እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብነዳዲ ዝሃብተማ ሃገራት ቀረጽ ክሊማዊ ለውጢ ክኸፍላ ኣለወን ተባሂሉ
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር ጐርደን ብራዉን፡ ብነዳዲ ሃብታማት ዝዀና ሃገራት፡ ድኻታት ሃገራት ኣንጻር ክሊማዊ ለውጢ ንኽቓለሳ ብገንዘብ ክኽሕሰአን ክድግፈአንን ኣለወን ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ከም ስዑድ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ቐጠርን ኖርወይን ዝኣመሰላ ብነዳዲ ዝሃብተማን ካብ ነፍሲ ወከፍ ወሰኽ ነዳዲ ዘይተኣደነ መኽሰብ ዝግሕጣ ዘለዋን ሃገራት፡ ካብ መኽሰበን ንድኻታት ሃገራት ከመቓርሓ ከምዘለወን’ዩ ዝጽውዕ ዘሎ።
ጐርደን ብራውን፡ ካብዘን ሃገራት ብውሐዱ 25 ቢልዮን ዶላር እናተቘርጸ ድኻታት ሃገራት ኣንጻር ክሊማዊ ለውጢ ንኽቓለሳ መተባብዒ ክወሃብ ኣለዎ በሃላይ’ዩ።
ሚስተር ጐርደን ቅድሚ እቲ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ዱባይ ዝካየድ ዋዕላ ኮፕ-28 ከምዚ ኢሉ ብምዝራቡ ካብ ብዙሓት ኣቓልቦ ረኺቡ ኣሎ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጕተረዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት፡ መራሕቲ ሃገራት ልቀት ካርቦን ንምጕዳል ኣመና ዛሕሊ የርእዩ ከምዘለዉ ተዛሪቡ ነይሩ’ዩ።
እቲ ዋና ጸሓፊ ኣስዒቡ፡ መራሕቲ ናይተን ቀንዲ ጠንቂ ልቀት ካርቦን ዝዀና ዓበይቲ ሃገራት፡ ልቀት ካርቦን ንምቕናስን ካብ ካርቦን ነጻ ዝዀነ ቍጠባ ንምጉልባትን ሓገዛተን ከበርክታ ከምዘለወን ተላብዩ ነይሩ’ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ጐርዶን እዚ ንሱ ዘቕረቦ ሓሳብ፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝካየድ ኣኼባ ኮፕ-28 ሓጋዚ ከምዝኸውን’ዩ ዝሕብር።
ንሱ፡ ከም ስዑድ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ቐጠር፡ ኖርወይን ኩወይትን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘይተኣደነ መኽሰብ ከምዝገሓጣ ብምግላጽ፡ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ ብምግባር [እዘን ሓሙሽተ ሃገራት] ኣብ 2022 ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣታዊታት ብዕጽፊ ከምዝኸሰባ ገሊጹ።
ጐርደን ‘ንኢንተርናሽናል ኢነርጂ ኣሶሰሽን’ ከም ምንጪ ጠቒሱ፡ ካብ ነዳዲ ዝርከብ መኽሰብ ቅድሚ ኮቪድ ኣብ ዓመት 1.5 ትሪልዮን ዶላር ዝነበረ ሕጂ ግን ናብ 4 ትሪልዮን ዶላር ዓብዩ ከምዘሎ’ዩ ዝሕብር።
“ነዚ መኽሰብ እዚ ናብ ክርድኣና ዝኽእል ኣሃዝ ብምቕያር፡ እዚ 4 ትሪልዮን ዶላር ዕስራ ዕጽፊ ናይቲ ኣብ ዓመት ንረድኤት ተባሂሉ ዝስላዕ ባጀት’ዩ፤ እዚ ገንዘብ እዚ ልዕሊ ጃምላዊ ሃገራዊ እቶን ዓባይ ብሪጣን’ዩ፡” ብምባል የረድእ።
እቲ ቀደማይ ሚኒስተር ነበር፡ “እዘን ዝበዝሐ ነዳዲ ዘፍርያ ሓሙሽተ ሃገራት ብርግጽ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ንኽሓፍሳ ዝገበራኦ ነገር የለን፤ እቲ መኽሰብ ግን ናብ ኣዝየን ዝሃብተማ ሃገራት ቀይርወን’ዩ” ይብል።
ጐርደን ብራውን፡ ብሰንኪ ኣብ ነዳዲ ዝተገብረ ወሰኽ፡ ኣብ ዓለም ተወሰኽቲ 141 ሚልዮን ሰባት ናብ ዝኸፍአ ድኽነት ተሸሚሞም ከምዘለዉ፣ ውጽኢት ኣብዚ ዛዕባ ዝተገረበ መጽናዕቲ መወከሲ ብምውሳድ ይምጕት።
እዘን ብነዳዲ ዝሃብተማ ሃገራት፡ ካብቲ ኣብ 2022 ዝረኸባኦ መኽሰብ ብውሕዱ 3 ሚእታዊት እንተኣበርኪተን እቲ ገንዘብ ተዋህሊሉ 25 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ ብምግላጽ፡ “እዚ እቲ ዝወሓደ ክገብራኦ ዝኽእላ ነገር’ዩ” ብምባል ወሲኹ የረድእ።
ጐርደን ብራውን፡ ብዘይካ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ትምህርትን፡ ኣምባሳደር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ጉዳይ ዓለምለኻዊ ምትእኽኻብ ባጀት ንጥዕናን ኰይኑ ሰሪሑ’ዩ።