እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ምድራዊ መጥቃዕቲ ጀሚራ

እስራኤል ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ “ውሱን፡ ከባብያውን ዒላማ ዝገበረን ናይ መሬት ወራር” ብምባል ዝገለጸቶ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጅማራ ወተሃደራታ ናብ ሊባኖስ ከም ዝኣተው ኣረጋጊጻ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ውሽጢ ደቡብ ሊባኖስ ዘለው ዒላማታት “ንህዝቢ እስራኤል ቀጥታዊ ስግኣት’ዮም” ክብል ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ዝገለጾም ብኢራን ዝድገፉ ሓይልታት ሕዝቦላህን መሓውራቱን ዘነነጻጸረ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ወሲኹ፡ ኣብ ልዕሊ በይሩት ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ነፈርቲ ከም ዝቐጸለ ሓቢሩ።

ቅድም ኢሉ ሰራዊት እስራኤል ነበርቲ ካብ ከባቢታት ደቡብ በይሩት ክወጽኡ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ዓረብ ሰራዊት እስራኤል ብማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ብውሑድ 25 ዓድታት በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝጽለዋ ገሊጹ።

እቲ ሰራዊት ንነበርቲ ክሃሲ ኣይደልን ብምባል፡ "ንድሕነትኩም ክትብሉ ብቕልጡፍ ውጽኡ። ዝዀነ ሒዝቦላህ ንወተሃደራዊ ንጥፈታቱ ዝጥቀመሉ ገዛ ዒላማ ክኸውን እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።

ወሃቢ ቃል ኣቪቻይ ኣድራኢ፡ "ብቕልጡፍ ናብ ሰሜን ሩባ ኣዋሊ ኪዱ- እዚ ማለት ኣብ መንጐ በይሩትን እቲ ቦርደርን ዘሎ ገምገም- ሰባት ክኣ ናብ ደቡብ ክኸዱ የብሎምን። ናብ ገዛኹም እትምለስሉ ውሑስ ግዜ ክንሕብረኩም ኢና" ኢሉ

ሰብ መዚ ሊባኖስ ብወገኖም፡ ኣብ ጥቓ ሲዶን ዝርከብ ስደተኛታት ፍልስጤም ብነፈርቲ እስራኤል ከም ዝተሃረመ ገሊጾም።

ጸብጻባት ሮይተርስን ኤኤፍፒን’ውን ነፈርቲ እስራኤል ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ዝዀነ ኢን ኣል-ሂላዌህ ከም ዝሃረማ ኣመልኪቶም።

ብሰኑይ ምኽትል መራሒ ሕዝቦላህ ናይም ቓስም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሕዝቦላህ ንእስራኤል ብመሬት ክገጥማ ድሉው ከም ዝዀነን እቲ ውግእ “ምናልባት ነዊሕ” ክኸውን ከም ዝኽእልን ተዛሪቡ ነይሩ።

ሰብመዚ ሊባኖስ፡ ብሰንኪ'ቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ከባቢታት እታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ እስራኤል ሓደ ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ድሮ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉን ይገልጹ።

መራሕቲ ኣመሪካን ብሪጣንያን እቲ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው፡ “ፖለቲካዊ ፍታሕ” ክመጽእ ብምግባር ክእለ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ጻውዒት የቕርቡ ኣለው።

እቲ ግጭት ሰፊሕ ዞባዊ ቅልውላው ከየስዕብ ዘስግአን ሃገራት ናብ ሊባኖስ ዝካየዱ በረራታት ክቋረጹን ዜጋታተን ናይ ምውጻእ ስርሓት ክካየዱን ይገብራ ኣለዋ።

ብሰኑይ ምስ እስራኤላዊ መዘናኡ ዮኣቭ ጋላንት ዝተዘራረበ ሚኒስትር ምክልኻል ኣመሪካ ሊሎይድ ኦስቲን፡ እስራኤላውያን ነበርቲ ሰሜን እስራኤል ካብ ሕዝቦላህ ንምክልኻል፡ “ኣብ ከባቢ ዶብ ዝርከብ ትሕተ ቕርጺ ክዓኑ ኣለዎ” ኣብ ዝብል ከም ዝተሰማምዑ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ እቲ መግለጺ፡ “ኣብ መወዳእታ ካብ ወተሃደራዊ ስርሒታት ናብ ዲፕሎማስያዊ መንገዲ ምዝንባል” ኣገዳሲ ምዃኑ'ውን ጠቒሱ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ቀጥታዊ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክትፍጽም እንተፈቲና “ከቢድ ሳዕቤን” ከም ዘስዕብ'ውን ኣጠንቂቘም።

ሕዝቦላህ ብዙሓት ከበድቲ ኣጽዋር ዝተዓጠቐ ጕጅለ ኰይኑ፡ ካብ ሰራዊት ሊባኖስ ንላዕሊ ዝጠንከረን ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ፖለቲካዊ ውክልና ዘለዎ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን እዩ።

ኣብታ ሃገር ብዝገብሮ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ’ውን ልዑል ድጋፍ ከም ዘለዎ ይፍለጥ።

ሰብመዚ ሊባኖስ ሕዝቦላህ ኣብ ዝወስዶም ስጕምቲታት ዝምልከት ርእይቶ ኣይህቡን።

ብዙሓት ግን፡ እቲ ጕጅለ ናይ ባዕሉን ቀንዲ መዋሊቱ ናይ ዝዀነት ኢራንን ረብሓታት ጥራይ እዩ ዝከላኸል ይብሉ።

ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብአን ሃገራት ምዕራብ ሕዝቦላህ ጕጅለ ራዕዲ ከም ዝዀነ ይገልጻ።

ብሰንኪ'ቲ ኣብ ቓዛ ዝተወልዐ ኲናት ንኣስታት ሓደ ዓመት ምስ ሕዝቦላህ ኣብ ዝጸንሐ ስግረ-ዶባዊ ተጻብኦታት ዝተጸምደት እስራኤል፡ ካብ ደቡባዊ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተመዛበሉ ዜጋታታ ብውሑስ መገዲ ክምለሱ ከም እትደሊ ብምግላጽ’ያ ናብ መጥቃዕቲ ኣትያ ዘላ።

ሕዝቦላህ ዋላ’ኳ ተዳኺሙ እንተሃለወ ኣይተሳዕረን።

እቲ ጕጅለ ሕጂ’ውን ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ሮኬታት ይትኵስ ከም ዘሎን ክሳብ ሕጂ ድማ ከበድቲ ኣጽዋር ሚሳይላት ነዊሕ ርሕቀት ከም ዝውንን ይእመን።