ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ክሳብ ረቡዕ ተናዊሑ

ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ንተወሳኺ መዓልታት ከምዝተናውሐ፡ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎ ምንጪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንክልተ ዓመታት ዝቐፀለ ኲናት ሓድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ንምፍታሕ ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ወግዓዊ ልዝብ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ዝሓለፈ ሰሉስ ዝጀመረ ዘተ ሰላም ትማሊ ሰንበት 30 ጥቅምቲ ክዛዘም ትፅቢት ይግበር ነይሩ።

እቲ ዝርርብ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ስለዘይተዛዘመ፡ ንተወሰኽቲ መዓልታት ከምዝቕጽልን ክሳብ ረቡዕ ከምዝፀንሕን ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ልዝብ ድማ ሓበራዊ መግለፂ ክወሃብ ትፅቢት ይግበር።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን (ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ) ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ላዕለዎት ወከልቲ ክልቲኦም ወገናት ይሳተፉ ኣለዉ።

ክልቲኦም ሓይልታት ፍልልያቶም ብዘተ ንምፍታሕ ዕጹው ኣኼባታት ኣብ ምክያድ ከምዝርከቡን፡ ዛጊት ግን ኣጀንዳ ናይቲ ልዝብ ኮነ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዝበጽሐን ዝፍለጥ ነገር የለን።

ምዕራባውያን ሃገራትን ነቲ ዘተ ሰላም ዝመርሕ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ፡እቲ ዝርርብ ነቲ ደማዊ ኲናት ከብቅዕ ዝገብር ከምዝኸውን ዘለዎም እምነት ኣቐዲሞም ክገልፁ ፀኒሖም’ዮም።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት፡ እቲ ድርድር ከምዝጀመረ ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ሕብረት ኣፍሪቃ ድምፂ ተኹሲ ከይስማዕ ከምኡ’ውን ዝሓበረት፣ ዝተረጋግአትን ሰለማዊትን ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር ዝካየድ ዘተ ሰላም ንምድጋፍ ቆሪፁ ከምዝተልዓለ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ፡ እዚ ናይ ሰላም ልዝብ "ንኹሎም ኢትዮጵያውያን ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ትስፉው መንገዲ" ምዃኑ ብምግላፅ፡ ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ተላዘብቲ ነቲ ግጭት ናይ መወዳእታ ፍታሕ ንምርካብ ነቲ ጉዳይ ቆላሕታ ክገብሩሉ ኣተሓሳሲቡ።

ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ነበር ፑምዚለ ማላምቦ-ናኩክን ነቲ ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ይመርሕዎ ምህላዎም ይፍለጥ።

ኣብቲ ልዝብ ኣሜሪካ፣ ሕቡራት ሃገራትን በይነ-መንግስታዊ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃን (ኢጋድ) ናይ ተዓዛቢ ተራ ከምዝህልዎም ሕብረት ኣፍሪቃ ሓቢሩ’ሎ።

ናይ ዘረባ ኣጀንዳታት

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ተዋጋእቲ ሓይልታት ኲናት ደው ኣቢሎም ፍልልያት ብዝርርብ ክፈትሑ ብተደጋጋሚ ጻዕርታት ከካይድ ጸኒሑ'ዩ።

ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ክዘራረቡሉ ዝኽእሉ ጉዳያት ብንፁር እኳ እንተዘይገለፁ፤ ሕብረት ኣፍሪቃን ምዕራባውያን ሃገራትን ግን ነቲ ግጭት ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ክጽዕሩ ምፅንሖም ይፍለጥ።

ብወገን ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብቲ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝግበር ዘተ ግጭት ብቕልጡፍ ደው ምባል፣ ደረት ኣልቦ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውጻእን ቀዳምነት ዝህብዎም ጉዳያት ከምዝኾኑ ክሕብሩ ፀኒሖም’ዮም።

መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ "ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት" ንዝርርብ ድሉው ምዃኑ ኣቐዲሙ ገሊፁ ነይሩ።

መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኲናት ትግራይ እናሓየለ ኣብ ዝቕፅለሉ ዘሎ እዋን’ዮም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንልዝብ ኮፍ ኢሎም ዘለዉ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ናይ ፌደራል መንግስቲ ውሁድ ሓይልታት ብርክት ዝበሉ ከተማታትን ከባብታትን ትግራይ ካብ ሓይልታት ትግራይ ሓራ ከም ዘውፀአ ተገሊፁ እዩ።