እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንጳጳስ ፍራንሲስ ዘጥቅዐ ድርብ ሕማም ሳንቡእ እንታይ'ዩ፡ ነዚ ሕማም ዝያዳ ዝቃላዕ መን'ዩ?
ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ፖፕ ፍራንሲስ፡ 'ኣዝዩ ዝተሓላለኸ' ዝተባህለ ድርብ ሕማም ሳንቡእ ከም ዝተጠቕዑ ተረጋጊጹ።
ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ኣብ ክልቲኡ ሳንቡኦም ሕማም ሳንቡእ ከም ዘጋጠሞምን ኵነታቶም "ዝተሓላለኸ" ከም ዝዀነን ድማ ቫቲካን ኣፍሊጣ።
ወዲ 88 ዓመት ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ብረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኰይኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሮማ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ገመሊ ኣትዮም።
እቶም ጳጳስ፡ ኣብ ኣፍልቢ ብዝተገብረ መርመራ 'ሲቲ ስካ'ን ናይ መጀመርታ ደረጃታት ክልተኣዊ ሕማም ሳንቡእ ከም ዘርኣየን ተወሳኺ ሕክምናዊ መርመራ ከም ዘድልዮን ቫቲካን ገሊጻ።
እዚ ድርብ ሕማም ሳንቡእ ግን እንታይ'ዩ? ነዚ ዝያዳ ተቓላዒ ዝዀነ መን'ዩ?
ነድሪ ሳንቡእ - ኒሞኒያ - እንታይ'ዩ?
ነድሪ ሳንቡእ፡ ኣብ ሳንቡእ ንዝርከቡ ለቘታት ኣየር ዘጥቅዕ ረኽሲ እዩ።
እዞም ለቘታታት ኣየር፡ ብፈሳሲ ክመልኡ ስለ ዝኽእሉ፡ ከም ሰዓል፡ ረስኒ፡ ቃንዛ ኣካላት፡ ምድንጋርን ጸገም ምስትንፋስን ዝኣመሰሉ ምልክታት ከስዕቡ ይኽእሉ።
ዝተፈላለዩ ንኣሽቱ ታህዋስ - ከም ባክተርያ፡ ቫይረሳትን ፋንጋስን ዝኣመሰሉ - ሕማም ሳንቡእ ከስዕቡ ይኽእሉ።
ነድሪ-ሳንቡእ ዘስዕቡ ንኣሽቱ ታህዋስ ካብ ሰዓልን ምሕንጣስን ብዝመጽኡ ነጠብጣባት ኣየር ወይ ድማ ዝተበከለ ነገራት ብምትንካፍ ጀርምታት ናብ ኣፍ፡ ኣፍንጫ ወይ ዓይኒ ምስ ዝኣትዉ ክዝርግሑ ተኽእሎ ኣሎ።
ድርብ ዝብል ቃል፡ እቲ ረኽሲ ኣብ ሓደ ሳንቡእ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ክልቲኡ ሳንቡእ ይርከብ ማለት እዩ።
እዚ ግድን ዝያዳ ከቢድ ከም ዝገብሮ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ሲድኒ ይሕብሩ።
ኣብ 2021 ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 344 ሚልዮን ግዳያት ሕማም ሳንቡእ ነይሮም።
በዚ ምኽንያት፡ 2.1 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም።
ካብዚኦም እቶም 502 ሽሕ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዑ ከም ዝዀኑ መረዳእታ መጽናዕቲ ዓለማዊ ጾር ሕማማት ዝተረኽበ ይሕብር።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብታ ዓመት እቲኣ ታሕተዋይ ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስ ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ብሕማም ልቢ፡ ኮቪድ-19፡ ወቕዒ፡ ሕዱር ሕማም ሳንቡእ ንዝስዕብ ሞት ከም ዝዛየደ ይሕብር።
ነዚ ሕማም ዝያዳ ተቓላዒ ዝዀነ መን'ዩ?
ሓደ ሓኪም፡ መርመራ ክገብር እንከሎ ሕማም ሳንቡእ ከም ዘሎ ምስ ዝጥርጥር፡ ነቲ ረኽሲ ንምርግጋጽ መርመራ ደም ክእዝዝን ነቲ ጠንቂ ናይቲ ረኽሲ ንምፍላጥ ጻዕሪ ክገብርን ይኽእል።
እዚ ግን ወትሩ ዝከኣል ኣይኰነን ይብል ክኢላ ማዮ ክሊኒክ ዝተባህለ ማእከለ ሕክምና ኢንስቲትዩት ጥዕና ኣመሪካ።
ነቲ ረኽሲ ንምፍላጥ መርመራ ኣፍልቢ እውን ይምከር።
ሕማም ሳንቡእ፡ ሳንቡእ እኹል ኦክስጅን ናብ ደም ከይበጽሕ ክኽልክል ስለ ዝኽእል፡ ኣብ እዋን መርመራ መጠን ኦክስጅን ደም እውን መብዛሕትኡ ግዜ ብኦክሲሜተር ይዕቀን።
ሕማም ሳንቡእ ኣብ ዝዀነ ሰብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ክሊ ዕድመ ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ግን እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ዝለዓለ ይኸውን።
ብፍላይ ንልዕሊ 65 ዓመትን ትሕቲ 2 ዓመትን ዕድመ ንኸቢድ ረኽሲታት ሓደጋ ተቓላዕቲ ምዃኖም ክኢላታት ሕክምና ይገልጹ።
ብዘይካ ዕድመ፡ ብሰንኪ ቅድም ኢሉ ዘጋጥም ረኽሲታት ዝመጽእ ጕድኣት ሳንቡእ፡ ሕማማት ሳንቡእ፡ ወይ ሕዱር ዕንቅፋት ሕማም ሳንቡእ፡ ምትካኽ ሽጋራን ምድኻም ስርዓተ ምክልኻል ሕማምን ድርኺታት ሕማም ሳንቡእ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ጉዳይ ጳጳስ ፍራንሲስ ብዘይካ ዕድሚኦም ካልኦት ሓደጋታት ኣብ ግምት ይኣትዉ።
ንሶም፡ ነዊሕ ዝጸንሐ ሕማማት ስርዓተ ምስትንፋስ ከም ዘለዎምን ኣብ ግዜ ንእስነቶም ብሕማም ፕለውሪሲ - ኣብ ሳንቡእ ዘጠቓልል ሽፋን ዝኽሰት ነድሪ - ይሳቐዩ ከም ዝነበሩን ይፍለጥ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ሓደ ክፋል ሓንቲ ሳንቡኦም ተኣልያ፣ እዚ ድማ ንሳዕቤናት ረኽሲ ዝያዳ ተቓላዒ ገይሩዎም ጸኒሑ።
ኣብ መጀመርታ ጳጳስ ፍራንሲስ ብ14 ለካቲት ሕክምናን መርመራን ብሮንካይትስ ክገብሩ ናብ ሆስፒታል ኣትዮም።
ንሓያሎ መዓልታት ምልክታት ሕማም ይርእዩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየዱ መድረኻት ዘዳለዉዎ መደረታት ብኻልኦት ሰባት ክቐርቡ ውክልና ሂቦም'ዮም ጸኒሖም።
ብሮንካይተስ ኣብ ሽፋን ናይቶም ኣብ መላእ ሳንቡእ ኣየር ዝስከሙ ኣቃውማታት ዝዀኑ ሻምብቆታት ብሮንካይትስ ዝፍጠር ነድሪ እዩ።
ሕማም ሳንቡእ ብኸመይ ይፍወስ?
ሕማም ሳንቡእ፡ ንረኽሲ ባክተርያ ዒላማ ብምግባር ብጸረ-ነፍሳት ወይ ድማ ንቫይራላዊ ረኽሲ ንምምካት ብጸረ-ቫይረስ ክሕከም ይኽእል።
እቲ ረኽሲ ብብዙሓት ባክተርያ ዝመጽእ እንተዀይኑ፡ እቲ ሕሙም ሰፊሕ ጸረ-ነፍሳት ክወሃቦ ይኽእል።
ይዅን እምበር፡ ዝርከቡ ጸረ-ቫይረስ መድሃኒታት ኣዝዮም ውጽኢታውያን ወይ ብፍሉይ ዕላማ ዝገበሩ ስለ ዘይኰኑ፡ ምፍዋስ ቫይራል ሕማም ሳንቡእ ዝያዳ በዳሂ እዩ።
ኣብ ሆስፒታል፡ ዝኣትዉ ሕሙማት እውን መብዛሕትኡ ግዜ ፈሳስን ኦክስጅንን ይወሃቦም።
ፊዚዮቴራፒ ንሕሙማት ኣብ ሳንቡእ ዝእከብ ፈሳሲ ንምውጋድ እውን ክሕግዞም ይኽእል እዩ።
ቫቲካን ኣቐዲማ ከም ዝገለጸቶ፡ ጳጳስ ፍራንሲስ ዘጋጠሞም ናይ መጀመርታ ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስ "ፖሊሚክሮቢያል" ኰይኑ እዚ ማለት ብውህደት ረኽሲ ዘስዕቡ ባእታታት ዝመጽእ እዩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ሕክምናኦም ዝያዳ ዝተሓላለኸ ኰይኑ፡ ጸረ-ነፍሳትን ኮርቲኮስተሮይድን - ሓደ ዓይነት ጸረ ነድሪ መድሃኒታት - ይወስዱ ኣለዉ።
ጳጳስ ፍራንሲስ፡ 'Hope' ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህቦ መጽሓፍ ርእሰ-ታሪኽ ኣሐቲሞም ኣለዉ።
እዚ ሽዱሽተ ዓመት ዝወሰደ መጽሓፍ፡ "ታሪኽ ጕዕዞ ተስፋ" ዘዘንቱ ከም ዝዀነ ቅድም ኢሎም ገሊጾም ነይሮም።
እዚ መጽሓፍ ኣብ መፋርቕ ጥሪ 2025 [ኣ.ኤ] ናብ ዕዳጋ ቀሪቡ ኣሎ።