅቡቲ ከምዝተፈጸመ ዘመልክት መርትዖ እንተሃልዩ ምስ ተሓተተ፡ "መጀመርታ ናይ ገዛእ ርእስና መንግስቲ ንዜጋታቱ ከጥቅዕ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን። ካልኣይ መንግስቲ ጅቡቲ 'ፍሩድ' ዝበሃል ጉጅለ ናይ ጅቡቲ ዓፋር ኣሎ ኢሉ ስለዝኣመነ ከምዝፈጸሞ ሰሚዕና ኢና" ኢሉ።

ቅድም ክብል ኣብ 2022 እዚ ጉጅለ ኣብ ጋራብቲሳ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ዞባ ጅቡቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ 7 ወተሃደራት ጅቡቲ ከምዝቐተለን ካልኦት 7 ድማ ከምዝጨወየን ሰበስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም ነይሮም።

እቶም 7 ዝተጨውዩ ወተሃደራት ድሕሪ ሰሙናት ከምዝተፈትሑ'ውን ይዝከር።

ነዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ዛጊት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወሃበ መግለጺ የለን።