ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ሲዳማ 10 ህፃናት ብዝብኢ ተበሊዖም

ኣብ ክልል ሲዳማ፡ ዞባ ደቡብ ሲዳማ ወረዳ ዳራ ካብ ዝሓለፈ ሰነ 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ ዓሰርተ ህጻናት ዝርከብዎም ብመጥቃዕቲ ዝብኢ 12 ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ ሓሙሽተ ሰባት ድማ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ምምሕዳር እቲ ወረዳ ኣፍሊጡ።

በቲ ኩነታት ዝተቖጥዑ ነበርቲ እቲ ወረዳ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 40 ኣዛብእ ከምዝተቐትሉ'ውን ተገሊጹ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ርክባት እቲ ወረዳ ኣቶ መልካሙ ማትዮስ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ኣዛብእ፡ ኣብ ክልል ሲዳማ ወረዳ ዳራ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ከምዝጀመረ ገሊፁ።

ኣቶ መልካሙ፡ ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ጎረቤት ዞባ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባብታት ዲላ፡ ዕስለ ኣዛብእ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ጉድኣት ከምዘብፅሑ ኣዘኻኺሩ።

ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣዛብእ ስጉምቲ ምውሳዱ ስዒቡ ድማ፡ ናብ ወረዳ ዳራ ሃዲሞም ከምዝተሰደዱ ሓቢሩ።

እቶም ኣዛብእ እንስሳ ዘቤት ካብ ምጥቃዕ ሓሊፎም፡ ብፍላይ ካብ 22 ሰነ 2016 ዓ.ም ንነዘ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ጉድኣት ከብፅሑ ከምዝጀመሩ እቲ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣረዲኡ።

ዛጊድ ኣብታ ወረዳ ካብ ዝርከባ 24 ቀበሌታት ከተማን ገጠርን፡ ኣብተን ሸውዓተ መጥቃዕቲ ኣዛብእ ከምዝተፈጸመ’ውን ወሲኹ ኣብሪሁ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ወረዳ ዳራ ኣባይነህ ኣመሎ ብወገኑ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ግዳይ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ዘለዉ ቀበሌታት "ናብ ከተማ ቅርብ ዝበሉ" ምዃኖም ገሊፁ።

ኣቶ ኣባይነህ፡ ወሲኹ ከምዝበሎ፡ እቶም ኣዛብእ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልዕሊ ህፃናት እዮም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዘለዉ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ወረዳ ኣቶ መልካሙ፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ 17 ሰባት መጥቃዕቲ ኣዛብእ ከምዝተተፈጸመ ኣረዲኡ።

ብመሰረት ካብቲ ወረዳ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ካብቶም ግዳይ መጥቃዕቲ ዝኰኑ እቶም 15 ህፃናት ኰይኖም፡ ካብኣቶም ሓሙሽተ ጥራይ እዮም ጉድኣት በፂሑዎም ብህይወት ክተርፉ ክኢሎም።

እቶም ብኣዛብእ ዝተበልዑ ዓሰርተ ቆልዑ፡ ዕድሚኦም ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 15 ዓመት ከምዝዀኑ’ውን ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣቶ መልካሙ፡ ብዘይካ እቶም ቆልዑ፡ ክልተ ዓበይቲ ሰባት'ውን ከምዝተበልዑ ዝሓበረ ዀይኑ፡ ብድምር 12 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኢሉ።

መብዛሕትኦም ህፃናት፡ ማይ ንምምፃእን ክዳውንቲ ንምሕፃብን ናብ ሩባ ወሪዶም ወይ ድማ ከብቲ ኣብ ዝሕልውሉ እዋን መጥቃዕቲ ከምዝበፅሖም እውን ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ፀጥታን እቲ ወረዳ ዝኾነ ኣቶ ኣባይነህ፡ እቶም ኣዛብእ መጥቃዕቲ ዝፍፅሙ ዘለዉ ኣፀንትዮም (ኣጸምዮም) ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብቐትሩን ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ቅድሚ ሰባት ከምዝዀነ ተዛሪቡ።

“ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ቆልዓ ምስ ኣዲኣ እናተጓዕዘት ከላ ነጺሑ [ደፊኡ] ኣውዲቑዋ። እታ ኣደ ጓላ ክተድሕን ብዙሕ ጻዕሪ እኳ እንተገበረት፡ ኣይከኣለትን። ልዕሊ ዓቕማ ስለዝዀነ ጐዲእዋ። እታ ጓል በቲ መጥቃዕቲ እንተሞተት’ኳ፡ ብኣውያትን ጻዕርን ህዝቢ ከይተበልዐት ተሪፋ፡ ሬሳኣ ተረኺቡ ተቐቢራ" ኢሉ።

ኣይተ መልካሙ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኾነ መጥቃዕቲ ከምዘይነበረ እኳ እንተገለፀ፡ ካብ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታንን ነበርትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ግን ዝተፈለየ እዩ።

ኣይተ ኣባይነህን ሓደ ነባሪን ሰንበት 19 መስከረም 2017 ዓ.ም. ሓንቲ ንእሽተይ ጓል ብዝብኢ ተበሊዓ ከም ዝሞተት ይዛረቡ። ካልእ ነባሪ ድማ፡ ኣብታ መዓልቲ መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ሓደ መንእሰይ ብህይወት ከም ዝተረፈ ገሊጹ።

ኣቶ መልካሙ፡ ብኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ከምዝተጣየሸን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ "ምስ ሚሊሻን ፖሊስን" ዝተወሃሃደ 'ሮንድ' (ምትታል) ከምዝቖመ’ውን ጠቒሱ።

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጫካ ጠንቂ እቲ ፀገም ከምዝዀነን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግለታትን ድማ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ግንዛበ ክፈጥሩ ከምዝተገብረ ተገሊፁ።