እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰይጣን ርኢኹም’ዶ ትፈልጡ? ሳይንስ’ከ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ይብል?
ተመራመርቲ ስነ አእምሮ: ስለምንታይ ሰይጣን ዝርኣና ኮይኑ ከምዝስምዓና ዘብርህ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምርምር ኣካይዶም ኣለዉ።
ሓደ ብሃሊኡ ዘይርአ፡ ብገለ ዝመጽእ ዘፍርሕ ድምጺ፤ ዘይንቡር ወይ ዘይልሙድ ትርኢት፡ ብጥቓኻ ሓደ ግኡዝ ነገር ሽው ኢሉ ዝሓለፍ ዝመስለካ ስምዒት፡ ሰባት ንሰይጣን ርኢናዮ ንምባል ዝጥቀምሉ ኣገላልጻ እዩ።
ንኣብነት ኣብ ሰሜን ዌልስ ዝርከቡ ነበርቲ፡ ካብ 1990ታት ጀሚሮም፡ ነታ ኣብ ፔኒፎርድ ኣብ እትብሃል ዓዲ፡ ኣብ ማእከል ሕርሻ እትርከብ ገዛ፡ ናይ ሰይጣን መንፈስ ይዝንብያ’ዩ ኢሎም ይኣምኑ።
ብዙሓት ነበርቲ እቲ ከባቢ ምስ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት፡ ካብ ውሽጢ መናድቕ እቲ ገዛ ዋላ ሓደ ካብኦም ክርድኦ ብዘይክእል ቋንቋ ብርቱዕ ድምጺ ከምዝወጽእ’ዮም ዝገልጹ።
ንብረት ናይቲ ገዛ’ውን ክንቀሳቐስ ከምዝርአ እቶም ነበርቲ ይሕብሩ።
ብዘይካ’ዚ፡ መንፈስ ናይ ሓንቲ ኣብ ጥቓ እቲ ገዛ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ዝተቐበረት ነፍሰ ጾር ዝነበረት መንእሰይ’ውን ኣብቲ ገዛ ከምዝዝንብን፡ ለይቲ ለይቲ ድምጺ ናይታ መንእሰይ ከምዝስማዕን እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።
ቢቢሲ ፓራኖርማ፡ ብዛዕባ እታ ኣብቲ ሕርሻ ዝተቐበረት መንእሰይ፤ ብዛዕባ እቲ ሰይጣንን ብዛዕባ እቲ ዝንቀሳቐስ ንብረት ናይቲ ገዛን ንምምርማር ናብቲ ቦታ ብምኻድ ምስ ነበርቲ ናይታ ገዛ ዝነበሩ ሰባት ተዘራሪቡ።
ቢቢሲ ዌልስን ቢቢሲ 3ን እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ፔንዶርድ እቲ ባዕሉ ዝንቀሳቐስ ዝተባህለ ንብረታት ናይቲ ገዛ ዝምልከት ጽሑፋት መርሚሩ ኣሎ። እቲ ንብረት ናይቲ ገዛ ክሳብ ሕጂ ተዓሺጉ’ዩ ዘሎ፡ ናብቲ ገዛ ዝኣቱ ሰብ ከኣ የለን።
ስያን ኢለሪ ዝተባህለት ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ብራድዮ ዋን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ነጻ ዝኾነ ሓበሬታ ንኽትርከብ ዝጸዓረት ጋዜጠኛ’ያ። እንተኾነ ስያን ብዛዕባ ህላዌ “ሰይጣን” ምርመር ተካይድ ዘላ ናይ መጀመርታ ጋዜጠኛ ኣይኮነትን። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሰይጣን ሳይንሳዊ መልሲ ክረኽቡ ጽዒሮም’ዮም።
ቢቢሲ-3፡ ንክልተ ብዛዕባ ሰይጣን ምርምር ዘካየዱ ተመራመርቲ ኣብ ዘዘራረበሉ፡ ሰባት ሰይጣን ዝርኣዩ ኮይኑ ዝስምዖም ብስነ ኣኣምሮኣውን ከባብያዊ ቋንቋ ተደሪኾም ከምዝኾኑ’ዮም ዝገልጹ፡ እንተኾነ ንምርምሮም ብሳይንሳዊ መርትዖ ኣየደገፉዎን።
“ጸላም ድሙ ናብኡ ገጻ ገይራ ትንቁ’
ዶክተር ክሪስ ፍረንች ኣብ ሎንዶን ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ጎልድስሚዝ ላዕለዋይ ሓላፊት ምርምር ስነ ኣእምሮን ዘይንቡር ክስተታትን’ እያ።
እታ ዶክተር ክሪስ ፍረንች ዝመርሓ ጉጅለ ብዛዕባ ስነ ኣእምርኣዊ ልዕለ ባህርያዊ እምነታት መግለጺ ዘይተረኸበሎም ክስተታት እያ ትመራመር።
እዚ ተመራማሪ፡ ናይ ብዙሓት ሰይጣን ርኢና ዝብሉ ሰባት ዛንታታት ጠርኒፉ ኣሎ።
ዶክተር ክሪስ፡ ሰብ ኣብ ከቢድ ድቓስ ኣብ ዝህልውሉ ‘ራፒድ ኣይ ሙቭመንት’ ተባሂሉ ከምዝጽዋዕ ብምግላጽ ሓንጎሎም ኣካላቶም ንኸይንቀሳቐስ ትእዛዝ ከምዘመሓላልፍ ይጠቅስ።
ኣብ ከምዚ መድረኽ እንከለዉ ምስ ዝበራበሩ ኣካላቶም ምንቅስቓስ ከምዝኣብዮም ዶክተር ክሪስ ይሕብር።
መርበብ ሓበሬታ ኤንኤችኤስ፡ ምልክታት ‘ስሊፕ ፓራለይሲስ’ [ኣብ ድቃስ እንከላኻ ኣካላትና ምእዛዝ ክኣብየካ እንከሎ]፡ ሰብ ኣብቲ ዘለኻዮ ገዛ ኮይኑ ዝደፍኣካ ዘሎ ኮይኑ ከምዝስምዓካ ይገልጽ።
ሰብ ኣብ ከቢድ ድቓስ ኣብ ዝህልውሉ [ራፒድ ኣይ ሙቭመንት] ብርቱዕ ሕልምን ሃተፍተፍን ከምዘዘውትር እቲ መርበብ ሓበሬታ ይጠቅስ።
እቲ ተመራማሪ “ስሊፕ ፓራለይሲስ ኣብ እዋን ድቃስ ዘጋጥም ንቡር ክስተት’ዩ” ድሕሪ ምባል ኣስንባዲ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ። “ሓደ ካብ ተማሃሮይ ካብ ድቃሱ ምስ ተበራበረ ጸላም ድሙ ኣብ ጥቕኡ ኮይና ናብኡ ገጻ ኮይና ጫውው ክትብል ሃንደበት ርእሳ ናብ ኣስክሬን ተቐይሩ ካብ ኣፋ ጸሊም መለግለግታ ክወጽእ ከምዝርኣየን ነጊሩኒ” ይብል።
ኣብ እዋን ‘ስሊፕ ፓራላይሲስ’ ውሑድ ሚእታዊት ናይ ሃተፍተፍ ከምዝርአ ብምግላጽ “እንተኾነ ስሊፕ ፓራላይሲስ ብተደጋጋሚ ዘጋጠም ክስተት ስለዝኾነ ብዙሓት ሰባት ኣብ ድቃሶም ሰይጣን ተራእዮኒ ክብሉ ይስምዑ’ዮም”
‘መንፈስ’ ዝዓሰሎም ኣባይትን ምስሊ ሰይጣንን
ዶክተር ሻነ ሮጀር ኣብ ዩኒቨርስቲ ኒው ዮርክ ክላረክሶን መሃንድስ ሲቨልን ስነ ኣከባብን’ዩ።
ብዛዕባ መንፈስ ዝዓሰሎም ዝብሃሉ ኣባይትን ‘ምስሊ’ ሰይጣንን ከኣ እኹል ምርምር ኣካይዱ’ዩ።
ዶክተር ሻነ ነቲ መንፈስን ምስሊ ሰይጣንን ‘ዘይንቡር ባህሪ’ ኡሉ’ዩ ዝገልጾ።
ወዱ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ገዝኦም ዘይንቡር ምስሊ ከምዝርኣየ ምስ ነገሮ፡ ብዛዕባ መንፈስ ዝትርኹ ፊልምታት ምስ ተዓዘበ መብዛሕትኦም እቶም ፊልምታት፡ ንሰይጣን ይኸውን’ዩ ኢሎም ዝሓሰብዎ ምስሉ ከምዝህብዎ የብርህ።
ብዙሓት ዘይንቡር ምስሊ ርኢና ኢሎም ዝገልጹ ሰባት ሰይጣን ርኢና ኢሎም ከምዝኣምኑ ድማ ዶክተር ሻነ ሮጀር ይሕብር።
ኤንኤችኤስ’ውን ኣብ ሓደ ዕቡጥ ቦታ ኣብ እንኣትወሉ ሕጽረት ምስትንፋስ ስለዘጋጠመና፡ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ጅማውትና ብሕጽረት ምስትንፋስ ስለዝንድር የዕንትና ዘይንቡር ምስሊ [ጸሊም ቅርጺ] ከምዘርእየና ይገልጽ።
ኤንኤችኤስ [ሃገራዊ ትካል ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ] ኣብ ኣናጹ ኣብ ዝገበሮ ምርምር እተን ኣናጹ እንተፈሪሐን ዘይንቡር ምስልታት ከምዝርኣየን ኣረጋጊጹ።
ዶክተር ሻነን ጉጅለኡን ኣብ 27 መንፈስ ዝዓሰሎም ዝተባህሉ ቦታታት ክምርምሩ ኣብ ዝፈተንሉ፡ እተን 13 ገዛውቲ ዕቡጣትን እኹል ኦክስጅን ዘይብለንን ኮይነን ረኺቦመን።
ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ርኹስ መንፈስ ኣለዎ ዝብሃል ቦታታት ሰባት ሰይጣን ርኢና ክብሉ ይስምዑ’ዮም።
እቲ ጉጅለ፡ ኣብ መንጎ’ቲ “ናይ ምውታን መንፈስ ኣለዎ” ዝብሃልን “ሰይጣን ርኢና” ዝብል ዛዕባታት ኣዝዩ ምቅርራብ ከምዘሎ’ውን ኣረጋጊጾም።
ዶክተር ሻነ “ናብቲ መንፈስ ተራእይዎ ዝተባህለ ግን ከኣ ሕጽረት ናይ ኦክስጅን ዘይብሉ ቦታ’ውን ኬድና ኢና፤ ንኣብነት ናይ ገዛና ታሕተዋይ ክፋል [ቤይዝመንት] ጸገም እኳ እንተለዎ ኣብ ሞንጎ መንፈስ ዘንብይዎ ዝብሃል ቦታታትን ኣብቲ መንፈስ ዘይዘንበዮ ቦታታትን ዓቢ ፍልልይ ኣሎ” ይብል።
ዶክተር ሻነ ሮጀር እቶም ርኹስ መንፈስ ኣሎዎም ዝብሃሉ ቦታታት ህድሁዳትን ዶራናትን’ዮም ይብል።
“ሓደ ሰብ እዚ ገዛ መንፈስ ይዝንብዮ’ዩ እንተኢሉካ ንኹሉ ዓቐቕ ዝበለ ነገር ኢኻ ተስተብህለሉ”
ክሪስ ሰባት ሰይጣን ርኢና ንኽብሉ ሰለስተ ቀንዲ ስነ ኣእምሮኣዊ መግለጺታት ከምዘለዎ’ዩ ዝሕብር።
ቅድመ እምነት [prior belief ኣቐዲምካ ብዛዕባ ሰይጣን እምነት እንተጸኒሑካ]፡ ጭቡጥ ኩነትን [context] ዓጀውጀውታን [hallucinations] ኢሉ ከኣ ይኸፋፍሎም።
“ሰባት እታ ሰይጣን እትብል ቃል ክሰምዕዋ እንከለዉ፡ ኣብ አእምርኦም ሰይጣን ሓጻዊን ሓጸልጸል እናኣበለ ኣብ መናድቕ ናይ ገዝኦም እናተንቀሳቐሰ’ዩ ዝርኣዮም። ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ከምዝርኣዩ ይሕብሩና’ዮም እንተኾነ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ” ድሕሪ ምባል “መብዛሕትኡ ግዜ ዘይንጹር ነገር ኮይኑ፡ ኩነታት ኣየር ኣብ ዝቀያየረሉን ስልችው ኣብ ዝብለናን ዝመጽኣና ሓሳባትን ምስልታትን’ዩ. . . ”
“. . . ዓጀውጀውታ ንመብዛሕትና ዘጋጥመና ነገር ኮይኑ፡ ሰብ ኣብ ብርቱዕ ድቃስ ሃተፍተፍ ክብል ይርኣ’ዩ እዚ ከኣ ምስ ጸቕጥን ልዑል ሙቐተን ዝተኣሳሰር’ዩ” ይብል።
“እቲ ጭቡጥ ኩነት እንብሎ ከኣ ብሓደ ኣረጊት ገዛ እናሓለፍና እንከለና፡ ሓደ ሰብ እዚ ገዛ መንፈስ ይዝንብዮ እዩ እንተኢሉና፡ ነፍሲ ወከፍ ዓጠጥታን ዓቐቕታን ናይቲ ገዛ ከነስትብህለሉ ንጅምር” ብምባል ንሰለስቲኡ መድረኻት የብርሆ።
‘ኣርተፊሻል ምዝንባይ መንፈስ’
ካልእ ምስ ህላወ ሰይጣን ኣብ ዝተኣሳሰር ዝውሃቡ ክልተ ሳይንሳዊ መግለጺታት ኣለዉ።
እቲ ሓደ ‘ኤለትሮማግነቲክ ፊልድ’ ኮይኑ እዚ ክስተት እዚ ሰባት ኣብ ሓንጎሎም ኤለትሮኒካዊ ነዝዕታት ብምፍጣር ሃተፍተፍ የብሎም።
እቲ ካልእ ክስተት ከኣ ሰባት ክሰምዕዎ ዝጽገሙ ኣዝዩ ትሑት ድምጺ [ትሕቲ 19 ሀርዝ] ምስ ዝመጽኦም ከበሮ ዓይኖም ቀስ ኢሉ ከንበድብድ ይጅምር’ሞ ዘይንቡር ምስሊ ክርኣዮም ይጅምር።
ነዚ ክልተ ነገራት ንምምርማር ክሪስን ጉጅልኡን ኣርተፍሻል መመርመሪ ሰሪሖም።
ንሰባት ናብ ትሑት ጽምጺን ኤለትሮማግነቲክ ፊልድን ናብ ዘለዎን መመርመሪ ማእከል ከምዝኣትዉ ገይረሞም።
ክሪስ “ሰባት ናብቲ ክፍሊ ምስ ኣተዉ ዘይንቡር ነገር ተራእይዎም” ድሕሪ ምባል “ሸሞንተ ሚኢታዊት’ውን ናይ ፍርሒ ስምዒት ከምዝተሰመዖም ገሊጾም” ኢሉ።
“እቲ ካልእ ዝተረዳእናዮ ነገር፡ ነቲ ኤለትሮማግነቲክ ፊልድን ትሑት ድምጽን ከይወላዕናዮ እንከለና’ውን ናይ ፍርሒ ስምዒት ከምዝወረሮም’ዮም ሓቢሮሙና” ይብል ክሪስ።
ክሪስ ኣብ መወዳእታ “ናብቲ ገዛ ምስ ኣተኻ ሓደ ጋሻ ዝኾነ ዘይንቡር ስምዒት ይስምዓካ’ዩ፡ እዚ ኸኣ ናይ ሓሳብ እምበር ናይ ካልእ ከምዘይኮነ ኢና ክንርዳእ ክኢልና” ብምባል ይድምድም።