እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ድምጺ ወድኺ ይርበሸኒ'ሎ' ትበሃል ዝነበረት ኣደ ብሓዊ ተቓጺላ ሞይታ
ብቐዳም ኣብ ሜክሲኮ፡ ኣካላታ ብኣልኮል ጠልቅዩ ብሓዊ ከም እትቃጸል ዝተገብረት ጓለንስተይቲ ሞይታ።
እዛ ጓል 35 ዓመት ዝዀነት ሉዝ ራቄል ፓዲላ፡ 90 ሚእታዊት ሰብነታ ብሓዊ ስለ ዝተቓጸለ ብህይወት ክትሰርር ኣይከኣለትን።
ንሳ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ፡ 'ምፍርራሕ ይበጽሓኒ' ኣሎ ብምባል ንሰብ መዚ ሓቢራ'ኳ እንተጸንሐት ውሕስነት ኣይረኸበት፤ እዚ ጭካነ ዝመልኦ ቅትለት ከኣ ኣብታ ሃገር ቍጥዐ ኣልዒሉ ኣሎ።
እቲ ጉዳይ፡ ብሰንኪ ጾታ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ዝፍጸም ቅትለት [ፈሚሳይድ] ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል፡ መርመራ ይግበረሉ ኣሎ።
መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ፡ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓለንስተይቲን ኣብ ልዕሊ እታ ግዳይ መጥቃዕቲ ፈጺሞም፡ ኢሎም ኣለው።
ፓዲላ፡ ኣደ ኦቲዝም ዘለዎ ወዲ 11 ዓመት ቈልዓ ኰይና፡ ኣባል ‘I care for Mexico’ ዝተባህለ ፍሉይ ድልየት ዘለዎም ሰባት ዝሕግዝ ጕጅለ እያ ነይራ።
እቲ ጉጅለ ድማ፡ እታ ግዳይ፡ 'ድምጺ ወድኺ ይርብሸኒ ኣሎ' ካብ ዝብል ጐረቤት ምፍርራሕ ክወርዳ ከም ዝጸንሐ ሓቢሩ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ መንደቕ ገዛኣ “ብህይወት እንከለኺ ከቃጽለኪ’የ” ዝብል ዝረኸበቶ ጽሑፋትን ስእልታትን ኣብ ትዊተር ጠቂዓ ነይራ።
“ጐዳእየይ ኣብ ከተማ ከም ድላዩ እናተንቀሳቐሰ፡ ምናልባት’ውን ካልእ ጉድኣት እናውረደ፣ ኣነ ከኣ ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ቤተሰበይን ሓደጋ’ዶ ይወርደና ይኸውን ብዝብል ስግኣት ንኽንደይ ዝኣክል እዋን ብፍርሒ ከም ዝነብር ኣይፈልጥን” ክትብል ጽሒፋ ነይራ።
ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ፡ ፓዲላ ዘፈራርሓ ጎረቤት ከም ዘሎን ኣካላዊ መጕዳእቲ ከውርደላ ከም ዝኽእልን ብምግላጽ፡ ሪፖርት ገይራ ምንባራ ኣረጋጊጹ።
እቲ ጐረቤት ናብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ መጺኡ እንተነበረ’ውን፡ ምስቲ ኣብ ልዕሊ እታ ግዳይ ዝተፈጸመ ገበን ዘተኣሳስሮ መረዳእታ ከም ዘይተረኽበ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ግን፡ እቲ ጐረቤት ካብቶም ኣርባዕተ ሰባት ሓደ ከም ዝዀነ ኣረጋጊጾም’ዮም።
ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ድማ፡ ፓዲላ በዓል ቤታ ካብ ዝነበረ ውልቀሰብ ዘቤታዊ ዓመጻት ይወርዳ ነይሩ ኢለን።
እቲ ጉዳይ ሕጂ’ውን መርመራ ዝካየደሉ ዘሎ ኰይኑ፡ እቲ ህጻን ምስ ኣዝማዱ ክጸንሕ ከም ዝተብረ ዓቃቢ ሕጊ ገሊጹ።
ኣብታ መክሲኮ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጀው ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ቅትለት ክበራኸት እንከሎ፡ ኣብ 2021 ጥራይ 1004 ደቂ ኣንስትዮ ተጠቒዐን።