እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፍሉይ ህያብ መመረቕታ፡ እታ ዓለም ዘዛረበት ጤል ፕሮሚስ ኦኮሮ
ፕሮሚስ ኦኮሮ፡ ዛዛሚ ናይ ዲግሪ ፈተናኡ ወዲኡ ካብ ክፍሊ ክወጽእ ከሎ፡ እቲ ልሙድ ናይ መወዳእታ ዓመት ጽምብል ክግበረሉ እዩ ተጸብዩ ነይሩ።
ኣዕሩኽቱ ሙዚቃ እናሰምዑን ቪድዮ እናቐርጹን ኣብ ደገ ክጽበይዎ ጸኒሖም፤ እቲ ኣብ ናይጀርያ ልሙድ ዝዀነ "ኣብ ክዳን ናይ ምፍራም" ጽምብል ድማ ይካየድ ነይሩ።
ኣብቲ ጽምብል፡ ተመሃሮ ንዘሕለፍዎ ናይ ትምህርቲ ጕዕዞ መዘከርታ ንክዀኖም፡ ኣብቲ ዝለበስዎ ጻዕዳ ካምቻ ብቢሮ መልእኽትታት ይጸሓሓፉ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ ማእከል እቲ ጣቕዒትን ዳንኬራን፡ ወይዘሮ ቺንየረ ዝተባህለት ኣደኡ ጤል እናሰሓበት ክትመጽእ ተራእያ።
እዚ ፍጻመ ድማ ነቲ ድሮ ተጀሚሩ ዝነበረ ሓጐስ፡ ፕሮሚስን ኣዕሩኽቱን ንነዊሕ እዋን ዘይርስዕዎ ኣጋጣሚ ኰይኑ ተመዝጊቡ።
ዕድመኡ 23 ዓመት ዝዀነ ፋርማስያዊ ተክኖሎጂ ተመሃራይ ፕሮሚስ፡ ኣብ መጀመርታ ሰባት ክጭድሩ ከለዉ፡ "ሓደ ሰብ ሕቶ መርዓ ከቕርብ እዩ፡" ኢሉ እዩ ሓሲቡ ነይሩ። ድሕሪኡ ግን ኣዕሩኽቱ ንኣደኡ ከቢቦም ክስዕስዑ ከለዉ ተዓዘበ።
"ኣዝየ እየ ተሓጒሰ፤ ልበይ ድማ ተተንኪፉ፡" ክብል ንቢቢሲ ፒጂን ገሊጹ።
ፕሮሚስ በቲ ኣደኡ ዝገበረትሉ ነገር ከም ዘይሓፈረን የግዳስ ብመማህርቱ ዘተባብዕ ጣቕዒት ከም ዝተገብረሉን ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ብቪድዮ ዝተቐርጸ ኣጋጣሚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ናይ ድጋፍን ምስጋናን መልእኽትታት ኣመሓላሊፎምሉ።
ባህላዊ ትርጕም
ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጀርያ ንዝነብሩ ህዝቢ ኢግቦ፡ ጤል ምሃብ ዓሚቝ ባህላዊ ትርጕም ኣለዎ። ጤል ንኽብሪ፡ ንምስጋናን ንጽቡቕ ትምኒትን ተባሂላ እያ ከም ህያብ ትወሃብ።
እዚ ልምዲ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ባህላዊ መርዓታት፡ ናይ ስድራቤት ጽምብላትን ንዓበይቲ ዓዲ ወይ ፍሉያት ኣጋይሽ ክብሪ ንምሃብን ይውዕል።
ፕሮሚስ ነዛ ፍልይቲ ህያብ ዝዀነት ጤል ክሳብ ሕጂ ስም ኣየውጽኣላን።
ገለ ሰባት ነዛ ጤል እንታይ ክገብራ ከም ዝወሰነ ክሓትዎ ከለዉ፡ ንሱ ግን ከም ናይ ገዛ መሓዛ ገይሩ ክሕዛ ከም ዝደሊ ይገልጽ።
"ሕጂ መሓዛይ እያ፡ ንዓይ ድማ ኣዝያ ክብርቲ እያ፤ ናይ ምሕራድ ድሌት የብለይን፡" ይብል።
ብተወሳኺ፡ ካልእ ኣንስተይቲ ጤል ብምዕዳግ ከራብሓን ቍጽራ ከብዝሓን መደብ ኣለዎ። ክሳብ ሽዑ ግን እዛ ጤል ኣብቲ ተመሃሮ ዝቕመጥሉ ገዛ ብናጽነት እናተንቀሳቐሰት ፍሉይ ሓልዮት ትረክብ ኣላ።
"ብዝሒ ዝተጠብሰ ሩዝ ከም እትፈቱ ኣስተውዒለ ኣለኹ! ተረፍ ዝበላዕክዎ ሩዝ ብሃንቀውታ እያ እትበልዕ፡" ብምባል ብሰሓቕ ይገልጽ።
እዛ ጤል ሕጂ ኣብቲ ከባቢ ተፈላጥነት ዝረኸበት ኰይና፡ ፕሮሚስ ናብ ሱፐርማርኬት ክኸይድ ከሎ እውን ትስዕቦ እያ።
"ካብ መደቀሲ ተመሃሮ ክሳብ እቲ ድኳን ብመኪና ምሳይ ተጓዒዛ፤ ሕጂ ካብኡ ንላዕሊ ተፈላጥነት ረኺባ ኣላ። ምሸት ምሸት ድማ ኣብ ጐደናታት እናተንቀሳቐስኩ ከዘዋውራ ከለኹ ሰባት ቪድዮን ስእልን ይቐርጽዋ፡" ይብል።
ቃል ኣደ
ወይዘሮ ቺንየረ ነዛ ጤል ሒዛ፡ ካብቲ ስድራቤት ዝነብርሉ ኡባሃ-ኤዘ ዝተባህለ ናይ ሕርሻ ከባቢ ተበጊሳ፡ ናብቲ ወዳ ዝመሃረሉ ፈደራል ፖሊተክኒክ ነከደ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ተጓዒዛ እያ።
ቺንየረ ኣብ መጀመርታ ንወዳ ዘመናዊት መኪና ክትገዝኣሉ ትምነ ነይራ፤ "መርሰደስ (4Matic Jeep) ክገዝኣሉ ዓቕሚ ስለ ዘይነበረኒ፡ ነዛ ንእሽቶ ህያብ ክህቦ መሪጸ፡" ትብል።
ቺንየረ መግብን መስተን ብምሻጥ እትናበ ነጋዲት እያ። ቍጠባዊ ኵነታት ኣዝዩ ከቢድ እኳ እንተዀነ፡ ንወዳ ዝኣተወቶ ቃል ንምፍጻም ግን ቈሪጻ ተላዒላ።
ወዳ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ ከሎ፡ ካብ ሕማቕ ጽልዋ መዛኑን ዓመጽን ተቘጢቡ ትምህርቱ እንተ ዛዚሙ ክትሸልሞ ቃል ኣትያትሉ ነይራ።
ፕሮሚስ ድማ ነቲ ዝተባህሎ ብምግባር ትምህርቱ ብሰላም ዛዚሙ።
ነዛ ጤል ብ120,000 ናይጀርያዊ ናይራ (ከባቢ 88 ዶላር ኣመሪካ) ከም ዝገዛእታ ትገልጽ።
"ሰባት ንወደይ ኣዝዮም እዮም ዝፈትውዎ፤ እዚ ህያብ'ዚ ድማ ንሱ ክሳብ ክንደይ ፍቱው ምዃኑ መግለጺ ንክዀነሉ እየ ደልየ፡" ትብል።
ናይ መጻኢ ትምኒት
ፕሮሚስ ምስ ኣደኡ ዘለዎ ርክብ ካብቲ ጽምብል ንላዕሊ ዓሚቝ ምዃኑ ይገልጽ።
"ኣደይ ኣዝያ ንቕሕቲ እያ፤ ካብኣ ዝሓብኦ ምስጢር የብለይን። ዝዀነ ነገር ግር እንተ ኢሉዋ ንዓይ ጸዊዓ ሓሳባተይ ትሓትት እያ፡" ይብል።
ከም ተመሃራይ ፋርማስያዊ ተክኖሎጂ፡ ፕሮሚስ ኣብ ናይጀርያ ንዝርከቡ ሕሙማት ክሕግዝ ይምነ።
ብዙሓት ሰብ ሞያ ጥዕና ካብ ሃገር ይወጽኡ እኳ እንተ'ለዉ፡ ንሱ ግን ኣብ ሃገሩ ተሪፉ ነቲ ተዳኺሙ ዘሎ ስርዓተ ጥዕና ናይጀርያ ንምምሕያሽ ኣበርክቶ ክገብር ይደሊ።
ኣብ መወዳእታ ፕሮሚስ፡ ኣደኡ ብዝገበረትሉ ነገር ኣዝዩ ከም ዝተሓጐሰን ኣብ መጻኢ ንሳ'ውን ዘሕጕሳ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑን ቃል ኣትዩ።