እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ከባቢ መዓስከር ስደተኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣባላት ጸጥታ ተቐቲሎም
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጐንደር ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሎም።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ እቲ ዝበዝሑ ሱዳናውያን ተዓቚቦምሉ ዘለዉ መዕቆቢ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ጐንደር ኣብ ጥቓ ኩመር ዝተበሃለ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣባላት ፖሊስ ከምዝተቐትሉ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
መንነት እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን።
ኣብ ጥቓ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ መደበር ፖሊስ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኩመር፡ ኣሽሓት ሱዳናውያን፡ ኤርትራውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን ተዓቚቦም ይርከቡ።
ንድሕነቱ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ሓደ ስደተኛ፡ በቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ትሽዓተ ኣባላት ፖሊስ ክሞቱ እንከለዉ ሓያሎ ድማ ከምዝቘሰሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር “ሰዓት 6 ንግሆ፡ ዘይፍለጡ ዕጡቓት ጕጅለታት ናብ ነቝጣ ፈደራል ፖሊስ ኣትዮም መጥቃዕቲ ፈጺሞም። እቲ ምልውዋጥ ተዅሲ ንሰዓትን ፈረቓን ኣቢሉ’ዩ ነይሩ” ኢሉ።
እቲ ወሃብ ሓበሬታ፡ “ብድሕሪኡ ሰባት ናብቲ መዓስከር ብምእታው ነቶም ዝተረፉ ከድሕኑ ፈቲኖም ሬሳ ትሽዓተ ፖሊስ ረኺቦም። ካልኦት ዝተጐድኡ ኣባላት ፖሊስ እውን ነይሮም። እቶም ስደተኛታት ነቶም ዝተጐድኡ ናብቲ ኣብ ጥቓ እቲ መዓስከር ዝርከብ ክሊኒክ ወሲደሞም። ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ኣቢላ ኣምቡላንስ መጺኣ ነቶም ዝተጐድኡ ወሲዳቶም” ኢሉ።
በቲ ተዅሲ ሓንቲ ስደተኛ ህጻን ጉድኣት ከምዝወረዳ’ውን እቲ ምስክር ዓይኒ ወሲኹ ገሊጹ።
“ኵላትና ንነብስና ካብቲ ጥይት ክንከላኸል ኣብ መሬት ደቂስና ኔርና። እንተዀነ ሓንቲ ስደተኛ ህጻን ብጥይት ተሃሪማ ቆሲላ። ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ጸገም ጸጥታ ብዙሓት ስደተኛታት ካብቲ መዓስከር ወጺኦም እዮም። ዓቕሚ ዘለዎም ስደተኛታት ሕጂ’ውን ክወጹ ይጽዕሩ ኣለዉ። ዝዀነ ደገፍን ዓቕምን ዘይብሎም ከኣ ኣብዚ ተሪፎም ኣለዉ” ኢሉ።
ካልእ ምስክር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ ትማሊ ረቡዕ ወጋሕታ ከባቢ ሰዓት 11 ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ 9 ኣባላት ፖሊስ ክሞቱ እንከለዉ 7 ድማ ቆሲሎም ኢሉ።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብቲ ከባቢ ከምዝተዋፈሩ’ውን ተዛሪቡ።
“ኣብ ጥቓ እቲ ኣነ ዝነበርኩሉ መዕቆቢ መጺኦም ነይሮም። ኣባላት ፈደራል ፖሊስ ምዃኖምን ካብ ገዛኦም ናብ መደበሮም ይኸዱ ከምዘለዉን ሓቢሮምኒ። ኣነ’ውን ከምኡ እየ ሓሲበ። እቲ ኵነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ ነይሩ። እንታይ ከም እንገብር ኣይፈለጥናን ነይርና” ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ “ኣብዚ ናብ ዘሎ ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ደዊለ ነይረ። ካብ መዕቆቢኹም ኣይትውጽኡ፤ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ንዘራረብ ስለዘለና ከነድሕነኩም ኢና ኢሉና። ገለ ኣምቡላንሳትን ወተሃደራትን ከኣ ሰዲዶምልና። እቶም ወተሃደራት ክሳብ ሕጂ ምሳና ኣለዉ"ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ሓያሎ ሱዳናውያን ስደተኛታት ብሰንኪ ተደጋጋሚ መጥቃዕትን እኹል ደገፍ ዘይምርካብን ካብ መዓስከሮም ክወጽኡ ከምዝተገደዱ ምግላጾም ይዝከር።
እዞም ስደተኛታት ኣብ ቀረባኦም ኣብ ዝርከባ ከተማታትን መደበራት ፖሊስን ተዓቚቦም ይርከቡ። ትማሊ ረቡዕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከኣ ንጸጥታዊ ስክፍታታቶም ኣራጒድዎ’ሎ።
በዚ ምኽንያት ድማ ናብ ካልእ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ይሓቱ ኣለዉ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ሕቡራት ሃገራትን ሰብመዚ ኢትዮጵያን ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።