'ናይ መወዳእታ ውሳነይ'ዩ' ናብ ኣሜሪካዊት ኢንተር ሚያሚ ዝተጸንበረ መሲ

ኣርጀንቲናዊ ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ ሊዮነል መሲ ናብ ኣሜሪካዊት ጋንታ ኢንተር ሚያሚ ከምዝተጸንበረ ኣፍሊጡ።

ምስ ፈረንሳዊት ፒ.ኤስ.ጂ ውዕሉ ዘብቅዐ መሲ ናብ ሊግ ኩዕሶ እግሪ ኣሜሪካዊ ‘ሜጀር ሊግ ሶከር’ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ወዲ 35 ዓመት መሲ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ካብ እትርከብ ጋንታ ኣል-ሂላል ኣዝዩ ልዑል መጠን ገንዘብ'ኳ እንተቐረበሉ፡ ንሱ ግን ናብ ኣሜሪካ ክኸይድ’ዩ መሪጹ።

መሲ ናብ ጋንታ ባርሴሎና ተመሊሱ ንኸይከይድ ኤፍ.ኤፍ.ፒ [FFP - Financial Fair Play] ዝበሃል ሕጊ፣ ማለት ጋንታታት ልዕሊ ዘእትዋኦ መጠን ገንዘብ ወጻኢ ከይገብራ ዝድንግግ መስርሕ ከምዝገትኦ ይግለጽ።

“እዚ ናይ መወዳእታ ውሳነይ እዩ። ናብ ሚያሚ ክኸይድ እየ" ክብል ንዲያሪዮ ስፖርትን ሙንዶ ዲፖርቲቮን ንዝተበሃላ ጋዜጣታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

"ካብ ኣውሮጳ ወጺአ ክጻወት ወሲነ ኣለኹ" ክብል ኣረጋጊጹ።

መሲ ወሲኹ፡ "ካልእ ኣውሮጳዊት ጋንታ ከፈርመካ ዝብል ሕቶ ኣቕሪባትለይ ነይራ። ግን ከኣ ኣብ ኣውሮጳ ክጸንሕ እንተዀይነ ምስ ባርሴሎና ጥራይ ክጻወት ምደለኹ” ኢሉ።

“ዋንጫ ዓለም ድሕሪ ምዕዋተይ ናብ ባርሴሎና ክኸይድ'ኳ እንተዘይከኣልኩ ናብ ኤምኤልኤስ [‘ሜጀር ሊግ ሶከር’] ምምጽአይ ግን ኩዕሶ እግሪ ብዝተፈለየ መንገዲ ከስተማቕርን እናተዛነኹ ህይወተይ ክቕጽልን ዘኽእለኒ እዩ” ኢሉ።

እዚ ተጻዋታይ ባርሴሎና ነበር ናብታ ካታሎንያዊት ጋንታ ክምለስ'ኳ ድልየት እንተነበሮ፡ ብሰንኪ እቲ ባርሴሎና ዝኣተወቶ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ግን ክሰምረሉ ኣይከኣለን።

እታ ስጳኛዊት ጋንታ ኣብ 2021 ንመሲ ክትሕዞ ብዘይምኽኣላ እቲ ተጻዋታይ ልቡ ተሰይሩ ናብ ፈረንሳዊት ጋንታ ፒ.ኤስ.ጂ ምኻዱ ይፍለጥ።

“ናብ ባርሴሎና ክኸይድ ደስ ምበለኒ። ግን ድማ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ብምዝካር ክደግሞ ኣይደልን እየ" ክብል ኣረዲኡ።

እዚ ኣርጀንቲናዊ፡ ባርሴሎና ንዕኡ ንምግዛእ ተጻወትቲ ክትሸይጥ ወይ ደሞዞም ክትንኪ ከም እትግደድ ከም ዝሰምዐ ብምሕባር፡ ከምኡ ክኸውን ከምዘይደለየ ኣፍሊጡ።

ባርሴሎና ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ መሲ ናብታ ጋንታ ዳግማይ ክጽንበር'ኳ ዕድመ እንተቐረበሉ ናብ ኣሜሪካዊት ኢንተር ሚያሚ ክኸይድ ከም ዝመረጸ ወግዓዊ ገይራ።

መሲ ምስ ሚያሚ ዝገበሮ ውዕል ምስ ከም በዓል ‘ኣዲዳስ’ን ‘ኣፕል’ን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትካላት ዓለም ዘራኽቦ እዩ ዝኸውን።

ሸውዓተ ግዜ ብሉጽ ሽልማት ዓለም ‘ባሎን ዲ ኦር’ ዝጨበጠ መሲ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዘመዝገቦ ዓወቱ ንሻምናይ ግዜ ክዕወት ይኽእል'ዩ ዝብል ግምታት ኣሎ።

መሲ ካብ ኣውሮጳ ወጻኢ ንዘላ ጋንታ ተሰሊፉ ክጻወት እዚ ኣብ ህይወቱ ንመጀመርታ ግዜ እዩ።

እዚ ተጻዋታይ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ ምስ ክርስትያኖ ሮናልዶን ካሪም በንዜማን ክራኸብ ምዃኑ ብሰፊሑ ይንገር'ኳ እንተነበረ፡ ምርጫኡ ግን ኣሜሪካ ኰይና’ላ።

መሲ ኣብ ሚያሚ ዝካረ ገዛ ኣለዎ።

"ጉዳይ ገንዘብ እንተዝኸውን ነይሩ ናብ ስዑዲ ዓረብ ወይ ናብ ካልእ ቦታ ምኸድኩ ነይረ" ክብል ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት ኣፍሊጡ’ሎ።