እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ኣባላት ናይታ ኣብ ከባቢ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝተሓምሸሸት ሄሊኮፕተር ኣመሪካ ብፍሉይ ስርሒት ድሒኖም

እታ ኣፓቸ AH-64 ተባሂላ ትጽዋዕ ሄሊኮፕተር "ኣብ ገማግም ዖማን ንሓለዋ ዞባዊ ማያት ተዋፊራ" ኣብ ዝነበረትሉ እዋን'ያ ተሓምሺሻ። ኣብቲ ናይ ምድሓን ስርሒት፡ ሓይሊ ባሕሪ ናይቲ እዚን፡ መበል 82 ኣየር-ወለድ ክፍለሰራዊትን ከምዝተሳተፉ'ውን መግለጺ ሰንትኮም ይጠቅስ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ኢትዮጵያ ንሻብዓይ ግዜ ሃገራዊ ምርጫ ተካይድ ኣላ
  • ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ዜጋታት ድምፂ ይህቡ ኣለዉ
  • ኣብ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ኣብዚ ዕለት ምርጫ ኣይካየድን
  • ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ብሰንኪ ግጭት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ድምፂ ምሃብ ኣይካየድን
  • 54 ሚልዮን መረጽቲ ተመዝጊቦም
  • ኣብዚ መረፃ 42 ፖለቲካዊ ውድባት ዝሳተፋ ኮይነን፡ እተን ውድባት ልዕሊ 10 ሽሕ ሕጹያት ኣመዝጊበን
  • ካብዚኦም እቶም 2080 ንባይቶ፤ 8,352 ሕጹያት ንቤት ምኽሪ ዞባታት፤ 80 ሕጹያት ድማ ብውልቂ ይወዳደሩ
  • 55 ሲቪላዊ ማሕበራት ውሽጢ ሃገር ነቲ መረፃ ይዕዘባኦ ኣለዋ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. እስራኤል ንመጠንቀቕታ ኢራን ዕሽሽ ብምባል መጥቃዕታ ኣብ ሊባኖስ ቀጺላ

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ከካይዶ ዝጸንሐ መጥቃዕትታት ሎሚ'ውን ቀጺልዎ ውዒሉ።

    ኣብቲ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ዝተኻየደ ደብዳብ ብውሕዱ 8 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሮም።

    ከተማ ቲረ ቀንዲ ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ'ያ ነይራ።

    ነበርቲ ደቡባዊ ሊባኖስ ካብ መረበቶም ክወጹ ሓይልታት እስራኤል ኣጠንቂቖም ምንባሮም ይፍለጥ።

    እስራኤል ኣብ ሊባኖስ መጥቃዕቲ እንተቐጺላ፡ ሕነ ንምፍዳይ ክትሃርማ ከም እትኽል ኢራን ኣጠንቂቓ ነይራ።

    ደብዳባት እስራኤል፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ጻዕርታት ዝገብረሉ ዘሎ ምስ ቴህራን ዝብጻሕ ስምምዕ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ ይንገር።

  2. ወጻብቦ ሆርሙዝ፡ ሓንቲ ሄለኮፕተር ኣመሪካ ተሓምሺሻ

    ሓንቲ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ገማግም ዖማን ተሓምሺሻ።

    ኣብታ ኣብ ከባቢ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝወደቐት ሄሊኮፕተር ዝነበሩ ክልተ ኣብረርቲ ብህይወት ከምዝደሓኑ ሰብመዚ ኣመሪካ ንማዕከን ዜና ሲ-ቢ-ኤስ ሓቢሮም።

    ንፈለማ እዋን'ዩ ብማያዊት ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት (ሲ ድሮን) ስርሒት ምድሓን ዝፍጸም ዘሎ።

    ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ (ሰንትኮም) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "እቶም ወተሃደራት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓታት ዝግመት ግዜ ድሕኖም ኣለዉ፡ ኣብ ጸቡቕ ኩነታት ድማ ይርከቡ" ኢሉ።

    እታ ኣፓቸ AH-64 ተባሂላ ትጽዋዕ ሄሊኮፕተር "ኣብ ገማግም ዖማን ንሓለዋ ዞባዊ ማያት ተዋፊራ" ኣብ ዝነበረትሉ እዋን'ያ ተሓምሺሻ።

    ጠንቂ ምውዳቓ ግን ዛጊት ንጹር ኣይኮነን፣ ይምርመር ከምዘሎ'ዩ እቲ እዚ ገሊጹ ዘሎ።

    ኣብቲ ናይ ምድሓን ስርሒት፡ ሓይሊ ባሕሪ ናይቲ እዚን፡ መበል 82 ኣየር-ወለድ ክፍለሰራዊትን ከምዝተሳተፉ'ውን መግለጺ ሰንትኮም ይጠቅስ።

  3. ቴህራን፡ መዓልታዊ ህይወት ብስእሊ

    ድሕሪ ምልውዋጥ መጥቃዕቲ ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን፡ ክልቲአን ሃገራት ካብን ናብን ዝካየድ መጥቃዕቲ ደው ከብላ፡ ከምዝተስማምዓ ጸብጻባት ይሕብሩ።

    እዚ ድማ፡ ብሕቶ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከምዝዀነ እዩ ዝግለፅ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ቴህራን ንቡር ዝመስል ምንቅስቓስ ከም ዘሎ፡ ሎሚ ዝወፅኡ ገለ ስእልታት የመልክቱ።

  4. እስራኤል 'ብሕቶ ትራምፕ' ኣብ ልዕሊ ኢራን እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ደው ከተብል ወሲና

    እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን እትፍጽሞ መጥቃዕቲ "ብሕቶ ትራምፕ" ደው ከምእተብል፡ ማዕከን ዜና ቻነል 12 እስራኤል፡ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን’ታ ሃገር ብምጥቃስ ፀብፂባ።

    እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ እንተዀነ ሕዝቦላህ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ዝቕፅል እንተዀይኑ፡ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ እተካይዶ ወፍሪ ምዃና ይሕብር።

    ኣብ ማዕከናት ዜና እስራኤልን ኣመሪካን፡ ሎሚ ኣብ መንጎ ትራምፕን ኔታንያሁን ዝርርብ ቴሌፎን ከምዝተኻየደ ዝገልጽ ጸብጻባት እኳ እንተወፅአ፡ ትሕዝቶ ናይቲ ዘተ ዛጊድ ኣይተነፀረን።

  5. ኢራን፡ ምስ ኣመሪካ ክካየድ ዝጸንሐ ርክባት ‘ኣይተቛረጸን’ ኢላ

    ወሃቢ-ቓልምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ኢስማዒል ባቃዒ፡ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ዝግበር ዘሎ ምልውዋጥ መልእኽታት “ኣይበተኸን” ክብል ገሊጹ።

    ባቃዒ፡ እዚ ምልውዋጥ መልእኽታት ድሕሪ እቲ ትማሊ ዝሰዓበ ምዕባለታት ይቕጽል ኣሎዶ የሎን ኣየነጸረን።

    ንሱ ወሲኹ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፓኪስታን ሞህሲን ናቅቪ ናብ ቴህራን ዝመጻሉ ሓደ ካብቶም ምኽንያታት፡ "ነቲ ዘተ ንምቕጻልን ምስ ዕርቀ-ሰላም ዝተሓሓዙ ጉዳያት ንምስላጥን፡" ምዃኑ ገሊጹ።

    ፓኪስታን ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን መንጐኛ እጃም ትፃወት ዘላ ዀይና፡ ናቅቪ ካብ መራሕቲ ፓኪስታን ዝተላእከ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ናብ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመኒ ከም ዘብጽሐ ተገሊጹ ኣሎ።

    ካብ 1 ሰነ ጀሚሩ፡ ምስ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ቅርበት ከም ዘለወን ዝግለጻ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ እታ ሃገር ብሰንኪ እቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕትታት ርክብ ከተቋርጽ እያ ዝብል ወረታት ክናፈስ ቀንዩ እዩ።

    ቴህራንን ዋሽንግተንን፡ ሰነድ-ርድድእ ኣብ ምፍራም ንኽበጽሓ፡ ካብቲ ብ8 ምያዝያ ዝተገብረ ናይ ምቍራጽ ተዅሲ ስምምዕ ጀሚረን መልእኽታት ክለዋወጣ ከም ዝጸንሓ ይፍለጥ።

    ካብ 11 ክሳዕ 12 ምያዝያ ፓኪስታን ዘአንገደቶ ልኡኻት ኣመሪካን ኢራንን ኣብ እስላማባድ ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ዘትዮም ነይሮም እዮም።

  6. ኢራን፡ 'ስግኣት እንተሎ ንድሕሪት ኣይክትብልን እያ' - ፕረዚደንት ፔዘሽክያን

    ፕረዚደንት ኢራን፡ ማሱድ ፔዘሽክያን፡ እታ ሃገር "ዓውደ-ውግእ ዀነ መኣዲ ድርድር ኣይገደፈቶን" ይብል።

    ማሱድ ፔዘሽክያን፡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ቀዳምነት እታ ሃገር "ሃገራዊ ድሕነትን ሰላም ህዝብን" ምርግጋፅ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ስግኣት፡ ንድሕሪት ከምዘይትብል" ተዛሪቡ።

    እዚ ርእይቶ’ዚ፡ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢራን፡ ካታም ኣል-ኣንብያ፡ “ስርሒታት ዕጡቕ ሓይልታት” ከምዘቋረጸ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ ተሰሚዑ ዘሎ።

    ንሱ ወሲኹ፡ መጥቃዕቲ እንተቐጺሉ፡ “ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝኸበደን ሓያልን” ምላሽ ከምዝወሃብ ኣጠንቂቝ ኣሎ።

  7. ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ ኣርእዩ

    ኢራንን እስራኤልን ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ምያዝያ ምስ ኣመሪካ ዝተበጽሐ ናይ ምቍራጽ ተዅሲ ስምምዕ ንፈለማ እዋን ናብ ሓድሕድ መጥቃዕቲታት ድሕሪ ምእታወን ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ የርኢ ኣሎ።

    ዋጋ ናይቲ ዓለምለኻዊ መምዘኒ ዝዀነ ነዳዲ ብሬንት ብ4.5 ሚእታዊት ወሲኹ። ዋጋ ሓደ ባረል 97.30 ዶላር በጺሑ።ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝሽየጥ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብ4.3 ሚእታዊት ወሲኹ ናብ ከባቢ 94.50 ዶላር ክብ ኢሉ።

    እቲ መጥቃዕቲ ምሉእ ብምሉእ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ውግእ ክሰጋገር ድዩ ገና እኳ ዘይተፈልጠ እንተዀነ፡ ነጋዶ ግና ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ነዳዲ ከጋጥም ዝኽእል ስግኣታት ኣብ ግምት የእትውዎ ከም ዘለዉ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጄምስ ኩክ ናይ ኣውስትራልያ ፕሮፌሰር ዝዀነ ጂያጂያ ያንግ ገሊጹ።

    ሎሚ ዕዳጋታት እስያ ሓያል ምንቍልቋል ዘርኣየ ኰይኑ፡ ከም ናይ ደቡብ ኮርያ ኮስፒ ዝበሉ ዓበይቲ መለክዒታት ቍጠባ ብዓቢ ደረጃ ብምውራድ ብ8 ሚእታዊት ኣንቈልቊሎም ኣለዉ።

  8. ሑቲ፡ መራኽብ እስራኤል ዒላማ ከም ዝገብርን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመን ገሊጹ

    እቲ ኣብ የመን ዝመደብሩን ብኢራን ዝድገፉን ዕጡቕ ሓይሊ ሑቲ፡ እስራኤል ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንእተካይዶ ኵሉ ጕዕዞታት ክዓግቱዋ ምዃኖምን ዝዀነ ዝግበር ምንቅስቓስ ከም ዒላማ መጥቃዕቶም ከም ዝውሰድን ይገልጹ ኣለዉ።

    ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝጓዓዛ መራኸብ እስራኤል ብቐጻሊ ከጥቅዑ ጸኒሖም እዮም።

    እቲ ጕጅለ ብኣፈኛኡ የሕያ ሳሬዕ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብሚሳይላት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ እውን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል፡ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኢራን ከም ዝተፈጸመ ሓቢራ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ኢራን ቅድሚ "ቅሩብግዜ" ናብእስራኤል ገጻ ሚሳይላት ከም ዝተኰሰት ገሊጹ።

    እቲ ሓይሊ ምክልኻል ወሲኹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ነቲ ስግኣት ንምምካት ስርዓ- ምክልኻል ስጕምቲ ብምውሳድ ይዓዩ ኣለዉ፡" ድሕሪ ምባል፡ ንህዝቢ’ውን መጠንቀቕታ ከም ዝተዋህበ ሓቢሩ።

  9. ትራምፕ፡ እስራኤል ንዘተ ኣመሪካ-ኢራን ከይተተዓናቕፎ ኣጠንቒቑ

    እስራኤል መጥቃዕትታት ዝፈጸመት፡ ትራምፕ ንቐዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ሕነ ከይፈዲ ድሕሪ ምጥንቃቑ እዩ።

    ትራምፕ ኣቐዲሙ’ውን፡ እስራኤል ንበይሩት ከይተጥቅዕ ንዝሃቦ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባላ ተቘጢዑ ነይሩ እዩ።

    ስግኣት ትራምፕ፡ እቲ እስራኤል እትወስዶ ዘላ ስጕምቲ ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ከይተተዓናቕፎ እዩ።

    ማዕከን ዜና ኣክሲዮስ ዝጠቐሶ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ከም ዝበሎ፡ ዘተ ኣመሪካን ኢራንን “ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክበጽሕ ቀሪቡ ስለ ዘሎ፡” ትራምፕ ንበንያሚን ናታንያሁ ነቲ ጉዳይ ክጽበዮ ከም ዝነገሮ ተዛሪቡ።

    እዞም ክልተ መራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ርክብ ተለፎን ኣካይዶም ነይሮም። ትራምፕ፡ በቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕትታት ተቘጢዑ እናጨደረ ንናታንያሁ ከም ዝተዛረቦ ንዝገልጽ ገለ ጸብጻባት ኣይነጸጎን።

    ፕራምፕ ቅድም ክብል ንፋይናንሻል ታይምስ ከም ዝተዛረቦ፡ በንያሚን ናታንያሁ ነቲ ኣመሪካ ምስ ኢራን ተካይዶ ኵሉ ስምምዕ ክቕበሎ ክግደድ እዩ፣ ምኽንያቱ "ካልእ ምርጫ የብሉን።"

    እዚ ማለት፡ "ኵሉ ውሳነታት ዝውስን ኣነ እየ፣ ንሱ ውሳነታት ኣይውስንን እዩ፡" እዩ ዝብል ዘሎ።

    ትራምፕ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣዝየን ቀሪበን ከም ዘለዋ ጠቒሱ። ከምዚ ክብል ፈለማዩ ኣይኰነን፣ ገና’ውን መዛዘሚ ኣይረኸበን ዘሎ።

  10. እስራኤል ኣብ ምዕራባውን ማእከላይን ኢራን ዒላማታት ከም ዝወቕዐት ገሊጻ

    እስራኤል፡ ኣብ ምዕራባውን ማእከላይን ኢራን ዝርከቡ ወተሃደራዊ ዒላማታት ከም ዝሃረመት ገሊጻ ኣላ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ተለግራም ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ቅድሚ ሓጺር እዋን፡ ኣየር ሓይሊ እስራኤል፡ ኣብ ምዕራባውን ማእከላይን ኢራን ዝርከቡ ናይቲ ራዕዳዊ ስርዓት ወተሃደራዊ ቦታታት ዒላማ ገይሩ ኣሎ፡" ኢሉ።

    ኣብ ሰባት ብዛዕባ ዘውረዶ ጕድኣት ኮነ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሎም ቦታታት ኣበይ ምዃኖም ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።

    እዚ ከምዚኢሉ ከሎ፡ መንግስታዊ ተለቪዥን ኢራን ነትጒታት ከም ዝተሰምዐ ጸብጺባ።

    እስራኤል፡ ሓይሊ ኣየራ ኣብ ማእከላይንምዕራባውን ኢራን ወተሃደራዊ ሸቶታት ከም ዝሃረመ ካብ እትገልጽ ንደሓር፡ መንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ሰለስተ ቦታታት ድምጺ ቦምባታት ከምዝተሰምዐ ጸብጺቡ ኣሎ።

    እቲ መንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ተለግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ኣብ ቴህራን፡ ተብሪዝን ኢስፋሃንን ሓያሎ ባንባታታት ተሰሚዖም፡" ኢሉ።

    ከምኡ’ውን ኣብ ጥቓ ማእከል ከተማ ካራጅ ባንባታታት ከም ዝተሰምዐ ጸብጺቡ።

  11. ኣብ ቴህራን ሰላማዊ ሰልፍታት ይካየዱ ኣለዉ

    ነቲ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት በይሩት ዘካየደቶ መጥቃዕትታት ስዒቡ፡ ኣብ ቴህራን ዝካየዱ ዘለዉ ናይ ደገፍቲ መንግስቲ ሰልፊታት ዘርእዩ ምስልታት ይዝርግሑ ኣለዉ።

    ኣብቶም ኣሳእል ዘለዉ ሓያሎ ካብቶም ሰልፈኛታት፡ ባንዴራታት ኢራንን ሓዝቦላህን ኣለዉ።

  12. እስራኤል ካብ የመን ሚሳይል ከም ዝተተኰሳ ገሊጻ

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ካብ የመን ናብ እስራኤል ዘቕንዐ ምውንጫፍ ሚሳይል ከም ዘለለየ ገሊጹ።

    እቲ ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣሃዱ ምክልኻል ስርዓተ-ኣየር፡ “ነቲ ሓደጋ ንምዕጋት ይሰርሑ ኣለዉ፡” ክብል ገሊጹ።

    ዘ ታይምስኦፍ እስራኤል ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣብ መላእ ኢዮሩሳሌም፡ ቴል ኣቪቭን ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ክፋላት ማእከላይ እስራኤልን ናይ መጠንቀቕታ ደውላት የቃልሑ ኣለዉ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ድሕሪ ዝገበሮ “ገምጋም ኵነታት”፡ ሰባት ሕጂ “ኣብ ኵሉ ከባቢታት እታ ሃገር ካብ ዝተዓቘብሉ ቦታታት ክወጽኡ ተፈቒዱሎም ኣሎ፡” ኢሉ ኣሎ።

  13. ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ምያዝያ ድሕሪ ምኽያዱ እንታይ ስዒቡ?

    ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ምቍራጽ ተዅሲ ብ8 ምያዝያ ኣብ ግብሪ ውዒሉ፡ እስራኤል ነቲ ስምምዕ እኳ እንተ ደጊፋቶ፡ “ንሊባኖስ ኣየጠቓልልን እዩ” ክትብል ግን ገሊጻ።

    ናይ ኢራን እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ፡ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝግበር መጥቃዕትታት እንተ ቀጺሉ፡ “ጣዕሳ ዘስዕብ ግብረ-መልሲ” ከም ዝህብ ቃልኣትዩ።

    ካብኡ ንነጀው፡ እቲ ዘተኣማምን ዘይኰኑ ምቍራጽ ተዅሲ ተፈቲኑ እዩ። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ኲናት ንከኽትም ዝግበር ስምምዕ ብዝምልከት ድማ እተሓላለኸ መልእኽትታት ክመሓላለፍ ጸኒሑ።

    ካብኡ ንነጀው ዝነበረ ናይ ፍጻመታት ብቕደም ተኸተል ከምዚ ዝስዕብ እዩ፤

    • 8 ምያዝያ፡ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ዝጀመረሉ ዕለት፡ እስራኤል ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ኣብ ሊባኖስ ን100 ዒላማታት ከም ዝወቕዐት ኣዊጃ።
    • በዚ መጥቃዕቲ ልዕሊ 300 ሰባትከም ዝቐተለ ሰበስልጣን ሊባኖስ ይገልጹ። ኣብዚ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት እቲ ዝሓያለ ነይሩ። ሓደ ምኒስተሪኢራን “ከቢድ ግህሰት” ንስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክብል ገሊጹዎ።
    • 13 ምያዝያ፡ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቴህራንን ኣብ ፓኪስታን ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ስምምዕ ከይበጽሐ ምስ ፈሸለ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ማያዊ ዕጽዋ ጀሚራ።
    • 16 ምያዝያ፡ ብትራምፕ ዝተኣወጀ ምቍራጽ ተዅሲ እስራኤልን ሊባኖስን ኣብ ግብሪ ውዒሉ፣ ንዓሰርተ መዓልታት ክጸንሕ ድማ ተወሲኑ።
    • 17 ምያዝያ፡ ኢራን እቲ ኣብ እዋን ኲናት ብቴህራን ተዓጽዩ ዝነበረ መጻብቦ ሆርሙዝ ንንግዳውያን መራኽብ ዳግማይ ከም ዝተኸፍተ ገሊጻ። እዚ ክሳዕ 18 ምያዝያ ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ቴህራን ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ኣመሪካ ማያዊ ዕጽዋ ነቲ መጻብቦ ክትዓጽዎ ምዃና ገሊጻ።
    • 23 ምያዝያ፡ ኣብ መንጎ ሊባኖስን እስራኤልን ዝግበር ካልኣይ ዙር ዘተ ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ቈጸራ ተታሒዝሉ። ትራምፕ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ዝግበር ምቍራጽ ተዅሲ ንሰለስተ ሰሙን ከም ዝተናውሐ ገሊጹ።
    • 24 ምያዝያ፡ ፍሉያት ልኡኻት ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍን ጃሬድ ኩሽነርን ምስ ኢራን ዘተ ንምክያድ ናብ ፓኪስታን ከም ዝቅንዑ ተገሊጹ ነይሩ፣ እንተዀነ፡ ትራምፕ ኣመሪካ “ኵሉ ካርታታት” ኣብ ኢዳ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ነዚ ጕዕዞ ሰሪዙዎ። እዚ ዘረባኡ ዝመጽአ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ሃገሩ፡ “ኣመሪካ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ብሓቂ ዕትብቲ እንተዀይና ከተርኢ ከም ዘለዋ፡” ምስ ገለጸ እዩ።
    • 3 ግንቦት፡ ትራምፕ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብሰንኪ ምዕጻዋ ዝተዓግታ መራኽብ መንገዲ ንምኽፋት ዝዓለመ ‘ስርሒትሓርነት’ ብዝብል ኣዊጁ።
    • 5 ግንቦት፡ ይዅን እምበር፡ ኣመሪካን ኢራንን ናብ ስምምዕ ክበጽሓ ዝኽእላ እንተ ኰይነን ንምርኣይ እቲ ፕሮጀክት “ንሓጺር እዋን” ከም ዝቋረጽ ገሊጹ።
    • 12 ግንቦት፡ ትራምፕ እቲ ንሓደ ወርሒ ዝቐጸለ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ “ከቢድ ናይ ህይወት ደገፍ” ከም ዘሎ ገሊጹ። ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኢራን መሓመድ ቓሊባፍ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን፡ “ንዝዀነ ይዅን ጽንፈኝነት ምላሽ ክህቡን ትምህርቲ ከቕስሙን ድሉዋት፡” ከም ዝነበሩ ገሊጹ።
    • 24 ግንቦት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ ኢራን ዝግበር ስምምዕ “ብብዝሒ ዝተዘተየሉ”ን ዝርዝራቱ ድማድሕሪ ሓጺር እዋን ክግለጽን ምዃኑ ገሊጹ። ሓደ ወሃቢ-ቓል ምኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ግናመርገጺ ኣመሪካን ኢራንን ምቅራረብ፡ ኣብ ቀንዲ ጉዳያት ስምምዕ ክግበር እዩ ማለት ከም ዘይኰነ ኣጠንቂቑ።
    • 6 ሰነ፡ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ወሽመጥ መጥቃዕትታት ተለዋዊጠን፡ ሓይልታት ኣመሪካ ንናይ ኢራን ድሮናታትን ናይ ራዳር መዓስከራትን ዒላማ ክገብሩ ከለዉ፡ ኢራን ድማ ናብ መዓስከራት ኣመሪካ ሚሳይላት ተኲሳ።
    • 7 ሰነ፡ ኢራን ናይ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ “ሰሙን ምሉእ ንዝካየድ መጥቃዕቲታት ፈወንታ፡” ኢሉ ኣብዝጸውዖ ፍጻመ፡ ማዕበል ሚሳይላት ናብ እስራኤል ወርዊራ። እቲ ናይ ኢራን መጥቃዕትታት ዝመጽአ፡ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቤይሩት ንዝርከቡ ናይ ሕዝቦላህ ዒላማታት ከም ዝወቕዐት ካብ እትገልጽ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ።
  14. ‘ይኣኽለኩም በሉ። ሕጁ ናብ መኣዲ ዘተ ተመለሱ' - ትራምፕ ንኢራን

    ኢራን፡ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ሚሳይላት ድሕሪ ምውንጫፋ፡ ናብ መኣዲ ዘተ ክትምለስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ተማሕጺኑ።

    ዶናልድ ትራምፕ "ሚሳይላትኩም ተኲስኩም ኢኩም። እዚ እኹል እዩ። ናብ መኣዲ ዘተ ተመሊስኩም ውዕል ግበሩ" ክብል ከምዝተዛረበ ፎክስ ኒውስ ጠቒሱ።

    ዋሽንግተን ምስ ቴህራን ዝጸንሓ ግጭት ደው ንምባልን ክልቲኦም ወገናት ዝተሰማምዕሉ ምቊራጽ ተጻብኦታት ንምቕጻልን ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከተካይድ ምጽንሓ ይፍለጥ።

  15. ሰራዊት እስራኤል፡ ኢራን ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ዒላማ ዝገበረ ሚሳይላት ከምዝተኮሰት ገሊጹ

    ሰራዊት እስራኤል፡ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ዒላማ ዝገበረ ማዕበል ሚሳይላትን ድሮናትን ኢራን ከም ዘምከነ ገሊጹ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር ሳይረን ከምዝተሰምዐ ወሲኹ ሓቢሩ።

    እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ብወገኑ "እዚ ስርሒት ንምሉእ ሰሙን ክቕጽል'' ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

    "ጸላኢ ክሳብ ዝዕገትን ገበናቱ ክሳብ ዘቋርጽን ንዝቕጽሉ 7 መዓልታት ን24 ሰዓት ማዕበል ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ክውጨፉ እዮም" ይብል።

    "ንመሬት ኢራን ዒላማ ዝገበረ ድማ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ኣዕናውን ልዕሊ ዓቕምን ምላሽ ክወሃቦ’ዩ" ይብል እቲ መግለጺ።

  16. ሕዝቦላህ ኣብ መንጐ ሊባኖስን እስራኤልን ንዝተበጽሐ ስምምዕ ነጺጉ

    ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ነቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሊባኖስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምንዋሕ ምቊራጽ ተዂሲ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።

    እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሊባኖሳዊ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ ተሪር መግለጺ፡ እቲ በመንጐኝነት ኣመሪካ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ንሊባኖስ "ዘሕስር'ዩ" ክብል ነጺግዎ።

    ሰለስቲአን ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘውጽኣኦ ሓበራዊ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ሕዝቦላህ "ምሉእ ብምሉእ ተጻብኦታት ደው እንተኣቢሉ" ዝፍጸም ምዃኑ ኣፍሊጠን ነይረን።

    ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዳግማይ ዝተወልዐ ግጭት ነቲ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ምጽንሑ ይፍለጥ።

  17. ሶማልያ፡ ኣብ ርእሰከተማ ሞቓድሾ ከቢድ ግጭት ተፈጢሩ

    ኣብ ሶማልያ ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስቲን ዕጡቓት ተቓወምቲን ጽዑቕ ምልውዋጥ ተዂሲ ተሰሚዑ።

    እቲ ግጭት ብሰንኪ ምንዋሕ ምርጫ ዝተበገሰ እዩ።

    እብረ-ስልጣን ፕረዚደንት ሼኽ ሓሳን ማሕሙድ ብ15 ግንቦት ድሕሪ ምብቅዑ፡ ንሓደ ዓመት ምንውሑ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።

    ምንዋሕ ዕድመ-ስልጣን ናይቲ ፕረዚደንት ዘይቅዋማዊ'ዩ ክብሉ ዝነቐፉ ተቓወምቲ ሰልፍታት ንሎሚ ሓሙስ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክካየድ ጸዊዖም ነይሮም።

    "መጠነ-ሰፊሕ ጸጥታዊ ስርሒታት" የካይዱ ምህላዎም ዝገለጹ ፖሊስ፡ ኣንጻር "ልዑል ዕጥቂ ዘለዎምን ብሞርታራት መጥቃዕቲ ዘካይዱን ሚሊሻ" ገጢሞም ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

    ሓደ ካብ ተቓወምቲ ፕረዚደንት ማሕሙድ ዝኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሓሳን ዓሊ ካይረ፡ "ሰላማዊ" ተቓውሞ ንምግባር እናተዳለወ እንከሎ ብሓይልታት መንግስቲ ከምዝተጠረቕዐ ከሲሱ።

    ሓላፍነት ናይቲ ዝስዕብ ጉድኣት እቲ ዕድመ ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረዚደንት ምዃኑ'ውን ኣጠንቂቑ'ለ።

    ዛጊት ብዛዕባ ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ዝተፈልጠ ነገር የለን።

  18. ኲዌት፡ ህይወት ሰብ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ኢራን

    ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኲዌት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢራን ሓደ ሰብ ከምዝተቐትለ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

    ኣብቲ ብሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካልኦት ልዕሊ 60 ሰባት'ውን ቆሲሎም ኣለዉ።

    ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝወሰዱ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ሕነ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መርከብ ነዳዲን ደሴት ቀሽምን ዝተኻየደ ደብዳብ ኣመሪካ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

    "ናይ ምክልኻል" መጥቃዕቲ ከምዝወሰደት ዝገለጸት ዋሽንግተን፡ ናብ ኲዌትን ባሕሬንን ዝተወንጨፈ ሚሳይላት ኢራን ከምዘበርዓነት ሓቢራ'ላ።

    ሓያሎ ዜጋታታ ከምዝተቐትሉ ዝገለጸት ህንዲ ብወገና፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብምዂናን ደው ክብል ጸዊዓ።

    "እቶም ወገናት መጥቃዕቲ ደው ከብሉ ደጊምና ንጽውዕ ይብል ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ዝወጸ መግለጺ።

    ደግሲ ናይቲ መጥቃዕትታት ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ዝተበጽሐ ምቊራጽ ተዂሲ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ይርከብ።

  19. ብዛዕባ ጸረ መጥቃዕቲ ኣመሪካን ኢራንን እንታይ ንፈልጥ?

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣመሪካ "ካብ ደሴት ቐሽም ንደቡብ ዝርከብ ናይ መጸናጸኒ መደበራት ሰውራ ኢራን" ከምዘጥቅዐት ይገልጽ፡

    ሓይሊ ኣየር ኢራን ድማ፡ "ኣብቲ ዞባ ኣብ እትርከብ ሃገር ዝርከብ መደበር ኣየርን ሄሊኮፕተርን" ከምኡ'ውን፡ "ኣብ ባሕሬን ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሓሙሻይ መርከብ ኣመሪካ" ብምጥቃዕ ምላሽ ሂቡ።

    ብመሰረት ጸብጻባት እቲ ከባቢ፡ ኣብ ኩዌት ዝርከብ መዓስከር ኣየር ዓሊ ሳሌም ዒላማ መጥቃዕቲ ከምዝነበረ ይሕብር።

    ማእከላይ እዝ ኣመሪካ ነቲ መጥቃዕቲ ኣረጋጊጹ፡ ኩሎም ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከምዝተዓገቱ’ውን ሓቢሩ።

    ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣባላቱ ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ከምዘይበጽሖን ኣብ ልዕሊ ደሴት ቐሽም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ነብሰ ምክልኻል" ከምዝኾነን ገሊጹ።

  20. ኩዌት፡ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይልን ኢራን ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም

    በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኩዌት፡ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይልን ኢራን ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኩዌት ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም።

    መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኩዌት ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኩዌት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪትን ሚሳይላትን፡ መጉዳእቲ ከምኡ’ውን ምቁራጽን በረራታት ከምዘስዓበ ሓቢሩ።

    እቲ ጸብጻብ ንበዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኩዌት ብምጥቃስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንህንጻ T-1 ናይቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑን፡ በረራታት ናብ ካልእ ኣማራጺ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝተመርሓን ገሊጹ።

    እቲ ማዕከን ዜና፡ ዜጋታት ካብ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ዝወድቁ ስብርባራት ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቡ።