ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢሜረትስን ንስክላ ካብ ምግጫው ድሒነን ተባሂሉ

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢሜረትስን ኣብ ክሊ ኣየር ሶማልያ ንስክላ ካብ ምግጫው ከምዝደሓና ተገሊጹ።

ሰብመዚ ናይታ ናጽነታ ባዕላ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ሓደገኛ ኩነታት ብሰንኪ ዘይርጉጽን ኣደናጋሪን ሓበሬታ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ሞቓድሾ ዝተፈጥረ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 15 (24) መጋቢት፡ ኣጋ ምሸት ክሊ ኣየር ሶማልያ ዝበራ ዝነበራ እተን ነፈርቲ፡ ሳላ ተቖጻጸርቲ ኣየር ሶማሊላንድን ኣብረርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ዝወሰድዎ "ቅልጡፍን ቅኑዕ ስጉምቲ" ካብ ሓደጋ ከምዝደሓና ሓደ ብዓልስልጣን እታ ርእሰ-ምምሕዳር ተዛሪቡ።

“ፍላይ ራዳር 24” ዝተባህለ ንበረረታት ነፈርቲ ዝሕብር መርበብ ሓበሬታ ከምዘመልከቶ፡ እቲ ፍፃመ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ህንዲ ቤንጋሎር ብ37 ሽሕ ጫማ ብራኸ ትበርር ነይራ።

ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ድማ ብኢሚሬትስ ትውነን ቦይንግ 777 ነፋሪት፡ ካብ ናይሮቢ ኬንያ ናብ ዱባይ ብተመሳሳሊ ኣብ 37 ሽሕ ጫማ ብራኸ ክትበርር ትረአ።

እታ ናይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነፋሪት ቁፅሪ በረራ ET690፡ ኣብ ክሊ ኣየር ሶማልያ ትበረሉ ካብ ዝነበረ 37 ሽሕ ጫማ ብራኸ፡ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ልክዕ ሰዓት 6፡43 ኣቆፃፅራ ግእዝ ምስኮነ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ብራኸኣ ናብ 39 ሽሕ ጫማ ወሲኹ።

በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተጓዓዝቲ ዝሓዛ ነፈርቲ ከጋጥም ዝኽእል ዝነበረ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ክተርፍ ክኢሉ።

በዓልመዚ ሲቪል ኣቬሽን ሶማሊላንድ፡ ኣብ መንጎ እተን ነፈርቲ ኣንፀላልዩ ዝነበረ ከቢድ ሓደጋ ብሰንኪ ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ኣየር ሶማልያ ነቶም ኣብረርቲ ዝሃብዎ ዘይንፁር ትእዛዝ ከምዝኾነ ብምግላፅ ይኸስስ።

ቢቢሲ ነቲ ክስተት ብዝምልከት ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን መገዲ ኣየር ኢሜረትስን ዘቕረቦ ሕቶታት ዛጊድ መልሲ ኣይረኸበን።

በዓልመዚ ሲቪል ኣቬሽን ሶማልያ ብወገኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ከምዘይደሊ ኣፍሊጡ’ሎ።

ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ኣየር ሶማልያ፡ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ንዝሰግሩ ፓይለታት ዘይንፁር ትእዛዝ ብምሃብ፡ ነፈርቲ ኣብ ሓደጋ ከእትዋ ክገብሩ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።

ቅድሚ ሰሙናት ማለት ብ16 ለካቲት 2016 ኣቆፃፅራ ግእዝ እውን፡ ካብ ዶሃ ናብ ዩጋንዳ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ቀጠር፡ ኣብ ሞቓድሾ ብዝርከቡ ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ኣየር ብራኸኣ ክትውስኽ ንዝተወሃባ መምርሒ ስዒቡ ምስ ነፋሪት ኢትዮጵያ ካብ ምግጫው ንቑሩብ ከምዝተረፋ ተገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።

ሽዑ’ውን ሲቪል ኣቬሽን ሶማሊላንድ፡ እተን ነፈርቲ ካብቲ ምግጫው ዝደሓናሉ ምኽንያት፡ ዝተገጠመለን ንምግጫው ዝከላኸል ስርዓት መጠንቀቕታ ስለዝሃበ እዩ ክብል ሓቢሩ ነይሩ።

ብኣንፃሩ በዓል መዚ ኣቬሽን ሶማልያ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ነፈርቲ ዝነበረ ናይ ብራኸ ፍልልይ ሓደጋ ከስዕብ ዘኽእል ኣይነበረን ክብል ሞጒቱ።