እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጋንታ ደንደን ንመጻረዪ ግጥማት ሻምፕዮንስ ሊግ ደቂ-ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ኪጋሊ ኣትያ
ንመጻረዪ ግጥማት ሻምፕዮንስ ሊግ ደቂ-ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ዞባ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) 2026 ንምስታፍ፡ ንኤርትራ ዝወከለት ጋንታ ደቂ ኣንሰትዮ ኩዕሶ እግሪ ደንደን ትማሊ ሰሉስ ንግሆ ርእሰ-ከተማ ሩዋንዳ ኪጋሊ ኣትያ።
ልኡኽ እዛ ጋንታ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ክትበጽሕ ከላ፡ ብወከልቲ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ሩዋንዳን ኣሰናዳእቲ ውድድርን ኣቀባብላ ከም ዝተገብረላ መርበብ ሓበሬታ ሴፋካ ገሊጹ።
እዛ ብምኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ እትምወል ጋንታ፡ ኣብዚ ኣህጉራዊ ውድድር ክትሳተፍ እዚ ንኻልኣይ ግዜኣ ኰይኑ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ መጻረዪ ግጥማት ካብ ዙር ምድብ ክትሓልፍ ከም ዘይከኣለት ይዝከር።
ብኣሰልጣኒ ረዘነ ገብረጊዮርጊስ ደሞዝ እትምራሕ ጋንታ ደንደን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝካየዱ ውድድራት ብዘርኣየቶ ዓብላልነት፡ ቻምፕዮና ክለባት ኤርትራ 2024 ኰይና ብምዝዛማ እያ ነታ ሃገር ወኪላ ኣብ ኬንያ ክትሳተፍ ዝኸኣለት።
ተሳትፎ እዛ ጋንታ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ስፖርታዊ ውድድር ንላዕሊ ትርጕም ከም ዘለዎ ይግለጽ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ዝዀነ ኣህጉራዊ ጸወታታት ተገሊላ ብምጽናሓን ካብ መጻረዮ ዋንጫ ዓለም 2026 ብምንስሓባን፡ ካብ ዓመታዊ ደረጃ ፊፋ ተሰሪዛ ነይራ እያ።
ስለዚ፡ ድሕሪ ምልሶት ሃገራዊት ጋንታ ደቂ-ተባዕትዮ ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ምስታፍ ክለብ ደንደን ኣብዚ ዞባዊ ውድድር፡ ኤርትራ ናብ ኣህጉራዊ ስፖርታዊ ንጥፈታት እትገብሮ ዘላ ናይ ምልሶት ጕዕዞ መቐጸልታ ኰይኑ ዝርአ እዩ።
እቲ ካብ 21 ክሳብ 31 ነሓሰ ኣብ ኪጋሊ ዝካየድ ውድድር፡ ዓሰርተ ጋንታታት ዞባ ሴካፋ ዝሳተፋሉ ኰይኑ፡ ጋንታ ደንደን ኣብ ምድብ 'ሀ' ምስ ጋንታታት ራዮን ስፖርት (ሩዋንዳ)፡ ዬይ ጆይንት ስታር (ደቡብ ሱዳን) ከምኡ'ውን ማፉንዞ (ዛንዚባር) ተመዲባ ትርከብ።
ግጥማት እቲ ውድድር ኣብ ስታድዩም ፔለ ኪጋሊን ኣብ ማእከል ተክኒክ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሩዋንዳን (FERWAFA) ክካየድ ትልሚ ተታሒዝሉ ኣሎ።
ብመሰረት መምርሒ እቲ ውድድር፡ ካብ ምድብ 'ሀ' ቀዳማይን ካልኣይን ኰይነን ዝውድኣ ክልተ ጋንታታት፡ ምስተን ካብ ምድብ 'ለ'ን 'ሐ'ን ቀዳማይ ደረጃ ሒዘን ዝዛዝማ ጋንታታት ብሓባር ናብ ፍርቂ ፍጻመ ክሓልፋ እየን።
ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዞባዊ መጻረዪ ተዓዋቲት እትኸውን ጋንታ ድማ ንዞባ ሴካፋ ወኪላ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ደቂ-ኣንስትዮ ኣፍሪቃ 2026 ክትሳተፍ እያ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሻምፕዮን ደቂ-ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጋንታ ማመሎዲ ሳንዳውንስ ምዃና ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መወዳእታ ግጥማ ንሞሮካዊት ጋንታ ስፖርቲንግ ክለብ ካዛብላንካ ረቲዓ ዋንጫ ብምዕዋታ፡ ካፍ ነቲ ሽልማት ብ52% ክብ ከብሎ ብዝወሰኖ መሰረት 600,000 ዶላር ክትወስድ ምኽኣላ ይዝከር።
ኣብቲ ኣብ ኪጋሊ ዝካየድ ውድድር፡ ኣብ ምድብ 'ለ' ጋንታታት ሲ.ቢ.ኢ (ኢትዮጵያ)፡ ካወምፔ ሙስሊም ሌዲስ (ኡጋንዳ)ን ኤፍ.ሲ ኡጀኮ (ቡሩንዲ)ን ክሳተፋ ከለዋ፡ ኣብ ምድብ 'ሐ' ድማ ሲምባ ኩዊንስ (ታንዛንያ)፡ ኬንያ ፖሊስ ባለትስ (ኬንያ) ከምኡ'ውን ቶፕ ገርልስ ኣካደሚ (ጅቡቲ) ተመዲበን ይርከባ።