እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ ማዕረ ክንደይ ንእስራኤል ክትከላኸለላ ትኽእል?
ኣሜሪካ፡ ብተደጋጋሚ ንእስራኤል ጽኑዕ ደገፍ ከም እትገብር ቃል ትኣቱ ኣላ፤ ነዚ ድማ ብወተሃደራዊ ሓገዝ ደጊፋቶ እያ።
ኣብቲ ዞባ ዝጸንሐ ሕሉፍ ዝተሃላለኸ በሰላታት ገና ኣይሓወየን ዘሎ። ስለዚ ደረት ምትእትታው ኣሜሪካ ኣበይ ኣሎ?
ፕረዚደንት ባይደን ብዛዕባ ሓማስ ኣብ ልዐዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብዝምለከት ኣብ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ ግብረ መልሲ፡ “ኣሜሪካ ንእስራኤል ክትድግፋ እያ” ዝብል ነበረ።
"ነቲ ኵነታት ክብለጸሉ ንዝደሊ ዝዀነ ኣካል ሓንቲ ቃል ኣላትኒ - ግደፍ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ መጠንቀቕታ እዚ ንኢራንን መላፍንታን ዝዓለመ ምንባሩ ንጹር እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝርከቡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ብዙሕ ግዜ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶምን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ኣዕናዊት መርከብ ኣሜሪካ ካብ የመን ዝተተኰሰ ሚሳይላት ከም ዘፍሸለትን ፔንታጐን ይገልጽ።
ኣመሪካ ድሮ ኣብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ጕጅለ መራኽብ ኣጽጊዓ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ካልእ ኣብቲ ዞባ ክትጽንበር እያ።
ነፍሲ ወከፍ መርከብ ልዕሊ 70 ነፈርቲ ኣብ ውሽጣ ትስከም፤ እዚአን ዘይነዓቕ ሓይሊ ኣለወን።
ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ኣሜሪካ ናብቲ ዞባ ክግዕዙ እውን ኣብ ተጠንቀቕ ኣዳልዩ ኣሎ።
ኣሜሪካ እታ ዝዓበየት ወተሃደራዊት ደጋፊት እስራኤል ኰይና፡ ንምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዓመት ኣስታት 3.8 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ትህብ።
እተን ንቓዛ ብቦምባ ዝድብድባ ዘለዋ ነፈርቲ እስራኤል፡ ከምኡ’ውን መብዛሕትኦም ሕጂ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ዘለዉ ተተኰስቲ ስርሓት ኣሜሪካ እዮም።
ገለ ካብቶም ንመከላኸሊ ኣየር እስራኤል ‘ኣይሮን ዶም’ ዝውዕሉ ጠለፍቲ ሚሳይላት እውን ኣብ ኣሜሪካ ዝተሰርሑ እዮም።
ኣመሪካ፡ እስራኤል ቅድሚ ምሕታታ እውን እንተዀነ ዳግማይ ቅረብ እዞም ኣጽዋራት ትልእኸላ ነይራ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ድማ ፕረዚደንት ባይደን፡ ንኲናት ናይ ማእከላይ ምብራቕ መሓዛኡ ንምሕጋዝ ኣካል ናይቲ 105 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ዝዀነ 14 ቢልዮን ዶላር ምወላ ኮንግረስ ከጸድቀሉ ሓቲቱ።
ብቐዳም ድማ፡ ፔንታጐን ክልተ ካብቶም ዝሓየሉ ስርዓታት ምክልኻል ሚሳይል ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝልእኽ ኣፍሊጡ - እዚኦም ‘ተርሚናል ሃይ ኣልቲቱድ ኤርያ ዲፈንስ (THAAD) ባትሪን ፓትሪዮት ባትሪን ዝበሃሉ’ዮም።
ይዅን’ምበር፡ ሓደ ፕረዚደንት ኣመሪካ ብፍላይ ኣብ ዓመት መረጻ ብሓቂ ኣብ ካልእ ኲናት ክጽመድ ፍቓደኛ ድዩ?
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ምትእትታው፡ ብፖለቲካ፡ ቁጠባን ህይወት ኣሜሪካውያንን ብዙሕ ዋጋ ዝሓትት ኰይኑ’ዩ ተረኺቡ።
ኣብ ኣሜሪካ ኣምባሳደር እስራኤል ነበር ማይክል ኦረን፡ ፕረዚደንት ባይደን ድሮ መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ብምንቅስቓስ ቀዳማይ ስጕምቲ ወሲዱ ከም ዘለዉ ይኣምን።
“ከምዚ ዓይነት ኣጽዋር ክትጥቀመሉ ፍቓደኛ እንተዘይኴንካ ኣይትውጽኦን ኢኻ” ይብል።
ዳይሬክተር ዓለምለኻዊ ድሕነት ማእከል ስትራተጂያውን ኣህጉራውን መጽናዕትታት ሴዝ ጂ ጆንስ ግን ኣሜሪካ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝካየድ ኲናት ብቐጥታ ብወተሃደራዊ መንገዲ ክትዋፈር ፍቓደኛ ከም ዘይትኸውን ይዛረብ።
ህላወ ናይቶም ጕጅለታት መጥቃዕቲ ጽዕነት፡ ስለያዊ ሓበሬታ ናይ ምእካብን ምክልኻል ኣየር ናይ ምቕራብን ዓቕሚ ስለ ዘለዎም፡ “ጥይት ከይተተኰሰ” ጥራይ ልዑል ተራ ክህልዎም ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ዝዀነ ምትእትታው ግን “ናይ መወዳእታ ኣማራጺ” ምዀነ ድማ ይብል።
ሕጂ ኣሜሪካን እስራኤልን ዘጨንቕን፡ ብቐንዱ እቲ ካብ ሰሜን እስራኤል ዝመጽእ ስግኣት እዩ፤ ብፍላይ ድማ ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ።
እዚ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ካብቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ሓማስ ንላዕሊ ኣዝዩ ዝዓበየ ስግኣት እዩ።
እዚ ጕጅለ፡ ሓማስ ካብ ዝጥቀመሎም ጸብለል ዝበሉ ኣስታት 150 ሽሕ ሓያላት ሮኬታት ዓጢቝ'ሎ።
ድሮ ድማ ምስታ ኣብዚ ምድሪ ዓለም መና ዝጸልኣ እስራኤል ምልውዋጥ ተዅሲ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣምባሳደር ኦረን እስራኤል፡ "ድሮ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ኣዕሚቛ እንተኣትያ - ፈቲናን ደኺሙዋን” ሕዝቦላህ ኢዱ ከእቱ ከም ዝኽእል ይሰግእ።
ከምኡ እንተዀይኑ፡ ኣሜሪካ ኣጋር ሰራዊት እትሰደሉ ተኽእሎ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ ንዝርከቡ ዒላማታት ንምውቃዕ ግን ዓቢዪ ሓይሊ ኣየር ከተውፍር ከም እትኽእል ይኣምን።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከንን ጸሓፊ ምክልኻል ሎይድ ኦስቲንን እቲ ኩነታት እንተተጋዲዱን ዝዀነ ኣባል ወይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ዒላማ እንተዀይኑን ኣሜሪካ ምላሽ ከም እትህብ ኣረጋጊጾም’ዮም።
ኣሜሪካ ንነብሳ ክትከላኸል መሰል ኣለዋ ክብል ሚስተር ኦስቲን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
“ግቡእ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ” ድሕር ኣይትብል ድማ ኢሉ።
ክኢላ ዓለምለኻዊ ድሕነት ጆንስ ብወገኑ፡ እቲ ጐንጺ ክሰፍሕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣታታት እኳ እንተሃለዎ፡ ምክልኻል ኣሜሪካ "ዋጋ ሓደጋታት ኢራንን ወከልታን ከም ዘዕቢ" ይኣምን።
ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ሕዝቦላህ ካብ ሰሜን እስራኤል ዓቢይ መጥቃዕታዊ ስርሒት እንተዝገብር “ኣዝዩ ከቢድ ግብረ መልሲ ከጋጥሞም ተኽእሎ ኣሎ" ይብል።
ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ሓይልታት ኣሜሪካ ካብ ምስ ኢራን ዝተኣሳሰሩ ጕጅለታት ውሱን መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶም’ውን ሓቢሩ።
ከምኡ’ውን እስራኤል ምስ ሓማስ ኣብ እትገብሮ ኲናት ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ደገፍ ኣይትሓትትን ዘላ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሂብሩ እየሩሳሌም ፕሮፌሰር ወተሃደራዊ ታሪኽ ዳኒ ኦርባች፡ ወተሃደራዊ ዶክትሪን እስራኤል ንርእሳ ክትከላኸል ኣለዋ ከም ዝብል ይሕብር።
ፕረዚደንት ባይደን ኣብ እስራኤል ዘካየዶ ዑደት’ውን ደገፍ ኣመሪካ ቅድመ ኵነት ዘለዎ ምዃኑ ዘርኣየ’ዩ ነይሩ።
እስራኤል ናብ ጋዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ክትፈቅድ ይደሊ፤ እስራኤል ድማ ንመሬት ቓዛ ንዘይተወሰነ ግዜ ክትሕዞ ኣይደልን።
ንሱ ደቓይቕ ሲቢኤስ 60 ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ከምኡ ምግባር “ዓቢይ ጌጋ” ክኸውን'ዩ ኢሉ።
ደገፍ ኣሜሪካ እውን ብግዜ ዝድረት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ወተሃደራዊ ተንታኒን ዓምዲ ጋዜጣ ጀሩሳሌም ፖስት ያኮቭ ካትዝ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ እትወስዶ ወተሃደራዊ ስርሒት ምስ ተጀመረን እቲ ሲቪላዊ ጉድኣት እናወሰኸ ምስ ከደን ሓገዝ ኣሜሪካ ኣብ መዋጥር ክኣቱ ምዃኑ ይኣምን።
ንሱ፡ እቲ ደገፍ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ክፎክስ ዝኽእል እዩ ይብል።
“እስራኤል ንኣዝዩ ነዊሕ ዝጸንሕ ናይ መሬት መጥቃዕቲ ከተካይድ ካብ ኣሜሪካ ኰነ ዓለም ዝያዳ ናጽነት ክትረክብ ኣይርኣኹን” ኢሉ።
ኣሜሪካ ንእስራኤል እትገብሮ ወተሃደራዊ ደገፍን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ናይ ገዛእ ርእሳ ድልዱል ወተሃደራዊ ህላወን እቲ ግጭት ከይሰፍሕ ኣብ ምግባር እኹል እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዋ።