'ዕላማይ ኦቲዝም ንዘለዎም ተማሃሮ ዝሰማማዕ ካሪክለም ምንዳፍ እዩ' ኤርትራዊት ሞዴል ስኒት ሃብተኣብ

ምንጪ ስእሊ, SH
ስድራቤት፡ ከም ቀንዲ ሕመረት ሕብረተሰብ እትረኣየሉ ቀንዲ ምኽንያት ነቲ ንሃገር ዘቕውም ውልቀ ሰብ ብባህላውን ስነ ምግባራውን ክብርታት ሃኒጻ ስለእተዳልዎ እዩ።
ከምኡ ስለዝዀነ ጥዕይቲ ስድራቤት ምህላው ማለት ጥዑይ ዜጋ ምፍራይን ምህናጽን እዩ ዝበሃል ልሙድ ኣበሃህላ ኣሎ።
በዚ ሕመረት እዚ ዝተማእዘነት ኤርትራዊት ሞዴል ስኒት ሃብተኣብ ገና ካብ ብቘልዓኣ ነቶም ካብኣ ዝንእሱ ኣሕዋታን ኣዝማዳን ጐረባብታን እናሓገዘት እያ ዓብያ።
“ምምህርና እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ጸጋ’ዩ” እትብል ስኒት፡ ገና ተማሃሪት እንከላ ኣትሒዛ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም መዛኑኣ ይዅኑ ንኣሽቱ፡ ብዓቕማ ተረድእን ተተባብዕን ነይራ።
ዳሕራይ ኣብ ግዜ ዕረፍታ ከም ናይ ገዛ መምህር፣ ንሓንሳብ እውን ኣብ መዋእለ ህጻናት ከም ተሓጋግዚት መምህር ተቘጺራ ብልዑል ፍቕርን ተገዳስነትን ትነጥፍ ነይራ። ግን ከኣ ኵሉ ሳዕ ዝሓሸን ዝለዓለ ነገር ንምግባር ትህቅን።
ንስኒት ናብዚ ሕልና እዚ ዘእተዋ ናይታ ብቝዕ ትምህርቲ ዘይረኸበት ጸገም ዳውን ሲንድሮም ዘለዋ ጓል 16 ዓመት ምንኣሳ ሓፍታ እዩ።
እቲ ንሓፍታ ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ንብቕዓትን ዓቕምን ናይታ ጥዕናዊ ጸገም ዘጋጠማ መንእሰይ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣመሃህራ ብዘይምዃኑ ናብቲ ክትበጽሖ እትኽእል ዝነበረት ደረጃ ኣይበጽሐትን።
ስለዚ ድማ እያ “በቲ እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ናይ ምምህርና ፍቕሪ፡ መጽናዕትን ትምህርትን ወሲኸ ንኵነታትን ዓቕምን ናይዞም ሓገዝ ዘድልዮም ቈልዑ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ንዕኦም ዝበቅዕ ስርዓተ ኣመሃህራ ወይ ካሪክለም ከመሓይሾን ከዐርዮን እየ ዝሓስብ ዘለኹ፡” ትብል።
ነዚ ክውን ንምግባር ከኣ ዝተፈላለየ "ንዕላማይ ከሳልጥ ይኽእል እዩ" ኣብ ዝበለቶ ኣጋጣሚታት ንእትረኽቦ ዕድል ትምህርትታትን ስልጠናታትን ትወስድ ምህላዋ ትገልጽ።
ስኒት ኣብዚ እዋን ንወይዘሪት ኣፍሪቃ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ (Miss Africa USA) ትወዳደር ኣላ።
ንሳ ነቲ ውድድር "ነቲ ዓቢ ራእየይ ዝዀኑ ሓገዝትን መሻርኽትን ኣብ ምርካብን ምስ ዝተፈላልዩ ዓበይቲ ዕድላትን ሰባት ንምርኻብ ባይታ ክፈጥረለይ ሰፊሕ ዕድል ስለዘለዎ፡ ከም ናብቲ ሸቶይ መብጽሒ ድልድል እየ ዝርእዮ” ትብል።
ሓደ እዋን ተማሃሪት ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ኣካየድቲ 'ቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ብ 'ዶልቸ ቪታ' ዝፍለጥ ኣልባሳት ዘፍሪ ብኢጣልያውያን ዝውነን ፋብሪካ፡ ናብ ቤት ትምህርታ መጺኦም ናይ ኣልባሳት ሞዴላት ክኾና ዝኽእላ ሰባት ሃሰው ክብሉ እንከለው፡ በቲ ዝነበራ ስሩዕ ቍመናን ተመሪጻ፡ ኣብቲ ዝነበረ ኣልባሳት ናይ ምልላይ መደባት ተሳቲፋ ምንባራ ትገልጽ።
ይዅን እምበር ብድሕሪኡ ግን፡ እቲ ሕብረተሰብ እውን ኣብ ትምህርታ ንኸተተኩር ጸቕጢ ስለዝገበረላ ስኒት ኣብ ትምህርታ ጥራይ እያ ኣድሂባ።
ዋላ'ኳ ቈማት ብምንባራ ስሕት ኢላ ናብቲ ዓውዲ ናይ ምጽንባር ድሌት እንተነበራ፡ "ከም መስቀሊት ባንቡላ፡ ቅዲ ኽዳን ዝሰርሑ ሰባት ኣልባሳቶምን ስራሓውቶምን ዘፋሉጡላ ሞዴል ጥራይ እንተዀይነ ደኣ’ሞ ስብእናይን መንነተይን ኣበይ ክረኣ’ዩ" ዝብል ሓሳብ ይመላለሳ ስለዝነበረ ነቲ ሓሳብ ኣይጸቐጠትሉን።
ናብ ኣሜርካ ምስ ከደት ነቲ ሞዴሊን ክትቕጽሎ'ኳ እንተደለየት፡ ምስቲ ዘዕበያ "ባህልን ስነ ምግባርን ዘይከይድ ንኽብረትካ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ዘይጽፉፍ ኢንዱስትሪ" ኰይኑ ስለዝረኸበቶ ብዙሕ ዕንቅፋታት ከምዝነበረ ትገልጽ።
ስኒት፡ ነዚ ሎሚ እትወዳድረሉ ዘላ፡ “ሚስ ኣፍሪቃ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ” ምስቲ ዘለዋ ራኢ፡ ምስ ብዙሓት ንሓሳባ ክድግፍዋን ክምውሉዋን ዝኽእሉ ትካላት ይዅኑ ውልቀሰባትን ብምርኻብ ዓቢ ማዕጾ ክኸፍት ዝኽእል በሪ ብምዃኑ - ኣዝዩ ደጋፊ መድረኽ ኰይኑ ከም ዝረኸበቶ ትዛረብ።
እቲ መድረኽ ንናይ ካልኦት ሕልሚ እተተግብረሉ ኣጋጣሚ ጥራይ ዘኮነስ፡ ንስኻ መን ምዃንካን ሕልምኻ እንታይ ከምዝመስልን እውን ከተላሊ ዝቅስብን፡ እንተተዓዊታ'ውን ኵለ መዳያዊ ድጋፍ ዘለዎን ብምዃኑ ነቲ ውድድድር ዓይና ከይሓሰየት ተቐቢላቶ።

ምንጪ ስእሊ, SH
ስኒት መን'ያ
ስኒት ሃብተኣብ ብ 1999 ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት፡ ሎሚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ግዛኣት ቨርጂንያ እትነብር ዘላ ኤርትራዊት መንእሰይ እያ።
ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጥልያን (Istituto Italiano Omnicomprensivo d’Asmara (Italian school) ተማሂራ፡ ኣብ 2017 ወዲኣ። ብድሕርዚ፡ ኣብ ኮሌጅ ማይ ነፍሒ ንሓጺር እዋን ተማሂራ።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ናብ ስደት ዘምርሐት ስኒት፡ ንኣሜሪካ ካብ እተኣቱ ገና ኣርባዕተ ዓመታት ጥራይ'ኳ እንተቝጸረት፡ ቀዳምነታታን ሕልምታታን ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ ነቲ ዝረኸበቶ ኣጋጣሚታትን ዕድላትን እናተጠቕመት ናብ ሕልማ ትምርሽ ኣላ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆርጅ ማሶን (George Mason University)፡ 4ይ ዓመት ተማሃሪት ዩሮ ሳይንስ እያ።
ብተወሳኺ ኣብ ናይ ሞንተሰሪ ናይ ቅድመ ትምህርቲ ተማሃሮ ከም ተሓጋጋዚት መምህር ብምዃን ትሰርሕ ኣላ።
ኣብ ኤርትራ ተመሃሪት እንከላ ኣትሒዛ፡ ዕረፍቲ ኣብ ዝረኸበትሉ ኣብ ቤተክርስትያናት ካብ 2- 17 ዓመት ንዝዕድመኦም፡ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዘተኮረ መደባትን ትምህርትታትን ኣብ ምድላው ትነጥፍ ነይራ።
ብተወሳኺ እውን ከም ተሓጋጋዚት መምህር ብምዃን፡ ካብ 1ይ ክሳብ 5ይ ክፍሊ ንዘለዉ ተምሃሮ፡ ኣብ ናይ ቅድመ ትምህርትን መዋእለ ህጻናትን ቤት ትምህርቲ ኣይሮሪ ሰሪሓ።
ኣብቲ ከም ተሓጋጋዚት መምህር ኮይና እትሰርሓሉ ዝነበረት ቤት ትምህርቲ፡ ኣዝዮም ኣብነታውያን ስድራ ዝነበርዎ ሓደ ኦቲዝም ዘለዎ ተማሃራያ ብፍሉይ እያ እትዝክሮ።
“ኣብ መዳይ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ኣዝዩ ድንቂ መንፋዓት'ኳ እንተነበሮ ኣብ ባህሪኡ ሓገዝ የድልዮ ብምንባሩ ብጥቡቕ ይሕግዞን ይከታተሎን ነይረ። ኣዝዩ ዘሕጕሰኒ ድማ ኣብታ ሓጻር እዋን ኣዝዩ ጽቡቕ ለውጢ ብምምጻኡ ነቲ ሃቐናይ ኣዝየ ንኽደፍኣሉን ክቕጽሎን ኣተባቢዑኒ፡" ትብል።
"ብኣንጻሩ ግና ሓፍተይ ባህርያታ ድሓን እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ትምህርቲ ግና ቀልጢፋ ናይ ምቕባል ተኽእሎ የብላን። ኣብ ቋንቋን ቍጽሪን ግና እቲ ኣመሃህራ እንድሕር በቲ ንዓኣ ዝርድኣ ምሂርካያ ማዕረ ናይቶም ዝዀነ ጸገም ዘይብሎም ቈልዑ’ዩ። ስለዚ ብሓፈሻ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ዝተፈላለየ ዓይነት ተርእዮታት እዩ ዘሎ። እዚ ድማ ብትምህርቲ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሓፍተይን ኣብ ካልኦትን ካብ ዝረኣኽዎ ተመኵሮታት ስለዝተዓዘብኩዎ ስርዓተ ኣመሃህራ ኣብ ምሕጋዞም ኣዝዩ ጽልዋ ኣለዎ።”

ምንጪ ስእሊ, SH
ቋንቋ ትግርኛ፡ ጥልያንኛ እንግሊዘኛን ጽቡቕ ገይራ እትመልኽ ስኒት፡ ቋንቋ ፈረንሳ እውን ማዕረ እዞም ሰለስተ ቋንቋታት ደኣ ኣይዅን እምበር ብዝተወሰነ ደረጃ ትዛረበሉ እያ።
በዚ ድማ ኣብቲ ከተታኣታትዎ እትድሊ ናይ ትምህርቲ ካሪክለም፡ ብዝሒ ቋንቋታት ምምላኽ ዘለዎ ብልጫ ብምግንዛብ ኣብ ቍልዕነቶም ምስ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝላለዩሉን ዝመሃሩሉን ባይታ ከተጣጥሕ ትደሊ።
“ናይ መወዳእታ ዕላማይ ሓድሽ ካሪክለም ትምህርቲ ምንዳፍ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መዳይ መጓዓዝያ እንተረኣና ካብ ብፈረስ ምኻድ ሎሚ ናብ ብኣውሮፕላን ምብራር በጺሑ፣ ኣብ መራኸቢታት እንተመጺእና ካብ ብደብዳበን መልእኽተኛን ሓበሬታ ምልውዋጥ ናብ ገጽ ንገጽ ተደዋዊልካ ምርኻብ በጺሑ ኣሎ።
"ብሓፈሻ ኣብ ብዙሕ መዳያት ዓለምና ብዙሕ ማዕቢላ ክነሳ ኣብ ትምህርቲ እንተሪኢኻ ግና ቅድሚ ነዊሕ ዘበን ተምሃራይ ድሕሪ ሰድያ ኮፍ ኢሉ ይመሃር ኔሩ። ክሳብ ሕጂ እውን ኮፍ ኢሉ ይመሃር ኣሎ። ስለዚ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ለውጢ ዘይተገብረሉ ዓውዲ ስለዝኾነ ድማ ኣቡኡ ዘቶኮረ ለውጢ ከተኣታቱ እየ ዝደሊ።
"ብፍላይ ድማ ናብቶም ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ተምሃሮ ኣተኵረ ምስኣቶም ዝሰማማዕ ካሪክለም ብምንዳፍ፡ ዝዓብዩሉን ውጺኢት ዘመዝግብሉን ባይታ ዝፈጢረሉ ናተይ ዝብሎ ለውጢ ዘለዎ ትምህርቲ ክህልወኒ እየ ዝደሊ። ጠመተይ ድማ ብቕንዱ ኣብ ዓደይን ኣብ ኣፍሪቃን እዩ ብድሕሪኡ ግን ኣብ መላእ ዓለም እውን ካብኡ ተረባሒ ዝዀነሉ መንገዲ ክደሊ እየ።
“ብዓቢኡ ሕልሚ ዝህበካን፡ ዝድግፉኻ ሰባትን ኵነታታን ኣመቻቺኡ መንገዲ ዝኸፍት ኣምላኽ እዩ” እትብል ስኒት ንሳውን ብዓቕማ እቲ ጐዲልዎም ዘሎ ነገራት ብዕምቈት ፈሊጣ ንኽትሕግዝ፡ ሎምዘበን ብዓውዲ ኒውሮ ሳይንስ ክትምረቕ እያ።
“ኣብ ዓለምና ዘለዉ ዝተፈላልዩ ምህዞትታት ከም ጂፒኤስ፡ ኤለቨተር ዝኣመሰሉ ስንክልና ንዘለዎም ተባሂሎም'ኳ እንተተሰርሑ ነቶም ጸገም ዘይብልና ሰባትውን ኣዝዩ እዩ ዝጠቕመና። እዚ ብሞንተሰሪ ዝፍለጥ ትምህርቲ'ውን ንባዕሉ ክምስረት እንከሎ ነዞም ሓገዝ ዘድልዮም ተመሃሮ እዩ ተበጊሱ።
ግን ሓጋዝን ብሉጽን ክነሱ ኣብዚ ግዜ’ዚ ደቂ ሃብታማት ዝመሃሩሉ እዩ ኰይኑ ዘሎ። እንተዀነ ብገንዘብ ይዅን ብኻልእ ምኽንያታት ንዖኦም ተባሂሉ ዝመጽአ መሳርሒ ክነሱ፡ ንዖኦም ካብቲ ሰእሊ ኣውጺካ ናብ ረብሓ እቶም ጸገም ዘይብሎም ጥራይ ክውዕል ምኽንያታዊ ኣይኮነን እትብል ስኒት፡ እቲ ጉዳይ ብግዜ 2ይ ኲናት ዓለም ዝተጀመረ'ኳ እንተዀነ እቶም ቈልዑ ኣብ ገዛኦም ዝነብርዎ ቅዲ ኣነባብራን ኣብኡ ዝመሃርዎን ኣብ ገለ ቦታታት ቅሩብ ዝደሓረ ከምዝመስልን ንዕኡ ከተመሓይሾ ከምእትደሊ ተረድእ።
ብስድራ ቤታን ብዙሓት ቤተ ሰባን ተኸቢባ ብፍቕሪ ማሚቛ ዝዓበየት ስኒት፡ ወላዲኣ ኣብ ህይወታ ብዙሕ ኣዎንታዊ ጽልዋ ከምዝገበርላን ናይ ዝተፈላለዩ ዕዉታት መንእሰያት ኣብነት እናምጽአ የተባብዓ ከምዝነበረ፡ ነዚ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ ሕልሚ ብርእሰ ተኣማንነት ክትገብሮ ዓቢ ድርኺት ከምዝፈጠረላ ተረድእ።
ኣደኣ እውን ብዙሕ ሰብ ዘይደፍሮ ክሳብ ሞተርሳይክል ከይተረፈ እትዝውር፡ ዝሓሰበቶ እትገብር ዓይነት ሰብ ብምዃና ሓይሊ ከምዝዀነታ ብምግላጽ፡ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝርከባ ደቀንስትዮ ዓቕመን ከዕብያን ሕልምታተን ንምትግባር ኣበርቲዐን ክሰርሓን ትምሕጸን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







