እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ ሓደ ዕጡቕ ሰባት ጅሆ ብምሓዝ ሰለስተ ቀቲሉ
ኣብ ፔንሲልቫንያ ኣሜሪካ ንሰለስተ ሰባት ተኵሱ ብምቕታል ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ግዝኣት ኒውጀርሲ ከምዝተትሓዘ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
እቲ ጥርጡር ብቀዳም ኣብ ሌቪታውን ሰለስተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ እዩ ኣብ ትረንተን ናብ ዝርከብ ሓደ ገዛ ሃዲሙ።
እቲ ጥርጡር ናብቲ ገዛ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣብኡ ነበርቲ እኳ እንተጸንሑ ብዘይ ገለ ጸገም ክወጽኡ ከምዝኸኣሉ ፖሊስ ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ፖሊስ ወሲኹ፡ ኣንድረ ጐርደን ብሰላምን ከይተጐድአን ኢዱ ንፖሊስ ከምዝሃበ እውን ገሊጹ።
ወዲ 26 ዓመት ኣንድረ፡ ንገዛእ ርእሱ ከም ፖሊስ ኣምሲሉ እዩ ኣብ ልዕሊ እቶም ግዳያት ኣብ ሓደ ገዛ መጥቃዕቲ ፈጺሙ።
ካብቲ ገዛ ምስ ወጸ ግና ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ብፖሊስ ከምዝተርኣየ ፖሊስ ትረንተን ገሊጹ።
እቲ ጥርጡር ግዳም ሓደር ምዃኑ እኳ እንተተገመተ፡ ብቐንዱ ኣብ ከባቢ ትረንተን ከምዝቕመጥ ፖሊስ ፊላደልፍያ ሓቢሩ።
ኣኽባር ሕጊ ፊላደልፍያ፡ ጀኒፈር ሾርን ኣቐዲሙ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ገለ ካብቶም ግዳያት ንሚስተር ጐርደን ኣዝማድ ምዃኖም ጠቒሱ።
ሌቪታውን ኣካል ዓባይ ከተማ ፊላደልፍያ እያ።
ናብቲ ኣብ ሌቪታውን ዝርከብ ገዛ ማዕጾ ሰቢሩ ዝኣተወ ሚስተር ጐርደን ኣብኡ ንዝጸንሐት ጓል 52 ዓመት ሰይቲ ኣቦኡ ካረን ጐርደንን ጓል 13 ዓመት ሓፍቱ ኬራ ጐርደንን ከምዝቐተለ ይጥርጠር።
ብድሕር’ዚ ናብ ካልእ ኣስታት ክልተ ማይል ርሒቑ ዝርከብ ገዛ ብምእታው፡ ቈልዑ ንዝወለደላ ጓል 25 ዓመት ቴይለር ዳንኤል ከምዝቐተለ ይጥርጠር።
ብዘይካ’ዚ ብሰደፍ እቲ ሒዝዎ ዝነበረ ብረት ንኣዲኣ ክሃርማ እንከሎ፡ ንሳ ኣብዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል ምህላዋን ተፈሊጡ።
ሚስተር ጐርደን መኪና ጨውዩ ናብ ትረንተን ከምዝኸደን ነቶም ኣብቲ ገዛ ዝጸንሑ ሰባት ጅሆ ከምዝሓዞምን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ገለ ካብቶም ግዳያት ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ብዝርከብ መስኮት ክሃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ ፖሊስ ሓገዝ ከምዝገበሩሎም ዝተረኽበ ተንቀሳቓሲ ምስልታት የርኢ።