ኢራን፡ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ክኸይድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሑሴን ኣሚር ዓብደላሂያን፡ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ እትገብሮ መጥቃዕቲ እንተዘየቋሪጻ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ክኸይድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣሜሪካ፡ ንመንግስቲ እስራኤል ወተሃደራዊ ደገፍ ብምሃብ "ተሓታቲት" ምዃና'ውን ገሊጹ።

ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ ንሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህዝቡ ንህይወቱ ኣብ ውግእ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።

ኣንጻር ሓማስ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ድማ ናይ ‘’ሞትን ሕየትን" ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ኢራን፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ እስራኤል መጥቃዕቲ ፈጺሙ 1400 ሰባት ዝቐተለ ሓማስን ንናይ ሊባኖስ ሕዝቦላህን እያ እትድግፍ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ጥራይ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ልዕሊ 4,600 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ነፈርቲ ብዝሓየለ መልክዑ ትቕጽሎ ከምዘላ ገሊጻ።

ሚስተር ኣሚር ዓብዶላሂያን ኣብ ዝሃቦዎ ጋዜጣዊ መግለጺ “ኣሜሪካን ወኪላ እስራኤልን ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጽናት ዓሌትን ብቕጽበት ደው እንተዘየቢሎምዎ ኣብ ዝዀነ ህሞት ዝዀነ ይዅን ነገር ከምዝከኣልን እቲ ዞባ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ከምዝኸውንን የጠንቅቕ” ክብል ካብ ቴህራን ተዛሪቡ።

ውጽኢት እቲ ኲናት "ከቢድን መሪርን" ከምኡ’ውን ንነዊሕ እዋን ዝኸይድ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ንእስራኤል እትህቦ ወተሃደራዊ ደገፍ፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት "እስራኤል ብስም ኣመሪካ እተኻይዶ ናይ ውክልና ኲናት" ምዃኑ ዘርኢ መርትዖ ምዃኑ ገሊጹ።

ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ እቲ ግጭት ናብ ካልእ ከባቢታት ክዝርጋሕ ከምዝኽእል የጠንቅቑ ኣለዉ።

ጸሓፊ ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራትን ዜጋታት ኣሜሪካን መጥቃዕቲ ክህሉ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ፡ ሕዝቦላህ ወይ ሓማስ ዝኣመሰሉ ወከልቲ ኢራን ነቲ ዘሎ ኵነታት ከጋድድዎ ከምዝኽእሉ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣሜሪካ "ንእስራኤላውያንን ዜጋታታት ኣሜሪካን ክትከላኸል ዘድሊ ስጉምቲ ትወስድ ከምዘላ" ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ሰራዊት ጥምረት ዝጥቀምሉ ሓያሎ መዓስከራት ዒራቕ ዒላማ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሮኬትን ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ትማሊ ሰንበት ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ኣብ ጥቓ ዶብ ሊባኖስ ንዝርከቡ ወተሃደራት ዑደት ኣካይዱ።

ካብ መጀመርታ መዓልታት እቲ ግጭት ኣትሒዙ እስራኤል ምስ ሕዝቦላህ ኣብ ምልውዋጥ ተዅሲ ተጸሚዳ ትርከብ።

"ንህይወትና ኢና ንዋጋእ ዘለና። ንቤትና ዝግበር ውግእ እዩ፡ እዚ ምግናን ኣይኰነን፡ ናይ ሞትን ሕየትን ኲናት'ዩ። ክሞቱ ኸኣ ኣለዎም" ክብል ተዛሪቡ።

ንሕዝቦላህ’ውን ናብቲ ኲናት ከይኣቱ ኣጠንቂቑ’ሎ።

"ሕዝቦላህ ኣብ ኲናት እንተኣቲዮም ኣብ ህይወቶም ዝዓበየ ጌጋ ክፍጽሙ እዮም። ንምግማቱ ብዜጸገም ሓይሊ ክንሃርሞም ኢና። ንዓኣቶምን ንሃገረ ሊባኖስን ዓቢ ዕንወት ማለት'ዩ" ኢሉ።

ሕዝቦላህ ብወገኑ "ኣንጻር እስራኤል ንምቅላስ ምሉእ ብምሉእ ድሉው ምዃኑ" ኣፍሊጡ።

ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዅሲ ብውሕዱ 27 ሰባት ድሮ ተቐቲሎም ኣለው።

ብወገን እስራኤል ብውሕዱ ሓሙሽተ ወተሃደራትን ሓደ ሲቪልን ከምዝተቐትሉ ወተሃደራዊ ጸብጻባት እስራኤል የመልክቱ።

እስራኤል ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ሰሜን እታ ሃገር ክወጹ ኣዚዛ’ላ።

እዚ ከምዚኢሉ እንከሎ፡ ኣብታ ወተሃደራዊ ህላወ ኢራን ዘለዋ ጐረቤት ሃገር ሶርያ ሚሳይላት እስራኤል ትማሊ ሰንበት ምሸት ንኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ደማስቆን ኣለፖን ከምዝሃረሙን ብውሕዱ ክልተ ሰራሕተኛታት ከምዝሞቱን መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሶርያ ሓቢረን።

ክልቲኦም መዓርፎ ነፈርቲ ብዝወረዶም ዕንወት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኰይኖም ኣለዉ።