ብተመን ተነኺሳ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልታት ዝተረኸበት ሰበይቲ

ኣብ ኣውስትራልያ ንሽዱሽተ መዓልታት ጠፊኣ ዝቐነየት ሰበይቲ፡ ድሕሪ ዝተኻየደ ሓያል ተፍትሽን ድልያን ኣብ ሓደ ብበረድ ዝተሸፈነ እምባ “ተሃስያን ደንዚዛን” ተረኺባ።

ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ከምዝሓበሮ እታ ሎቪሳ ጆበርግ ዝተበሃለት ጓል 48 ዓመት ሰበይቲ ክትስእል ኢላ ብመኪና ናብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ድሕሪ ምኻዳ ጠፊኣ። ሽዱሽተ መዓልታት ድሕሪ ዝወሰደ ድልያ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ብተመን ተነኺሳ ከምእተረኸበት ኣፍሊጡ።

ሎቪሳ ምስ ተረኸበት ኣብቲ ዝተረኸበቶ ቀዳማይ ረድኤት ተገይሩላ ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ ኣብ ደሓን ኵነታት ከምዘላ’ውን ፖሊስ ኣውስትራልያ ኣፍሊጡ።

ሎቪሳ ጆበርግ ኣብቲ ኮስኩዝኮ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሃገራዊ ሕዛእቲ ኣብኡ ንዝርከቡ ኣፍራስ በረኻ ብምስኣልን ብምስናድን እትፍለጥ ውርይቲ ሰኣሊት’ያ።

መኪና ተኻርያ ናብቲ ሃገራዊ ሕዛእቲ ምስ ከደት፤ እቶም መኪና ዘካረይዋ ትካል መኪንኦም ከምዘይተመለሰት ንፖሊስ ስለዝሓበሩ’ዮም ወፍሪ ኣለሻ ተጀሚሩ።

እታ ተኻርያ ዝወሰደታ መኪና ኣብቲ ሃገራዊ ሕዛእቲ ከይተዓጸወት ንበይና ምስ ጸነሐት ከኣ እቲ መስርሕ ምድላይ ብሰፊሕን ብጻዕቕን ከካየድ ጀሚሩ።

ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ብ21 ጥቅምቲ ንህዝቢ መልእኽቲ ኣዳልዪና ብምሕላፍ ብጨና ዘላልዩ ኣኻልብን ኢንፍራረድ ብዝዓጠቐት ሄሊኮፕተርን ተሓጊዙ ነቲ ኣለሻ ተታሓሒዝዎ።

እቲ መስርሕ ምድላይ እናተኻየደ፡ ኩነታት ኣየር እቲ ሃገራዊ ሕዛእቲ ብለይቲ ትሕቲ ዜሮ ዲግሪ ሰንቲ ግሬት ክወርድ ስለዝጀመረ ሻቕሎት እናዛየደን ንምርካባ ዘሎ ተስፋ እናማህመነን ክመጽእ ጀሚሩ።

'ትረፊ ዝበላ ነብሲ' ከምዝበሃል ግን ሎቪሳ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ብሓደ ኣባል ሃገራዊ ሕዛእትን ኣገልግሎት እንስሳ ዘገዳማትን ክያንድራ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ተረኺባ።

ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ‘ብኮፐርሄድ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓሌት ተመን ተነኺሳ ክትከውን ከምእትኽእትክል ጥርጣረ ከምዘለዋ ሓቢራ።

እቶም ‘ኮፐርሄድ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዓሌት ኣትማን ዘይተናኰሉ ዓሌታት ኰይኖም ምስ ዝነኽሱኻ ግን ሕንዞም ኣዝዩ መርዛም ከምዝኾነን ክሳብ ሞት ከምዘብጽሕን ይፍለጥ።

ፖሊስ “ብኸምዚ ዓይነት ተመን ተነኺሳ ብህይወት ምጽናሓ ኣዝዩ ፍሉይ ተርእዮ’ዩ። ከቢድ ቃንዛ ዝተሰነያ መዓልታት ከምዘሕለፈት ግን ርዱእ’ዩ” ኢሉ።