ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ እንታይ'ዩ ዝደሊ፣ ሕርያ ትግራይ ከ እንታይ'ዩ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ "ለበዋ ንህዝቢ፡ ብፍላይ ድማ ንልሂቃን ትግራይ" ብዝብል ብቋንቋ ትግርኛ ዝዘርግሖ ደብዳበ ክሳብ ሕጂ የዘራርብ ኣሎ።

እዚ መግለጺ፡ ብቐንዱ ኣብ ትግራይ ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ይምሕጸን።

ንሱ ኣብ ደብዳበኡ፡ እቲ ህዝቢ ካብ ተደጋጋሚ ኲናትን ግጭትን ዝረኸቦ መኽሰብ ከም ዘየለ ብምጥቃስ፡ "ሕዚ'ዉን . . . እቲ ዘሕዝን ኣብ ፍርሒ፡ ራዕድን ወረ ውግእ[ን] ተሸሚሙ ዝነብር ዘሎ ምዃኑ እዩ፡" ኢሉ።

እዚ፡ መንግስቱ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣንጻር መራሕቲ ትግራይ ናብ ቅሉዕ ኲናት ቅድሚ ምእታዉ ምስቲ ክልል ኣጋጢሙ ዝነበረ ምስሕሓብ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ዝመሳሰል ቃናን ትሕዝቶን ኣለዎ ዝብሉ ኣለዉ።

ኣብቲ እዋን፡ 'ህዝብና ካብ ቍስሉ ኣይሓወየን . . . ኲናት ሰብ ጥራይ ዘይኰነ ዝበልዕ፡ ሃገር'ውን ናብ ሓመድ ዝቕይር'ዩ . . . ።

'ኣብ ውሽጢ ህወሓት፡ ኣፈላላይ ብጐንጺ ናይ ምፍታሕ ድሌት ዘለዎም ውሑዳት መራሕቲ ምህላዎም ግልጺ ክኸውን ኣለዎ . . . ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ናብ ጐንጺ ዝደፋፍኡዎ ዘለዉ ዓገብ ክብሎም ኣለዎ፤ ብኣንጻሩ ነቶም ልዝብን ሰላምን ዝደልዩ መራሕቲ ክድግፎም ኣለዎ፡" ኢሉ ነይሩ።

ነዚ ሕሉፍ ዘረባ ኣቢይ ኣሕመድ ዝዝክሩ ሰባት፡ እቲ ሕጂ ብተመሳሳሊ መገዲ ዝቐረበ 'ለበዋ ሰላም' ክውሓጠሎም ከም ዝጽገሙ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ክገልጹ ተዓዚብና።

ገለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ውልቀሰባት'ውን እዚ ሓድሽ መልእኽቲ 'ሓበራዊ መቕጻዕቲ ክወርደኩም'ዩ' ዝብል መፈራርሒ ጌርና ኢና ንርእዮ ይብሉ።

ኣብ ትግራይ ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ምትፍናን መራሕቲ፡ ሕጂ ኣብ መንጐ ኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታን ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳርን ኰይኑ ኣሎ።

ጠንቂ ናይቲ ወጥሪ፡ እቲ ኣብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ፡ ናብቶም ልዕሊ 200 ሽሕ ዕጡቓት ከም ዝእዝዙ ዝንገረሎም ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ልሒዅ ብምህላዉ ውግእ-ሓድሕድ ከይፍጠር ኣብ ህዝቢ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

እዚ ቅልውላው ካብ ዝፍጠር ዳርጋ ድሕሪ ሓደ ዓመት ንፈለማ እዋን ርእይቶ ዝሃበ ኣብይ ኣሕመድ፡ "ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ኣፈላላይ ኢሂን ምሂን ኢልኩም ጕዳይኩም ብሰላምን ብምርድዳእን ክትውድኡ ይሓትት፡" ኢሉ ኣሎ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ መራሕቲ እቲ ክልል ምስ መንግስቲ ፈደራል ኰነ ካልኦት ሓይልታት ዘለዎም ኣፈላላይ "ብሕገ መንግስቲ ሃገርናን ዲሞክራሲያዊ መገድን ብምርድዳእ ንምፍታሕ ድልዋት ክትኰኑ እላቦ፡" ክብል ተማሕጺኑ።

ኣብቲ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ሞይቶም፤ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎምን ግዳያት ጥምየትን ስደትን ኰይኖም፤ ቍጽረን ብወግዒ ዘይፍለጥ ደቀንስትዮ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን መጥቃዕትን ኰይነን።

ሕጂ፡ ሕርያ ትግራይ እንታይ'ዩ? ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ እትወጽኣሉ ዕድላትከ ኣሎ'ዶ?

መንእሰያት ትግራይ እንታይ'ዮም ክገብሩ?

ኣቶ ቢንያም ናደው ቅድሚ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ህንጸት ኣተሓሳስባን ምህዞ ስራሕን መንእሰያት ኣተኲሩ ዝሰርሕ ጮራ ኣቡጊዳ ዝበሃል ትካል ይመርሕ ነይሩ።

ኣብ መቐለን ከባቢኣን ኣስታት ትሸዓተ ሽሕ መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ዕድል ስራሕ ክረኽቡ ኣኽኢሉ ከም ዝነበረ ይዝከር።

እንተዀነ፡ ኲናት ተወሊዑ፤ ሽዑ፡ "ዋላ ሓደ ካብቶም ዕድል ስራሕ ዝተፈጥረሎም ኣሽሓት መንእሰያት ሓደ ክንረክብ ኣይከኣልናን። ስራሕ ክንጅምር ኣብ ዝሓሰብናሉ እቶም ዝቘጸርናዮም መንእሰያት ትካሎም ዓንዩ፡ ተዘሪፉ፡ ፈሪሱ፡ ዝበዝሑ ክኣ ናብቲ ኲናት ተጸንቢሮም፡" ክብል ይዝክሮ።

መብዛሕትኦም ህይወቶም ብስራሕን ትምህርትን ክልወጥ ተስፋ ዝተገብረሎም መንእሰያት፡ ካብቲ ኲናት ኣይተመልሱን፤ ገለ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ድማ ኣብ ገዝኦም እንከለዉ ተቐቲሎም።

እዚ ዅሉ ተደሚሩ፡ ቢንያም ኣብ ህንጸት ሰላም ትዅረት ዝገበረ ዕዮታት ክዓምም ክውፈ ከም ዝገበሮ ይጠቅስ።

ሕጂ፡ ዋና ጸሓፊ ንተበግሶታት ህንጸት ሰላም ዝውፈያ 27 ዓለምለኻውን ሃገራውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዝሓቘፈ ጥምረት ከምኡ'ውን፡ ምክትል ቦርድ ዳይሬክተር ኪዳን ሲቪላዊ ማሕበራት ትግራይ (ACSOT) እዩ።

እቲ መልእኽቲ ንኸም ኣብ ህንጸት ሰላም ዝሰርሕ ሰብ፡ እወታዊ'ኳ እንተዀነ 'ሓቀኛ ድልየት ሰላም ዘንጸባርቕ ድዩ?' ዝብል ሕቶ ክለዓል ምኽንያታዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረብ።

ብዙሓት፡ እቲ ኣብ መንጐ መራሕቲ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምግምማዕ፡ ምጥቕቓዕን ጕድለት 'ስትራተጂያዊ' መሪሕነትን፡ ነቲ ድሮ ብኲናትን ቍጠባዊ ጸገማትን ዝተሃሰየ ህዝቢ ሸኸም ይዀኖ ከም ዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ውልቀሰባት ይገልጹ።

እቲ ሕሱም መነባብሮ ተመዛባልቲ ከምኡ'ውን ስግኣታት ኲናት ከይስዕብ ዝብል ስክፍታ ዝሓደሮ ኣብ ገጠርን ከተማን ዝነብር ሕብረተሰብ ንምምላስ፡ ተወፋይነት መራሕቲ ይሓትት ኢሎም።

ገለ ሃገራት፡ ድሕሪ ጐንጺን ኲናትን ናብ ዝሓሸ መገዲ ክኣትዋ እንከለዋ ብዙሓት ሃገራት ድማ ብውሽጣዊ ሕምስምስን ዘይምቅዳውን ክሽመማ ተራእየን እየን።

ተመኵሮ ኢትዮጵያ ካብዚ ዝተፈለየ ኣይኰነን።

ኣብ ትግራይ ድማ ድሕሪ እዚ ደማዊ ኲናት "ስትራተጂያዊ መፍትሒ ኣገባባት ዝወስድ ተሰማዕነት ዘለዎ መሪሕነት ተሳኢኑ" ብምባል ዝነቅፍ ኣቶ ቢንያም፡ ኣለዉ ዝበሃሉ ጸገማት ብዝርርብ ክፍትሑ ይላቦ።

"ብኲናት ዝፍታሕ ጸገም ክህሉ የብሉን፡ ኲናት ናይ ጭካነ መገዲ'ዩ።"

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ ውግኣት ስዒቡ፡ ዕጫ እቲ ህዝቢ ስደት፡ ምፍንቓልን ፖለቲካዊ ሕምስምስን ክኸውን ጸኒሑ ኣሎ።

"ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ናይ ኲናት ታሪኽ ኣመዝጊብና ኣለና፡ ሕዚ ዓብዪ ተበግሶ ሰላም እንወስደሉ ግዜ ኢና በጺሕና ዘለና" ዝብል ኣቶ ቢንያም'ውን፡ ከም ሲቪክ ማሕበረሰብ ተደጋጋሚ ጻዕሪታት ሽምግልና ከካይዱ ከም ዝጸንሑ ጠቒሱ።

ዝዀነ ኣካል፡ "ንሓሳብ ዘይኰነ ንኲናት'ዩ ክፈርሕ ዘለዎ" ብምባል፡ ቅድምን ድሕሪን እቲ ኲናት ሓያሎ ጻዕሪታት ሰላም ከም ዝነበሩ ኣመልኪቱ።

መብዛሕትኦም ፖለቲከኛታትን ምሁራትን እታ ክልል፡ ብቐንዱ ነቲ ኲናት ደዉ ዘበለ ብውዕል ፕሪቶሪያ ዝፍለጥ ስምምዕ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ብምሉእነት ዘይምትግባሩ ዓበይቲ ጸገማት ይፍጠሩ ኣለዉ ኢሎም ይኣምኑ።

ብዛዕባ ኣተገባብራ እዚ ስምምዕ ዝወሃቡ ሓበሬታታት ድሩትነት'ኳ እንተሃለዎም፡ እቶም ኣብ ትግራይ ዝዋጠጡ ዘለዉ መራሕቲ ይዅኑ ማእከላይ መንግስቲ፡ እዚ ኣብ ምትግባር 'መን'ዩ ፈሺሉ?' ንዝብል ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጥራይ'ዮም ዝስምዑ።

ነዚ ስምምዕ ስዒቡ ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱ ዘመዓድዉ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ሰባት [ነበርቲ ምዕራብ፡ ሰሜን ምዕራብ፡ ምብራቕን ደቡብን] ክሳብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ክልል ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝጠልቡ ሰልፊታት የካይዱ ኣለዉ።

ድጋፍ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ከም ዘለዎ ዘረጋገጸ ብደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት ድማ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ እቲ "ብብሄራዊ ክሕደት" ዝኸሶም "ዝደኸሙ" ዝበሎም መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ጸቕጢ ንምሕዳር ክምዝምዞ ይስትውዓል። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር'ውን ዝተዋህቦ ዕማም ኣብ ግዚኡ ከም ዘየፈጸመ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ክልል ይኣምኑ።

ኣብዚ ህሞት፡ እቲ ካብ ኣብይ ኣሕመድ ዝመጽአ መልእኽቲ፡ እቶም መራሕቲ ዘይሰማምዑ እንተዀይኖም፡ "ነቲ ህዝቢ እየ ዘጥቅዖ - ሓበራዊ ቕጽዓት ክስዕብ'ዩ ዝብል መፈራርሒ፡" ኰይኑ ከም ዝተራእዮ ነጣፊ ማሕበራዊ ሚድያ ፍጹም ብርሃነ ተዛሪቡ።

ብቐንዱ ግን፡ "ውዕሊ ፕሪቶሪያ ከፈጽም ከም ዘይኽእል፡ እቲ [ዝቐርብ ዘሎ ሕቶታት] ምሉእ ንምሉእ ክምልስ ከም ዘይኽእል ዝፈልጥ መሲሉ'ዩ ተራእዩኒ፡" ብምባል ነቶም ብሸነኽ ትግራይ "ናብ መረበትና ምለሱና" ብዝብል ዝካየዱ ዘለዉ ሰልፊታት፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘውጽኦ መግለጺ ከምኡ'ውን ግዝያዊ ምምሕዳር ድዩ ህወሓት ዘቕርቦም ምኽንያታት ጠቒሱ።

እዚ ተደሚሩ፡ "ናብ ውዕሊ ፕሪቶሪያ'ዩ ዝመጽእ። ነዚ ከም ምትዅታኽ ርእዩዎ ክኸዉን ይኽእል'ዩ፡" ዝብል ግምት ከም ዘለዎ ኣብሪሁ።

ኣብይ ኣሕመድ ግን፡ "ነዚአን ካብ ምምላስ፡ ነቲ ህዝቢ ምፍርራሕ እዩ መሪጹ ዘሎ፡" ብምባል ክኣ ይነቅፍ።

'ብዘረባ ረብሪብና' - ልሂቃንን ውድባትን ትግራይ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ነቲ ድሕሪ ፕሪቶሪያ ዘቘሞ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝድግፍ ይእመን።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝርከብዎም ገለ ፖለቲከኛታት ትግራይ ድማ፡ እቲ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎ ክብሉ ዝኸስዎ ጌታቸው ረዳን ደገፍቱን ካብ ስልጣን ክእለዩ ብቕሉዕ ክጕስጉሱ ይስምዑ።

ገለ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሳ ፖለቲካዊ ውድባት፡ "ንዅሉ ዝሓቘፈ" ግዝያዊ ምምሕዳር ክምስረት ኣለዎም ይብላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ኣብቲ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ዝዘርግሖ ደብዳበ፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ንግዲ፡ ጸጥታ፡ ኣካዳምን ሚድያን ካልኦት ጽላታት ዝነጥፉ ልሂቃን ትግራይ፡ እወታዊ እጃም ክህልዎም ይዕድም።

"ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ዝኸፈሎ ዋጋ ይኣኽሎ፡ ካብ ኲናት ዝርከብ ከስቢ የለን ኢልኩም ፈለማ፡ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ኣፈላላይ ኢሂን ምሂን ኢልኩም ጕዳይኩም ብሰላምን ምርድዳእን ክትውድኡ ይሓትት" ይብል።

ቢቢሲ ኣብዚ ጕዳይ፡ መራሕቲ እተን ፖለቲካዊ ውድባትን ምሁራትን ዝርከቡዎም ልዕሊ ዓሰርተ ሰባት ርእይቶ'ኳ እንተሓተተ፡ ገሊኦም ብሰንኪ 'ውልቃዊ' ጕዳያት ርእይቶ ካብ ምሃብ ከም ዝቝጠቡ ገሊጾም።

ገለ ፖለቲካዊ ሰልፊታት፡ 'ካብ ካልኦት [መራሕቲ ህወሓት] ርእይቶ ክሳብ ዝወሃብ ግዜ ክወስዳ ከም ዝተሰማምዓ' ክገልጻ እንከለዋ፡ ገለ መራሕተን ድማ፡ እዚ ጸገማት ንክፍታሕ ብተደጋጋሚ ክንሓትት ብምጽናሕና "ብዘረባ ረብሪብና ኢና፡" ብምባል ርእይቶ ክህቡ ከም ዘይደልዩ ተዛሪቦም።

ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ግዳይ ማእሰርቲ ኰይኑ ዝነበረ መስራትን ኣቦ መንበርን ዓሲምባ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ፡ ኣብ መንጐ ቅድሚ'ቲ ብ2013 ዓ.ም [ግ] ዘጋጠመ ኲናት ዝተዋህበ መግለጺን እቲ ናይ ሕጂን ምምስሳል ኣሎ ኢሉ ይኣምን።

ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይ ምትፍናን ዝበዝሖ ምዃኑ፡ "ቅድሚ ሕዚ ናብ ከቢድ ናይ ጽንተት ኲናት ኣእቲዩና'ዩ፡ ሕዚ'ውን ተመሳሳሊ ዓይነት ምትፍናናት እዩ ዘሎ፡" ብምባል እቲ ኣፈላላይ እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ምስ መንግስቲ ፈደራል ጥራይ ምዃኑ ይጠቅስ።

"ስለዚ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ምትፍናን ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ኣይኰነን፡ ናብ ኲናት'ውን ክእትወና ስለ ዝኽእል ስኽን ኢልና ብምርድዳእ ንፍትሓዮ ዝብል ጻውዒት ምቕራቡ፡ ብጽቡቕ እየ ርእየዮ፡" ኢሉ።

ነዚ ከም እወንታ ወሲድኻ፡ ናብ ግብሪ ምውዓል ክኣ እጃም ልሂቃን ተጋሩ፡ ውድባት ፖለቲካ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ብዓብይኡ ክኣ ህዝቢ ይሓትት'ዩ ኢሉ ይኣምን።

ስሩዕ ምሕደራን ግዝኣታዊ ሓድነትን ክልል ትግራይ ካብ ዝፈርስ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ዝሰፍሐ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ሓዊሱ፡ ገለ ወረዳታት ዞባ ምብራቕ፡ ሰሜን ምዕራብን ደቡብን ትግራይ፡ ኣብ ትሕቲ እቶም ንሰራዊት ፈደራል ደጊፎም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ከም ዝርከቡ'ዩ ዝግለጽ።

ማእከላይ መንግስቲ፡ ምስ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምትሕብባር ነዞም ከባቢታት ከውሕስን ድሕነት ነበርቲ እቶም ከባቢታት ክሕሉን ትጽቢት ዝግበር እኳ እንተዀነ፡ ክሳብ ሕጂ ርኡይ ለውጢ ኣይመጽአን ዘሎ።

"ግዝያዊ ምምሕዳር ይዅን ካልኦት፡ ኣብ ክንዲ ነዞም ጸገማት ምፍታሕ ንስልጣን ስረይ ስረኻ ይብሃሃሉ ኣለው። እዚ ነቲ ህዝቢ ዓብዪ ክሕደት'ዩ፡" ብምባል ዝነቅፍ ኣቶ ዶሪ፡ "እቲ ናይ ስልጣን መጐት ብዝርርብ እንተዘይተፈቲሑ ካልእ ጸገም ከምጽእ እዩ፡" ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

ነቲ፡ መበል 50 ዓመት ምስረታኡ ንምኽባር ዝሸባሸብ ዘሎ ህወሓት ምግምማዕ ሓድሽ ታሪኽ ኣይኰነን፡ ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ ክሳብ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሎም ሓያሎ ዓመታት ብሕንፍሽፍሽን ምክፍፋልን ክጥቃዕ ጸኒሑ ኣሎ።

ይዅን እምበር፡ እዚ ኣብዚ እዋን ዝርአ ዘሎ ምክፍፋል፡ ናብ ህዝቢ ልሒዅ'ዩ - ገሊኡ ደጋፊ ግዝያዊ መንግስቲ ገሊኡ ድማ ነቲ ፍንጫል ህወሓት ዝድግፍ - እናተባህለ ዳርጋ ኣብ መላእ ከባቢታት እታ ክልል ሓያሎ መድረኻትን ሰልፊታትን ክካየዱ ቀጺሎም ኣለዉ።

መሪሕነት ህወሓትን ምስኡ ዝምድና ዘለዎም ውልቀሰባትን ብብልሽውና፣ ፖለቲካዊ ሕመቓት፡ ቅድሚ ኲናትን ኣብ እዋን ኲናትን ተፈጺሞም ዝበሃሉ ገበናትን ከም ዝኽሰሱ ይፍለጥ።

በዚ ዝሰግኡ ነበርቲ ድማ፡ እኽሊ ክሽምቱ፡ ገንዘብ ካብ ባንኪታት ከውጽኡን ካብታ ክልል ንምውጻእ መገሻታት ክጽዕቕን ተራእዮም።

ሕርያ ትግራይ እንታይ ይዅን?

ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን [ዶ/ር] ወሃቢ ቃል እዚ ውድብ ዝነበረ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳን፡ ሕጂ'ውን መራሕቲ እቲ ህልውናኡ ዘየረጋገጸ ውድብ ምዃኖም'ዮም ዝምጕቱ።

ነፍሲ ወከፍ፡ ነቲ ካልእ ዘይሕጋዊ ብምባል ይነጽጐ። እዚ መጻኢኡ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ውድብ፡ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ጕባኤ እንተካየደ'ውን ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

እቲ ቦርድ፡ ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብፍሉይ ኵነታት ዝተመዝገበ ህወሓት፡ ካብቲ ዝተመዝገበሉ [3 ነሓሰ 2016 ዓ.ም] ጀሚሩ ክሳብ 3 ለካቲት 2017 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ሓፈሻዊ ጕባኤ ከካይድ ከም ዘለዎ ኣገንዚቡ።

እዚ ጕባኤ ቅድሚ ምክያዱ ቅድሚ 21 መዓልቲ ነቲ ቦርድ ከፍልጦ ከም ዝግባእ እኳ እንተጠቐሰ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ዝዀነ ዓይነት ምንቅስቓስ ከም ዘይርኣየ'ዩ ጠቒሱ። ካልእ ወግዓዊ ጕባኤ እንተዘይኣካይዱ ድማ ክስረዝ ምዃኑ እዩ ዝግመት።

ይዅን'ምበር፡ ክልቲኦም ጕጅለታት ህወሓት ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዝኽበር መበል 50 ዓመት ምስረታ እቲ ውድብ ንምኽባር ይሸባሸቡ፡ መግለጺታት ይህቡ ኣለዉ።

ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ጕጅለ ህወሓት ዝዀነት ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ ንኣከባብራ በዓል ምስረታ እቲ ውድብ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ነቲ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝቐረበ 'ለበዋ' ዝምልከት ርእይቶ ሂባ።

ንሳ ኣብ መግለጺኣ፡ "ኲናት ኣየድልን ዝዓይነቱ' መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ኣሎ። እዚ ትኽክል'ዩ፡ እንተዀነ ህዝቢ ትግራይ ምፍርራሕ ኣይግብኦን፤ ካሕሳ እዩ ዝደሊ፡" ኢላ።

ይዅን እምበር፡ እቲ መግለጺ [ናይ ኣብይ] ህዝቢ ትግራይ ንዓመታት ካብ 'ዘካየድኻዮ ኲናት ኣይተጠቐምካን' ዝዓይነቱ መልእኽቲ'ዩ ዘለዎ ክትብል ነቒፋ።

"እዚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት ይኹን ልዕሊኡ ንዝወረሩዎ'ዩ ዝከላኸል እምበር፡ ከይዱ ዝወረረሉ፡ ባዕሉ ኲናት ዝጀመረሉ ግዜ የለን። ህዝቢ ትግራይ ከም ጦረኛ ገይርካ ምቕራብ ኣይገልጾን፡ ሎሚ ይዅን ጽባሕ ግን ኣይግዛእን፤ ክገዝኦ ንመጽእ እምቢ ክብል'ዩ፡" እውን ኢላ።

ህወሓት፡ ምስ መንግስቲ ፌደራል ክህልዎ ብዛዕባ ዝደልዮ ኣንፈት ርክባት ይዅን ምሕደራ እታ ክልል ግልጺ ገይሩ ኣይፈልጥን።

ህዝቢ ካብቲ ዘለዎ ናይ ህልውና ሓደጋ እንተወጺኡ፡ ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ቦታኦም ክምለሱ እንተተገይሩ ግን፡ "ህዝቢ ባዕሉ ምምሕዳር ክመርጽ ነይሩ እዩ፡" ዝብል ኣቶ ዶሪ፡ ምትፍናናት ዘህድኡ ኣገባባት ምርኣይ ኣገዳሲ ምዃኑ ይኣምን።

ፍጹም፡ እቲ ዝዓርግ ዘሎ ጸገማት ክፍታሕ እንተዀይኑ፡ ጕዳይ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ናብ ዓለምለኸ መድረኽ ክምለስ፡ ኣደራደርቲ ዝነበሩ ኣካላት [ኣመሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን] ተመሊሶም ክግምግሙዎ ክግበር ኣለዎ ይብል።

"ሕዚ እቲ ውዕሊ እንተፈሪሱ ባዕላቶም [ኣመራርሓ ህወሓት] እዮም ተሓተትቲ ክዀኑ፤ዝተፈጸመን ዘይተፈጸም ዓንቀጻት እቲ ስምምዕ እንተዘይተገምጊሙ ኸኣ፡ እታ ናይ 2013 ክትድገም እያ - ምኽንያቱ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብዙ ተዓጽዮም እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን።"

ምኽትል ቦርድ ዳይሬክተር ኪዳን ሲቪላዊ ማሕበራት ትግራይ ኣቶ ቢንያም፡ ኵሎም ጸገማት ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ክፍትሑ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ሕርያ ክቕድምን ክእመነሉን ከም ዝግባእ የስምረሉ።

"ፌደራል መንግስቲ'ውን ቅድሚ ሕዚ ጽቡቕ ተመኵሮ የብልናን ከምዚ ዓይነት መግለጺ ምስ ወጽአ ናብ ኲናት እዩ ተኣትዩ፤ ስለዚ፡ እቲ ሕብረተሰብ በዚ ዝስዓበ ሕማቕ በሰላ ስለ ዘለዎ መንግስቲ ህዝቢ ዝመርሕ እንተዀይኑ ትዕግስተኛ፡ መስተውዓሊ ፡ ንህዝቢ ዘቐድም ክኸውን ኣለዎ፡" ኢሉ።

ኣብ ትግራይ ዘለው መራሕቲ ድማ፡ ነቲ ናይ "ሰላም መማረጺ" ተቐቢሎም "ንዕኡ ዘድሊ ዋጋ ክኸፍሉ ኣለዎም፡ መንእሰያት ግን ረሃጾም እምበር ደሞም ከፍስሱ የብሎምን፡" ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።