ንኣይሁዳውያን ከጥቅዑ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ጠኒኖም ዝኣተዉ ዕስለ ሰባት

ኣብ ሩስያ፡ ጸረ-ሴማውያን ጭርሖታት ዘቃልሑ ብዙሓት ሰባት ንኣይሁዳውያን ክሃድኑ ናብ ሓደ መዓርፎ ነፈርቲ ጠኒኖም ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ ሩስያ፡ "ንኹሎም ዜጋታታን ንኹሎም ኣይሁዳውያንን" ክትከላኸል እስራኤል ኣተሓሳሲባ ኣላ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ብሕርቃን ዝተቖጥዑ ዕስለ ካብ ተልኣቪቭ ብነፋሪት ዝመጹ ሰባት ክደልዩ ናብቲ ኣብ ዞባ ዳጌስታን ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ማካችካላ ጎይዮም ክኣትዉ የርኢ።

ገለ ካብቶም ዕሰለ ናብቲ መጉየይ ነፈርቲ ብናህሪ ብምኻድ ንሓንቲ ነፈሪት ከቢቦም።

ትካል ኣቬሽን ሩስያ ሮዛቪያትያ፡ ሓይልታት ጸጥታ ድሒሮም ነቲ ኵነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዘእተውዎ ገሊጹ።

ሰበስልጣን እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክዕጾ ገይሮም ኣለዉ፤ ክሳዕ ሰሉስ’ውን ዕጹው ኰይኑ ከም ዝጸንሕ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣባላት እቲ ዕስለ ዝተበሃሉ 60 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ማዕከናት ዜና ሩስያ ንሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ብምጥቃስ ሓቢረን።

ኣብቶም ቪድዮታት ከም ዝተረኣየ፡ ኣማኢት ሰባት ጠኒኖም ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክኣትዉ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ባንዴራታት ፍልስጤም የወዛውዙ ነይሮም።

መብዛሕትኦም ጸረ-ሴማውያን ጭርሖታት፡ ካልኦት ድማ "ኣላሁ ኣክባር" ክብሉ ይስምዑ።

ሓደ ዕስለ ኣብቲ ተርሚናል ዕግርግር ብምፍጣር፡ ንሰራሕተኛታት እቶም "ኣይሁድ" ኣበይ ከም ዘለዉ ክሓትት የርኢ።

ኣብታ ካብ ተልኣቪቭ ዝመጸት ነፋሪት ከም ዝነበረ ዝገለጸ ሓደ ተሳፋራይ፡ እቲ ዕስለ ደው ከም ዘበሎ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ። ናዕበኛታት "ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ኣይንትንክፍን ኢና" ኢሎም ከም ዝሰደድዎ ገሊጹ።

ናይቲ ከባቢ ቴሌግራም ቻነል፡ እታ ነፋሪት ኣብ ዝመጸትሉ እዋን ሰባት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክእከቡን ንነፍሲ ወከፍ ኣይሁዳዊ ሰብ ክደልዩን ኣተባቢዓ።

ገለ ሰልፈኛታት ኣብ ደገ መዓርፎ ነፈርቲ ማካችካላ መካይን ደው እናበሉ ሰነዳት ክርእዩ ይጠልቡ ከም ዝነበሩ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓቢረን።

ኣብቲ ፍጻመ ገለ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም 20 ሰባት ከም ዝቖሰሉ እቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ። ገሊኦም ከቢድ መጉዳእቲ ክበጽሖም እንከሎ፡ ክልተ ድማ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት ይርከቡ።

ዳጌስታን ብቐንዱ ኣስላም ዝነብሩላ 3.1 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሪፓብሊክ ሩስያ እያ።

መንግስቲ ዳጌስታን ኣብቲ ጉዳይ ሲቪላዊ ስርዓት ኣልቦነት ዝምልከት ገበናዊ ክሲ ከም ዘበገሰ ገሊጹ።

ኣብ ከተማ ደርበንት ካህን ኣይሁድ ዝዀነ ኦቫድያ ኢሳኮቭ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መጻኢ ናይቶም ኣብ ዳግስታን ዝርከባ ካብ 300-400 ዝግመታ ኣይሁዳውያን ስድራቤታት ዘሰግእ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣይሁድ ኣብቲ ዞባ ካብ ቅድሚ እስልምና ኣትሒዞም ህላወ ከም ዝነበሮም ይፍለጥ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኣንጻር ኣይሁድን እስራኤላውያንን ዓመጽ ዘለዓዕሉ ወሳኒ ስጉምቲ ክትወስድ ኣለዋ ኢሉ።

ወሃቢት ቃል ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣድሪየን ዋትሰን ብወገና፡ "ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ዳጌስታን ዝካየድ ዘሎ ጸረ-ሴማውያን ተቓውሞታት ብትሪ ትኹንኖ" ክትብል ኣብ ኤክስ ገሊጻ።

ኣፈኛ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ’ውን፡ "ኣመሪካ፡ ብዓለም ደረጃ ጸረ-ሴማውነት ክውስኽ ኣብ እንዕዘበሉ ዘለና እዋን፡ ምስ መላእ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ደው ትብል። ንጸረ-ሴማውነት ዝዀነ ይኹን መመኽነይታ ፈጺሙ የለን" ኢሉ።

መንግስቲ ዳጌስታን ንቃዛ ዘለዎ ደገፍ ዝገለጸ’ኳ እንተዀነ፡ ዜጋታት ህድኣት ክገብሩን ኣብ ከምዚ ዓይነት ተቓውሞታት ከይሳተፉን ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኣመሓዳሪ ዳጌስታን ሰርጌይ ሜሊኮቭ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ዘይትፈልጦም ሰባት ምጽራፍ፡ ፓስፖርቶም ንምርኣይ ጁባኦም ምፍታሽ ክብሪ የብሉን!" ብምባል "ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም መጥቃዕቲ" ኰኒኑ።

ብቀዳም ኣብ ዳጌስታን ኣብ ከተማ ካሳቭዩርት፡ ተቓወምቲ ኣብ ደገ ሓደ እስራኤላውያን ይሓድሩሉ ኢሎም ዝኣመኑሉ ሆቴል ተኣኪቦም ነይሮም።

እቶም ተቓወምቲ ናብ መስኮት እምኒ ደርብዮም፤ "ንዜጋታት እስራኤል (ኣይሁድ) ምእታው ብጥብቂ ክልኩል እዩ..." ዝብል ጽሑፍ ኣብቲ ማዕጾ ለጢፎም ከይዶም።

ድሒሩ ፖሊስ፡ ገሊኦም ኣብቲ ሆቴል ዝዀነ እስራኤላዊ ከም ዘየለ ባዕሎም ምእንቲ ከረጋግጹ ክኣትዉ ከም ዝፈቐደሎም ይንገር።

ኣብ ሪፓብሊክ ካባርዲኖ-ባልካርያ ዝርከብ ማእከል ኣይሁድ’ውን ብሓዊ ተቓጺሉ’ዩ።