ዋዕላ ክሊማ ኮፕ27፡ 'ደቂ-ሰባት እንተ ዘይተሓባቢሮም ክጠፍኡ'ዮም'

መራሕቲ ሃገራት ዓለም ኣብ መበል 27 ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ (ኮፕ27) ንምስታፍ ኣብ ግብጺ ኣትዮም ኣለዉ።

እቲ ብሕቡራት ሃገራት ተወዲቡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ፍሉጥ መዛወሪ ሻርም ኣል-ሼክ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፡ ብዛዕባ መጻኢ ፕላነት ምድሪን ነበርታን ዝዝቲ'ዩ።

ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዋዒ፡ ዕልቕልቕን ደርቂን ኣብ መላእ ዓለም ይኽሰት ኣሎ። በካሊ ጋዛት ዘስዓቦ ዋዒ ናይዛ ምድሪ'ውን ካብ ምውሳኽ ዓዲ ኣይወዓለን።

እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበጽሐ እንከሎ፡ እቲ ዛጊት 1.1 በጺሑ ዘሎ መጠን ዋዒ ናይዛ ፕላነት ኣብ ዓመተ 2100 ካብ 1.5 ከይሓልፍ ምግባር ወሳኒ ምዃኑ'ዮም ተመራመርቲ ዝገልጹ።

እቲ ዋዕላ ካብ ትማሊ 6 ክሳብ 18 ሕዳር ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

እቲ ኣኼባ፡ መራሕቲ መንግስታትን ሃገራትን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተበጽሐ ገስጋስ ብምግምጋም፡ ነቲ ንድሕነት ዓለም ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ህጹጽ ኩነታት ክሊማዊ ለውጢ ንምግጣም መብጻዓታት ዝኣትውሉ'ዩ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነቲ ኩነታት ንምግታእን ንምቕልባስን "ደቂሰባት እንተ ዘይተሓቢበሮም ክጠፍኡ'ዮም" ክብል ኣጠንቂቑ።

"ብፍጥነት ኣብቲ ናብ ገሃነም ዘምርሕ ዓቢ ጽርግያ ንጎዓዝ ኣለና" ዝብል ጉተረዝ፡ "ሰዓት ይሃርም ኣሎ። ኣብ ሂወትና ሪኢናዮ ዘይንፈልጥ ቃልሲ ነካይድ ኣለና፡ ግና ንስዓር ኢና ዘለና" ኢሉ።

ድሮ ኣብቲ ኣኼባ፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን፡ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ስኮልዝ፡ ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኡርሱላ ቫን-ደር ለየን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ስፔን ፔድሮ ሳንቸዝ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂና ፐሎኒን ፕረዚደንት ቱርኪ ረሰብ ጣይብ ኤርዶጋን ዝርከብዎም መራሕቲ ኣውሮጳ ይሳተፉ ኣለዉ።

ብወገን ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ እዋናዊ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ሰኔጋልን ማኪ ሳል፡ ፕረዚደንት ኣአንጋዲት ሃገር ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን ዝርከብዎም መራሕቲ ድሮ ሻርም ኣል-ሼክ ኣትዮም ኣለዉ።

እተን ዝበዝሐ ብከላ ዘስዕባ ሃገራት ዓለም፡ ክሊማዊ ለውጢ ንምግታእ ዝያዳ ክኸፍላ ዝተማሕጸነ፡ ማኪ ሳል፡ ምዕቡላት ይኹና ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት "ታሪኽ ክሰርሓ" ወይ ድማ "ግዳያት ታሪኽ ክኾና" ምርጫ ኣለወን ኢሉ።

ሓድሽ ፕረዚደንት ብራዚል ኢናስዮ ሉላ ዳ-ሲልቫ'ውን ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፍ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ግን ኣብ ዝመጽእ ዓርቢ ናብታ ሃገር ብምእታው መደረ ከስምዕ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብቲ ዋዕላ ካብ ምስታፍ ዓዲ ዝወዓሉ መራሕቲ ዓለም፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ናይ ቻይና ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዝ፡ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ ይርከብዎም።

ኣብ 2009 ሃብታማት ሃገራት ነተን ድሩት ዓቕሚ ዘለውን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ንምድጋፍ ንዓመት ኣስታት 100 ቢልዮን ዶላር ክህባ ተመባጺአን ምንባረን ይፍለጥ። እቲ መብጽዓ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ብምሉኡ ክፍጸም ድማ ትጽቢት ይግበር።

ዓሚ ኣብቲ ኣብ ብሪጣንያ፡ ከተማ ግላስጎ ዝተኻየደ ዋዕላ ኮፕ26 ካብ ዝተኣትዉ መብጽዓታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡

1- ምጉዳል ከሰል- ሓደ ካብ ቀንዲ በከልቲ ምንጭታት ጸዓት

2- ምድረበዳነት ኣብ 2030 ከምዝግታእ ምግባር

3- ኣብ 2030 በካሊ ጋዝ ሚቴን ብ30% ምጉዳል

4- ሓድሽ ውጥን ምግታእ ክሊማዊ ለውጢ ንሕቡራት ሃገራት ምርካብ

5- ንነዳዲን ጋዝን ዝግበር ኣድማዒ ዘይኮነ ድጎማታት ምቁራጽ