ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ክዀኑ ዝኽእሉ ኣየኖት እዮም፡ ብኸመይከ ይመርጹ?

ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሕሪ ሞት ወይ ካብ ስልጣን ምውራድ ናይቶም ኣቐዲሞም ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ዝጸንሑ እዮም ዝምረጹ። መታካእታ ናይቶም መራሒ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝነበሩ ብምዃን ድማ ላዕለዋይ ጳጳስ ይዀኑ።

ዝዀነ ዝተጠመቐ ወዲ ተባዕታይ ካቶሊክ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ክኸውን ክምረጽ ይኽእል። እንተዀነ፡ እዚ ግደ'ዚ በቶም ካርዲናላት ዝበሃሉ ላዕለዎት መራሕቲ ቤተክርስቲያን እዩ ወትሩ ዝኸየድ። ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ዝመርጹ እውን ንሶም እዮም።

ኣብ ዓለም 252 ካርዲናላት ኣለዉ (ክሳብ 19 ለካቲት 2025)፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ጳጳሳት እውን እዮም። ትሕቲ 80 ዓመት ዝዕድመኦም ካርዲናላት ጥራሕ እዮም ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ክመርጹ ዝኽእሉ።

ብዝሒ ናይዞም "መረጽቲ ካርዲናል" መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ 120 እዩ ዝድረት። ኣብዚ ግዜ'ዚ ግና ካብቶም ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ንምምራጽ ብቝዓት ዝዀኑ 130 ጥራሕ እዮም ዘለዉ።

ካርዲናላት ብኸመይ ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ይመርጹ?

ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ክስየሙ ኣብ ዘድለየሉ እዋን፡ ኵሎም ካርዲናላት ናብ ቫቲካን ሮማ ንምርጫ ይጽውዑ። እዚ ንኣስታት 800 ዓመታት ዳርጋ ዘይተቐየረ መስርሕ እዩ።

ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ጉባኤ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዳሴ የካይዱ። ብድሕሪ እዚ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተጸሎት ሲስቲን ይራኸቡ። ኣብኡ ድማ "extra omnes" (ኩሉ ኣፍኣ - ብግእዝ ) ይእውጁ፣ እዚ ብላቲን "ኵሉ ሰብ ንደገ፡" ማለት እዩ።

ካብ ሽዑ ኣትሒዞም፡ ኵሎም ካርዲናላት ክሳዕ ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ዝምረጹ ኣብ ውሽጢ ቫቲካን ይጸንሑ።

እቶም መረጽቲ ካርዲናላት ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ናይቲ ብሕቱው ጉባኤ ኣብ ቤተጸሎት ሲስቲን ቀዳማይ ድምጺ ይህቡ። ክሳዕ ሕጹይ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ናብ ሓደ ዝወርድ ድማ ካብ ካልኣይ መዓልቲ ጀሚሮም ንግሆ ንግሆ ክልተ ድምጺ፡ ድሕሪ ቀትሪ ድማ ኣብ ቤተጸሎት ክልተ ድምጺ ይህቡ።

ኣብቲ ድምጺ፡ ነፍሲ-ወከፍ ካርዲናል፡ ስም ናይቶም ዝመርጹዎም ሕጹይ ኣብ ወረቐት ድምጺ፡ "Eligio in Summum Pontificem" ዝብል ሓረግ ይጽሕፍ፣ እዚ ማለት ድማ ብቛንቋ ላቲን "ኣነ ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት እመርጽ፡" ብህለት እዩ።

እቲ ድምጺ ምስጢር ንክኸውን፡ እቶም ካርዲናላት ንቡር ቅዲ ኣጸሓሕፋ ኢዶም ከይጥቀሙ ይንገሮም።

ኣብ መወዳእታ ካልኣይ መዓልቲ ንጹር ተዓዋቲ እንተ ዘይተለልዩ፡ ሳልሳይ መዓልቲ ንጸሎትን ኣስተንትኖን ብምሕዛእ፡ ድምጺ ምሃብ ኣይፍጸምን። ብድሕሪኡ ድምጺ ምሃብ ከምቲ ልሙድ ይቕጽል።

እቶም ሕጹይ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ንኽምረጹ ክልተ ሲሶ ናይ ካርዲናል መረጽቲ ድምጺ የድልዮም። እቲ መስርሕ ሓያሎ መዓልታት፡ ሓድሓደ ግዜ'ውን ሰሙናት ክወስድ ይኽእል።

ኣብ ጓጓ ጳጳሳዊ ጉባኤ እንታይ ይፍጸም?

እቲ ጉባኤ ምርጫ ብፍጹም ተነጽሎ እዩ ዝካየድ። ካርዲናላት ካብ ቫቲካን ክወጽኡ ኣይክእሉን እዮም፤ ራድዮ ክሰምዑ፡ ተለቪዥን ክርእዩ፡ ጋዜጣ ከንብቡን ንዝዀነ ኣብ ደገ ዘሎ ሰብ ብተለፎን ክራኸቡን ኣይፍቀደሎምን።

ብዘይካ ሰራሕተኛታት ገዛ፡ ሓካይምን ኑዛዜኦም ዝሰምዑ ካህናትን ናብ መንበሪ ካርዲናላት ዝኣቱ ሰብ የሎን። ኵሎም ንምስጢር ይምሕሉ እዮም።

ኣብ መንጎ እቲ መስርሕ ምርጫ፡ እቶም ክመርጹ ዝኽእሉን እቶም ብሰንኪ ሽምግልና ክመርጹ ዘይክእሉን ካርዲናላት ብዛዕባ ብልጫን ድኽመትን ናይቶም ሕጹያት ክዘራረቡ ግዜኦም የሕልፉዎ።

ብግልጺ ጐስጓስ ምክያድ ኣይፍቀድን። ቫቲካን፡ ካርዲናላት ብመንፈስ ቅዱስ ይምርሑ እያ ትብል። ይዅን'ምበር፡ እቲ መስርሕ ምእካብ ደገፍ-ሕጹይ ኣዝዩ ፖለቲካዊ ገይርካ እዩ ዝሕሰብ።

ኣብ እዋን ጉባኤ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ክልተ ግዜ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ወረቓቕቲ ድምጺ ይቃጸሉን ካብ ቫቲካን ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ድማ ካብኡ ዝወጽእ ትኪ ካብ ዓይኒ-ምድሪ ቤተጸሎት ሲስቲን ክወጽእ ክርእዩ ይኽእሉ።

ኣብቶም ወረቓቕቲ ጸሊም ወይ ጻዕዳ ቀለም ይግበር። ጸሊም ትኪ ውጽኢት ዘይብሉ ድምጺ ክኸውን ከሎ፡ ጻዕዳ ትኪ ድማ ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ከም ዝተመርጹ የመልክት።

ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ምስ ተመረጹ እንታይ ይስዕብ?

በቲ ዝተዋህበ ድምጺ ዝተዓወቱ ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት፡ "ብቕኖናዊ ምርጫ ከም ላዕለዋይ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ንዝተዋህበኩም ትቕበሉ ዲኹም?" ተባሂሎም ይሕተቱ።

ብድሕሪኡ፡ እቶም ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት እንታይ ተባሂሎም ክጽውዑ ከም ዝደልዩ ይመርጹን ፍሉይ ልብሲ ይወሃቦምን። እቶም ካርዲናላት ከኣ ብኣኽብሮት ክእዘዙዎም ቃል ይኣትዉ።

ኣብ ሰገነት ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምድያብ፡ ነቶም ኣብ ታሕቲ ዝተኣከቡ ህዝቢ፡ "habemus papam" ዝብል ምልክታ ይግበረሎም። እዚ ብቛንቋ ላቲን፡ "ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣለና፡" ማለት እዩ። ስም ናይቶም ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ከኣ ይግለጽ፣ እቶም ዝተመርጹ መራሒ'ውን ባዕሎም ናብ ህዝቢ ይቐርቡ።

ሓጺር መደረ ብምስማዕ ድማ፡ "urbi et orbi" (ዕላዊ ጳጳሳዊ ቡራኬ ንዅሉ) ዝብል ባህላዊ በረኸት የቕርቡ።

ጸኒሑ፡ ውጽኢት ናይ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዙርያ ዝተዋህበ ድምጺ ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ንኽርእዩዎ ይወሃብ። ብድሕሪኡ፡ ተዓሺጉ ኣብ ቤት-መዝገብ ቫቲካን ይቕመጥ። ብዘይ ትእዛዝ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳስ ድማ ማንም ኣይከፍቶን።