ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን ሓያለ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ብዝተፈጸሙ ክልተ መጥቃዕቲታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ብመሰረት'ቲ ሓበሬታ እቶም መጥቃዕትታት ብሰንበት 30 ሕዳር 2016 [ግእዝ] እዮም ተኻይዶም።

ኣብቲ ዞባ ወረዳ ሳይንት ፍሉይ ስሙ መሳለሚያን ቀይ ዋሻን ኣብ ዝተበሃሉ ከባቢታት ብዝተኻየዱ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ብልክዕ'ኳ ምፍላጥ እንተዘይተኽኣለ ኣስታት 40 ከም ዝዀኑ ግን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓሙሽተ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ኣብ መሳለሚያ፡ ብመኪና "ናብ ዕጡቓት ፋኖ መግቢ የቕርቡ ነይሮም ዝተበሃሉ ዘይዕጡቓት መንእሰያት" ከምዝተቐትሉ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።

"ብውሑዱ 30 መንእሰያት እቲ ከባቢ" በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ዝገለፀት ንድሕነታ ስማ ከይጥቀስ ዝሓተተት ሓንቲ ነባሪት፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣጋምሸት ከባቢ ሰዓት 12፡00 'ኤፍኤስኣር' ብዝተባህለት ናይ ጽዕነት መኪና እናተጓዕዙ ከለዉ ከምዝተፈጸመ ኣመልኪታ።

"መብዛሕትኦም [ካብቶም ዝተቐትሉ] ኣብ ዓሰርተታትን ዕስራን ዕድመ ዝርከቡ መንእሰያት እዮም" ክትብል ብዛዕባ እቶም ኣብ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ መንእሰያት ኣረዲኣ።

ዕጡቓት ፋኖ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብቲ ከባቢ ከምዝጸንሑ ዝገለጸ ካልእ ነባሪ ብወገኑ፡ ብቐዳምን ሰንበትን ኣብ መንጐ እቲ ጕጅለን ሓይልታት ምክልኻልን "ከቢድ ውግእ" ከምዝነበረ ሓቢሩ።

እቲ ባእሲ ኣብ መራኸቢ ኣማራ ቅድስትን መሓል ቅድስትን ኣብ ዝርከብ በልከውማ ዝተባህለ ከባቢ ከምዝተፈጸመ ዝገለጸ ነባሪ፡ መንእሰያት ንፋኖ ንምሕጋዝ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።

“ፋኖ ሽዑ [ኣብታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ መዓልቲ] ኣብ ከተማ ኣይነበረን። ኣብታ መኪና ግን ክልተ ሰለስተ [ዕጡቓት] ርኢና ኢና። እቲ ካልእ ኣብታ መኪና ዝነበረ ግን ዕጥቂ ዘይብሉ መንእሰይ እዩ ነይሩ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብታ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመላ መዓልቲ፡ እታ ድሮን ኣብታ ከተማን መዳውብቲ ዝዀኑ ከባቢታትን ዳህሳስ ተካይድ ከምዝነበረት ዘዘኻኸሩ እቶም ነበርቲ፡ ሰባት ነታ ድሮን ምስ ካልእ ዓይነት ነፋሪት ኣመሳሲሎም "ደው ኢሎም ይርእዩ ነይሮም" ክብሉ ሓቢሮም።

“ካብ ሰዓት ሸሞንተ [ቀትሪ 02፡00] ጀሚሩ ድምጻ እናቐረበ መፂኡ። 'ስእሊ ትስእል ኣላ' ዝብል ሰብ ነይሩ። ፈሪሑ ኣብ ደዃኩን ዝተሓብአ እውን ነይሩ” ዝብል ሓደ ነባሪ በቲ መጥቃዕቲ ካብ 30 ክሳብ 35 ሰባት ከምዝሞቱ ሓቢሩ።

ሓደ ኣብ ስራሕ መንግስቲ ዝተዋፈረ ነባሪ እቲ ከባቢ፡ ቍጽሪ ዝሞቱ 40 ክኸውን ከምዝኽእል ክዛረብ እንከሎ፡ ካልእ ነባሪ ድማ "ካብ 15 ክሳብ 20" ከም ዝሞቱ ተዛሪቡ።

ብዘይካ እቶም ዝሞቱ ካልኦት ሰለስተ ሰባት እውን ቆሲሎም ንሕክምና ናብ ሳንሳ ከምዝተወስዱ ተሓቢሩ’ሎ።

ኣባላት ስድራ፡ ሬሳታት ናይቶም ግዳያት ንምልላይ ተጸጊሞም ከምዝነበሩ ዝገልጽ ሓደ ነባሪ፡ "ብመንነት ወረቐትን ኣብ ጁባኦም ብዝተረኽበ ወረቐትን ንምልላይ ተፈቲኑ" ክብል ክብደት ናይቲ መጥቃዕቲ ኣረዲኡ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት ድማ ኣባላት ስድራቤትን ገለ ሰባትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብሰንበት ምሸት ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ።

ሓደ ነባሪ፡ “እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ክሳብ ወጋሕታ ነይራ፤ ኣይከደትን። ብሰንኪ እዚ ስግኣት ንገሊኦም ብለይቲ እዮም ቀቢሮሞም። ቤተ ክርስቲያን ከይትጥቃዕ ስለዝተጨነቑ ብታህዋኽ ቀቢሮምዎም” ኢሉ።

ኣብ ወረዳ መሃል ሳይንት ፍሉይ ስሙ ቀይ ዋሻ ዝበሃል ከባቢ ከኣ ሰንበት መዓልቲ ከባቢ ሰዓት 11 ከምዝተጠቕዐ ዝተዛረቡ ነበርቲ፡ ብዙሓት ሓረስቶት ከምዝተቐተሉ ሓቢሮም።

ሓደ ምስክር ዓይኒ ከቢድ ድምፂ ሰሚዖም ካብ ገዛኦም ዝወጹ 20 ሓረስቶት በቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ተዛሪቡ።

“ኣስታት 20 ሓረስቶት ሞይቶም። ኣስታት 30 ሰባት ቈሲሎም። ውጉኣት ከነልዕሎም ከለና ብህይወት ዝተርፉ ኣይመስለንን ነይሩ። [እቶም ዝተቐትሉ] ዕጡቓት ኣይኰኑን። እቶም ተዅሲ ምስተሰምዐ ብድንጋጸ ዝሃደሙ ዝነበሩ ሰባት እዮም ተቐቲሎም" ይብል።

ሰራዊት ምክልኻል ካብ ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 10 ጀሚሩ ናብታ ደንሳ ዝተበሃለት ማእከል ወረዳ ሳይንት ምእታዉ ስዒቡ ህድኣት ከምዘሎ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ምክልኻልን ንኣዋርሕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሰላማውያን ሰባት ይጕድኡ ከምዘለዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።