እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጣሊባን፡ ገበነኛታት ብምቝራጽ ኣካላትን ብእምኒ ምቕጥቃጥን ክቕጽዑ ኣዚዙ
መራሒ ጣሊባን ሃይባቱላህ ኣኩንዛዳ፡ ደያኑ ኣፍጋኒስታን፡ ንገለ ገበናት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምቑራጽ ኣካላትን ብእምኒ ምቕጥቃጥን ዘጠቓልል መቕጻዕቲ ክፈርዱ ኣዚዙ።
ኣፈኛ እቲ መራሒ፡ ከም ምዝማት፡ ምጭዋይን ዓመጽን ዝኣመሰሉ ገበናት ምስቲ እቲ ጉጅለ ዘኽብሮ እስላማዊ ሕጊ ሸሪዓ ብዝሰማማዕ ክቕጽዑ ኣለዎም ኢሉ።
ኣብ 1990ታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጣሊባን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምቕታል ብዝኣመሰለ መቕጻዕቲ ይኹነን ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዳግማይ ስልጣን ክሕዝ እንከሎ ብዝያዳ ልዙብ ኣተሓሕዛ ክመርሕ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን እቲ ዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ናጽነታት ገደባት የንብር ኣሎ። ብፍላይ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብኸቢድ ተገዲቡ እዩ።
ላዕለዋይ መራሒ ጣሊባን፡ እቲ ዝፍጸም ገበን ነቶም ሕግታት ዝጥሕስ እንተኾይኑ፡ ደያኑ ንገበነኛታት ብመሰረት ሕጊ ሸሪዓ ክቐጽዕዎም ኣለዎም ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢሁላህ ሙጃሂድ ብሰንበት ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ እቲ "ግዴታዊ" ትእዛዝ፡ ሙላ ኣኩንዛዳ ምስ ጉጅለ ደያኑ ድሕሪ ምርኻቡ ከምዝተወሰነ ገሊጹ።
ሙጃሂድ ንኣክሁንዛዳ ብምጥቃስ "ፋይላት ሸፋቱ፡ ጨወይቲን ዓመጽትን ብጥንቃቐ መርምሩ" ክብል ወሲኹ።
ጣሊባን፡ ትኽክለኛ ገበናትን መቕጻዕትን ኣይነጸረን፡ እንተኾነ ሓደ መራሒ ሃይማኖት ኣፍጋኒስታን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብመሰረት ሕጊ ሸሪዓ፡ መቕጻዕቲ ምቑራጽ ኣካላት፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብእምኒ ምቕጥቃጥን ከጠቓልል ከምዝኽእል ገሊጹ።
እዚ ትእዛዝ፡ ጣሊባን ኣብ መሰላትን ናጽነትን ዝያዳ ተሪር መስመር ይኽተል ከምዘሎ ዘርኢ መርትዖ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መናፈሻታት ካቡል ከይበጽሓ ተኣጊደን እየን፡ እዚ ድማ ካብ ህዝባዊ ህይወት ዘግልለን እዩ። እቲ እገዳ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ህዝባዊ መሕጸቢ ኣካላትን ጂምናዝየምን’ውን ከይኣትዋ ይኽልክል።
ጣሊባን ኣብ ሓጋይ 2021 ዳግማይ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ኣብ መላእ ኣፍጋኒስታን ደረጃ ዓመጽ ቀኒሱ እዩ።
ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ፡ ናይ ተቓወምቲ፡ ደቂ ኣንስትዮን ጋዜጠኛታትን ሓዊሱ ሰብኣዊ መሰላት ይግህስ ኣሎ ዝብሉ ብዙሓት ክስታት ኣጋጢምዎም እዩ።
ከምቲ ካብ 1996-2001 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበረ ኣረሜናዊ ዓፈና ደቂ ኣንስትዮ ከምዘይህሉ ቃል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ ፍርቂ እቲ ህዝቢ ግን ክገብሮ ዝኽእል ነገር ብከቢድ ይግታእ እዩ ዘሎ።
ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ወዲ ተባዕታይ መሰነይታ ነዊሕ ጉዕዞ ከይከዳ ተኸልኪለን እየን። ጎራዙት ክሳብ ሕጂ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይኸዳን፡ ጣሊባን ከምዝፈቐደለን እኳ ቃል እንተኣተወ።
ገለ ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ ሕጂ ኣብ ከም ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ይሰርሓ’ኳ እንተሃለዋ፡ መብዛሕትአን ግን ጣሊባን ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ ናብ ስራሕ ከይወፍራ ተነጊርወን እዩ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እስላማዊ ጉልባብ ክለብሳ ክእዘዛ እንከለዋ ብርክት ዝበላ ድማ መሰለን ስለዝሓተታ ተሃሪመን እየን።
ማሕበረሰብ ዓለም፡ ጣሊባን፡ ገና ኣብ ጸጥታ፡ ምሕደራን ሰብኣዊ መሰላትን ክማላእ ዘለዎ መብጽዓታት ከኽብር ኣብ ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተሓዝ ቢልዮናት ዶላር ዝግመት ንብረት ኣፍጋኒስታን ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ’ሎ።