እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብመኪና ሰራዊት ኢትዮጵያ ክሰግሩ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም
ምምሕዳር ዞባ ኣሌ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ብመኪና ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 53 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተወ ኣፍሊጡ።
እቶም ኤርትራውያን ብሰንበት 16 ሕዳር 2016 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ኣቶ ኣምሳሉ ኣንጋቶም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።
እቶም ደቂ ኣንስትዮን ሽዱሽተ ቆልዑን ዝርከብዎም ስደተኛታት፡ ካብ ኣዲስ ኣበባን ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያን ብደላሎ ተኣኪቦም ጉዕዞኦም ዝጀመሩ ምዃኖም’ውን ወሲኹ ገሊጹ።
ካብኣቶም ህጻናት፡ ኣዋርሕ ዝዕድሚኦምን ዝጠብዉን ከም ዝርከብዎም ኣቶ ኣምሳሉ ኣብሪሁ።
ኣብ ዶብ ዞባታት አሌን ኮንሶን ከምኡ’ውን ኣብ ወረዳ ቤና ጻስማይ ምስ በጽሑ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ሓደ ምንጪ ናይቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቶም ስደተኛታት ፓስፖርትን ካልኦት ሕጋዊ ሰነዳት ከርእዩ ከም ዘይከኣሉ እቲ ምንጪ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣቶ ኣምሳሉ ከም ዝብሎ፡ ኣባላት ፖሊስ እቲ ከባቢ ብጥርጣረ ነታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ "ኦራል" መኪና ሰራዊት ኢትዮጵያ ደው ምስ ኣበሉ እዮም እቶም ስደተኛታት ክተሓዙ ክኢሎም።
ይኹን እምበር፡ እታ መኪና ሰራዊት ምክልኻል ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ካልእ ሃገር ንምጉዕዓዝ ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዓለት ብልክዕ ከም ዘይተፈልጠ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣቶ ኣምሳሉ፡ መራሒ እታ መኪና ስለ ምንታይ ነቶም ስደተኛታት የጓዕዞም ከም ዘሎ ምስ ተሓተተ “ሓለቓይ’ዩ ኣዚዙኒ” ዝብል መልሲ ከም ዝሃበ ገሊጹ። ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ጉዳይ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ኣሃዱ ሰራዊት ምስ ተሓበረ፡ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብምዝርራብ እታ መኪናን መራሒ መኪናን ከም ዝተወስዱ ሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ኣሌ ኣቶ ማግሰ ጉያሎ፡ ኣብዚ ጉዳይ መርመራ ይካየድ ከም ዘሎ ገሊጹ'ሎ። ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ህዝባዊ ርክባት ሰራዊት ምክልኻል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነታት ኣይተዓወተን።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ኣቶ ኣምሳሉ፡ እቶም 53 ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ከባቢ ኮላንጎ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ጠቒሱ።
ኣመሓዳሪ ኣቶ ማግሰ ብወገኑ ነቶም ስደተኛታት ናብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ንክኣትዉ ዝርርብ ይካየድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከቡ ኰይኖም፡ ካልኦት ድማ ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ኬንያን ካልኦት ሃገራትን ይሰግሩ።