እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብራዚላዊ ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ፔለ፡ ኣብ 82 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ
ብራዚላዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ፔለ፡ ኣብ መበል 82 ዓመቱ ዓሪፉ።
ፔለ፡ ኣብ እግሪ ኩዕሶ ኣብ ዝጸንሓሎም 21 ዓመታት፡ ኣብ 1368 ጸወታታት 1,281 ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ዩ።
ንሃገሩ ብራዚል ወኪሉ ኣብ ዘካየዶ 92 ግጥማት ድማ 77 ሸቶታት ኣቑጺሩ።
እቲ ውሩይ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ዋንጫ ዓለም ሰለስተ ግዜ ዝተዓወተ ብሕታዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ'ዩ።
ኣብ 1958፡ 1962ን 1970ን፡ኣብ ዝተኻየዱ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ተሰሊፉ ምስ ሰዓረ ሰለስተ ሳዕ ነታ ዋንጫ ዓለም ዘልዓለ እንኰ ተጻዋታይ ፔለ፡ ኣብ 2000፡ ፊፋ ናይ ዘበንና ብሉጽ ተጻዋታይ ክብል ሰይሙዎ።
ፔለ ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ብኩሊትን ናይ ፕሮስቴት ሕማምን ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መስከረም 2021 ኣብ ሳኦ ፓውሎ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣልበርት ኣንስታይን መጥባሕቲ እኳ ተገይርሉ እንተነበረ ሕማሙ ስለ ዘይሓሾ ኣብ መወዳእታ 2022 ናብ ሆስፒታል ኣትዩ።
ኩሉ ሳዕ ጓሉ ከይሊ ናስኪሜንቶ ንደገፍቲ ኣቡኣ ካብ ሆስፒታል እዋናዊ ሓበሬታ ኩነታት ጥዕንኡ ክትህቦም ጸኒሓ ነይራ።
ትማሊ ሓሙስ ከኣ፡ ኣእዳው ስድርኡን ፈተውቱን ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ ኣብ ዝነበረ ኣቡኣ ዘርኢ ስእሊ ብምልዓል፡ "ኵሉትና ነመስገንካን ኣዚና ነፍቅረካን፡ ፔሌ ብሰላም ዕረፉ" ብዝብል ጽሑፍ ኣሰንያ ዘርጊሓቶ።
እቲ ሆስፒታል፡ “ፔለ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኣካላቱ ዝተዘርአ ሕማም መንሽሮ እዩ ሞይቱ" ዝብል መግለጺ ሂቡ።
ናይ ፔለ ትዊተር ኣካውንት፡ "ተምሳጥን ናይ ፍቕሪ ንጉዕዞን ናይቲ ሎሚ ብሰላም ዝዓረፈ ንጉስ ፔለ ዘመልክት፡ ፍቕሪ ፡ ፍቕሪ ፡ ፍቕሪ ፡ ንዘለኣለም ፍቕሪ" ዝብል ተጻሒፉዎ ይረአ።
እቲ ፔለ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ኤድሰን ኣራንቴስ ዶ ናስሚንቶ፡ ወዲ 17 ዓመት ምስ እንከሎ፡ ብራዚል ኣብቲ ብ1958 ኣብ ሽወደን እተኻየደ ውድድር ዋንጫ ዓለም ንኽትዕወት ዓቢ ኣበርክቶ ብምክያድ ናይ ዓለም ኮኾብ ክኸውን በቒዑ።
ብኸምኡ ከኣ ኣብ መስመር ምክፍፋል ክስለፍ ጀመረ ።
ኣብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ፡ ኣብ ልዕሊ ዌልስ ሓደ ጎል ብምምዝጋብ ሃገሩ 1ብ0 ንክትዕወት ኣብቅዓ።
ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ከኣ ኣንጻር ፈረንሳ ሃትሪክ ሰሪሑ።
እታ 5 ብ 2 ንዝተሳዕረት ኣአንጋዲት ሃገር ከኣ ፔለ ክልተ ሸቶ ኣመዝጊቡ ሃገሩ ዋንጫ ጨቢጣ።
ፔለ፡ ኣብ 1,363 ጸወታታት፡1,281 ሸቶታት ኣመዝጊቡ።
ኣብ ጸወታ ዋንጫ ዓለም፡ 14 ግዜ ተሳቲፉ 12 ሸቶታት ምምዝጋቡ፡ ኣብ ዓመተ 1959 ጥራሕ 126 ሸቶታት ምምዝጋቡን፡ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ስዒሩ ነታ ጽዋዕ ብምልዓሉን ብፍሉይ ይግለጽ።
ፔለ ኣብ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ቅድሚ ምስታፉ ክልተ ዓመት ገና ወዲ 15 ዓመት እንከሎ ምስ ጋንትኡ ሳንቶስ ተሰሊፉ፡ ኣብ ልዕሊ ጋንታ ቈረንቶስ ደ ሳንቶ ኣንድሬ 7 ብ 1 ብዝዀነ ውጽኢት ተዓዊቱ።
ዋላ’ኳ ሳንቶስ ሓደ ግዜ ኣብ ልዕሊ 1,000 ጸወታታት ከምእተሰለፈ እንተገለጹ፡ ኣብ ልዕሊ 19 ዓመታት ናይ ጸወትኡ ጉዕዞ፡ ብዙሕ ግዜ ኣንጻር እተን ልዑል ተፈላጥነት ዘለወን ናይ ኤውሮጳ ጋንታታት ተጋጢሙ 643 ሸቶታት ዘመዝገበ ናይ መጀመርታ ሰብ እዩ ነይሩ።
ኣብ ዋንጫ ዓለም 1962፡ ሽዑ ወዲ 21 ዓመት ዝነበረ ፔለ፡ ኣብ መኽፈቲ ጸወታ እቲ ውድድር ንሜክሲኮ 2 ብ 0 ኣብ ዝሰዓርሉ ዘደንቕ ግጥም ብሉጽ ሸቶ ኣመዝጊቡ።
እንተዀነ ኣብቲ ዝቕጽል ግጥም ስለዝተጎድአ ጋንታኡ ኣብ ወሳኒ ጸወታ ክትጋጠምን ስዒራ ዋንጫ ክትዓትርን እንከላ ምስቶም ተጠባባቕቲ ኰይኑ ተዓዚቡዋ።
ሰለስተ ሳዕ ውድድር ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ብምስዓሩን ነታ ዋንጫ ንሰለስተ ሳዕ ብምጭባጡን ከም ተምሳሌት ብሉጽ ተጻዋታይ እዩ ዝረአ።
ድሕሪ እቲ ጋንታ እንግሊዝ ዋንጫ ዝዓተረትሉ ውድድር 1966 ኣብ 1970 ኣብ ዝተገብረ ግጥም ንጋንታ ጥልያን 4 ብ 1 ብምስዓር ናይ መኽፈቲ ሸቶ ኣመዝገበ ።
እቲ ኣብ ኣፍ ልቢ ሓለቓ ጋንታ ነበር እንግሊዛዊ ቦቢ ሞር ዝነብዐ ወዲ ጋንትኡ ኒልተን ሳንቶስ ንኣደናቒ ክእለት ጸወታ ፔለ ብኣንክሮ እዩ ዝገልጾ።
ኣብ ኒው ዮርክ ኮስሞስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ጐድኒ ጀርመናዊ ውሩይ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ፍራንዝ ቤክንባወርን ተዓዋቲ ዋንጫ ዓለም 1970 ካርሎስ ኣልቤርቶን ብምዃን ምስ ጋንትኡ ዝነበሮ ውዕሊ ዛዚሙ።
"ኣብ ሙዚቃ ቤትሆቨንን ካልእን ኣሎ። ኣብ ኩዕሶ እግሪ ክኣ፡ ፔሌን ካልእን ኣሎ" ክብል ቦቢ ሞር ብ2000 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]ተዛሪቡ ነይሩ።
ቢቢሲ ስፖርት ኣብ 2020 ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ፔለ ካብ ሊዮነል መሲ፣ ክርስትያኖ ሮናልዶ፣ ዲያጎ ማራዶናን ዮሃን ክሩፍን እቲ ዝዓበየን ዝለዓለ ድምጺ ዝረኸበን ተጻዋታይ ነይሩ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ስፖርት ፊል ማክኑቲይ “ሓደ ሊቅ፡ ጀግና ዋንጫ ዓለም፡ ዓለማዊ ኮኾብ” ክብል ገሊጹዎ።
ብ1970 ኣብ ሜክሲኮ ሲቲ ዋንጫ ዓለም ድሕሪ ምዕታሩ ደግፈቱ ተሸኪሞምዎ እንከለው እተርኢ ካናቴራ ኣልቦ ፔለ ኣብ ተዘክሮ ህዝቢ ዓለም ሰፊራ ኣላ።
ምስዛ ህብብቲ ስእሊ ድማ፡ ምስ ሓለቓ ጋንታኡ እንግሊዝ ቦቢ ሞር ዝተሳእላ ስእሊ እውን ኣካል እቲ ታሪኽ እያ።
ብራዚል ኣብ ጓዳላጃራ 1 ብ 0 ምስ ተዓወተት ዝተላዕለት ናይ ምክብባር ምልክት እያ።
ዝንኡን ዕብየቱን ንተፈጥሮኣዊ ጸጋን ጽባቐን ዅዕሶ እግሪ መሳጢ ክገብሮ ምኽኣሉ’ዩ ዝልካዕ።