እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዘተ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ 'ከቢድ ናይ ወፃኢ ኢድ ኣእታውነት ኣሎ'-ኣብዪ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ኲናት ትግራይ ብሰላም ንክፍታሕ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም "ከቢድ ናይ ወፃኢ ኢድ ኣእታውነት" ከምዘለዎ ገሊጹ።
መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዘካይድዎ ዘተ ሰላም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተጀመረ ይፍለጥ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፡ እቲ ካልኣይ ዓመቱ ዝደፍን ዘሎ ኲናት ደው ክብል ዓለምለኸ ፀቕጢ እኳ እንተሃለወ ኢትዮጵያውያን ግን ጸገማቶም ባዕሎም ክፈትሑ ከምዝኽእሉ ተዛሪቡ።
"ኢትዮጵያውያን ጸገማትና ብገዛእ ርእስና ክንፈትሕ ከም እንኽእል ክንግንዘብ ይግባእ" ኢሉ።
ኣብቲ ዘተ ጣልቃ ዝኣተዉ መን ምዃኖም ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ንዓለምለኻዊ ተለቪዥን ቻይና ሲጂቲኤን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ ሰላም ክበጽሑ ተስፋ ከምዘለዎ ሓቢሩ ነይሩ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ንሽረ፡ ኣኽሱምን ዓድዋንን ከምዝተቖጻጸረ ዘረጋገጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር "ህወሓት ሕጊ ሃገር ከኽብር፡ ቅዋም ከኽብርን ከም ሓደ ክልል ኢትዮጵያ ክዋሳእን ከነእምኖ ንፍትን ኣለና" ኢሉ።
ይኹን እምበር እቲ ኲናት ቅድሚ ምውልዑ ኣትሒዙ ህወሓት፡ ፌደራል መንግስቲ ሕጊ ሃገር ይጥሕስ ከምዘሎ ብምግላጽ ቅዋም መንግስቲ ከኽብር ይጽውዑ ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ ድሮ ምጅማር እቲ ዳግማይ ኲናት ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ፡ “ሞት ናብ እንገጥመሉ ደረጃ ብፍጥነት ንጽጋዕ ኣለና። ምርጫና ብጥምየት ምጥፋእ’ዶ ንመሰልናን ክብርናን እናተቓለስና ንሙት ዝብል ጥራሕ’ዩ” ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ተሓታቲ ምዃኑ ከም ዝኣምን፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ ነይሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ነዚ ፀብፃብ፡ “ብመረዳእታ ዘይተደገፈን ምስሊ እታ ሃገር ብሕማቕ ንምቕራብ ዝዓለመን እዩ” ክብል ነፂግዎ እዩ።
እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ደው ኢሉ ዝነበረ ተጻብኦ ካብ ዝጥሓስ ኣትሒዙ ኣብታ ንክልተ ዓመታት ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ከቢድ ውግእ ይቕጽል ከም ዘሎ ይግለጽ።
እቲ ኲናት ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ከም ዘስዓበ ብኹሉ ወገናት ዝጸብጸቦ ኮይኑ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ኮይኖም ይርከቡ።
መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን እቲ ደማዊ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንኸብቅዕ ዘተ ሰላም ንከካይዱ ጻዕርታት ክግበር ጸኒሑ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝተጀመረ ይፍለጥ።
እቲ ዘተ ብላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ማላምቦ-ንጹካን ዝምራሕ እዩ።
ብተወሳኺ ዞባዊ ውድብ ቀርኒ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)፡ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኣሜሪካን ከም ተዓዘብቲ ይሳተፉ ምህላዎም ይግለጽ።
ብብዙሕ ዘይተመለሱ ሕቶታት ዝተኸበበ ኰይኑ፡ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ ብቐረባ ትከታተሎ ከምዝዀነ ይእመን።
እዚ ኣብ ርእሰከተማ ፕሪቶርያ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ ሕቶታት ሉኣላውነት፡ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ሰብኣዊ ረድኤትን ናይ መሬት ምሰሕሓብን ከምዝለዓለሉ ኣብ ባይታ ዘለዉ ጉዳያት ይእንፍቱ።
እቲ ዘተ ሰላም ትማሊ ሰንበት 30 ጥቅምቲ ክዛዘም ትፅቢት ተገይሩ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ስለዘይተዛዘመ ግን ክሳብ ረቡዕ ከምዝቕጽል ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ወሃቢ ቃል ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ትማሊ ሰኑይ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ዝርርብ "ዝተወሰነ ናይ ግዜ ገደብ የለን" ክብል ሓቢሩ።
ዛጊት ግን ኣጀንዳ ናይቲ ልዝብ ኮነ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዝበጽሐ ዝፍለጥ ነገር የለን።
እንተኾነ ግን ኣብ መዛዘሚ እቲ ብብዙሕ ዘይተመለሱ ሕቶታት ዝተኸበበ ልዝብ፡ ሓበራዊ መግለፂ ክወሃብ ትፅቢት ይግበር።
እቲ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ካልኣይ ዓመቱ ዝመልኦ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ።
ብሰንኪ'ቲ ኲናት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣደዳ ጥምየት ክዀኑ እንከለዉ፡ ንዓጸቦ ዝተቓልዑ'ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።
ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ባንኪ፡ ተሌፎን፡ መብራህቲን መጓዓዝያን ብምቍራጹ ነበርቲ እታ ክልል ንሕሰም ተቓሊዖም ይርከቡ።
ምናልባት ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ቀረባ እዋን ታሪኽ እቲ ዝሓሰመ ደማዊ ኵናት ከም ዝኾነ ዝንገረሉ እዚ ኵናት፡ ካብ 600 ሽሕ ክሳብ 800 ሽሕ ሂወት ሰባት ከም ዝበልዐ፡ ነዚ ኵናት ብቀረባ ዝከታተሉ ተንተንቲ ይገልፁ።