ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ብጓሂ ልቦም ዝመልአ ወለዲ ኣስማት ዝጠፍኡ ደቆም ይጽውዑ

ኣስታት 15 ሮዛ፣ ሰማያውን ኣራንሺን ሕብሮም ቦርሳታት ህፃናት ኣብቲ ፍርስራስ ተቐዳዲዶምን ተበታቲኖምን ይረአዩ፡
ኣብ መንጐኦም ድማ ዝተበተኑ መጻሕፍቲ ነይሮም።
መጻወቲ ስፓይደርማንን ፊደላትን ኣብ መንጐ ዝተሰብረ መንበራብን ጠረጴዛታት ፋሕ ብትን ኢሎም ኣለዉ።
እዚ፡ ኣብቲ ብዓርቢ ኣብ ሚያንማር ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዓነወ ኣፀደ-ህፃናት እዩ።
ኣብታ ካብ ማንዳላይ ንደቡብ ኣስታት 40 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ክያውክሰ እዩ ዝርከብ።
ማንደላይ ካብቶም በቲ 2000 ሰባት ዝቐተለ 7.7 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣዝዩ ዝተሃስዩ ከባቢታት ሓደ እዩ።
ወዲ 71 ዓመት ኪዌ ንየይን፡ ስድርኡ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ጓል ጓሉ ቴት ሂተር ሳን ንምክያድ ይሸባሸቡ ከም ዘለዉ ክገልጽ ከሎ ዝሕንዝሕ ይነብዕ ነይሩ።
እቲ ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክጅምር ከሎ ኣዲኣ ምሳሕ ተበልዕ ከም ዝነበረት ይዛረብ።
እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስዒቡ ናብቲ ኣፀደ ህፃናት ገዪያ፡ እቲ ህንጻ ግን ምሉእ ብምሉእ ፈሪሱ ፀኒሑዋ።
ሬሳ እታ ንእሽቶ ጓላ ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ተረኺቡ።
ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ብዓርቢ ካብ ክልተ ክሳብ ሸውዓተ ዓመት ዝዕድሚኦም ኣስታት 70 ህጻናት ብሓጐስ ይመሃሩ ከም ዝነበሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ይዛረቡ።
ሕጂ ግን ብዘይካ ኵምራ ሕጡብ፣ ኮንክሪትን ሓፃዊንን ካልእ ኣይተረፈን።
እቲ ቤት ትምህርቲ 12 ህጻናትን ሓደ መምህርን ከም ዝሞቱ እኳ እንተገለጸ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ግን እቲ ቁጽሪ ብውሑዱ 40 ምዃኑ ይኣምኑ ።
ኣብቲ ዝፈረሰ ህንፃ ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ክንደይ ህፃውንቲ ነይሮም ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ።

ዘይተመለሱ ሕቶታት
ነበርትን ወለድን ኣዝዮም ተጨኒቖም ኣለዉ።
ነበርቲ'ታ ከተማ ብምልእታ ኣብ ስራሕ ምድሓን ህይወት ክሕግዙ ከም ዝመጽኡን ብዓርቢ ሓያሎ ሬሳታት ከም ዝተረኸቡን ይዛረቡ
ኣዴታት ክሳብ ለይቲ ነዊሕ ክበኽያን ኣስማት ደቀን ክጽውዓን ውዒለን።
ሕጂ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እቲ ቦታ ፀጥ-ረጭ ኢሉ ይርከብ። ሰባት ኣብ ገጾም ሓዘን ይንበብ ነይሩ።
ጉጅለታት ረድኤት ኣብ ሚያንማር ሰብኣዊ ቅልውላው እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎን፡ ሆስፒታላት ከምዝተሃስዩን ይሕብሩ ኣለዉ።
ሓደ ጉጅለ ፖሊስ ኣቑሑት ገዛ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ይሰቕሉ ነይሮም። ክሳብ ሕጂ ህይወት ንምድሓን ዝጽዕሩ ዝነበሩ ይመስሉ።
እቲ ሓላፊ ፖሊስ ንእተወሰነ እዋን ክንስእል እኳ እንተ ተፈቐደልና ቃለ መሕትት ክህበና ፍቓደኛ ኣይኰነን።
ምናልባሽ ነቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ስለ ዝሰግኡ ንማዕከናት ዜና ክዛረቡ ኣይደለዩን።
ብዙሕ ሕቶታት ነይሩና።
ክንደይ ሰባት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ነይሮም? ካብኣቶም ገና ብህይወት ኪህሉ ይኽእል ድዩ? ሬሳታት ምዉታት እውን ከይተረፈ ናይ ምውፃእ ስራሕ ዘይተገብረ ስለምንታይ እዩ?

ብኸመይ ኣብኡ በፂሕና
ኣብቲ ናብታ ከተማ ዝወስድ መንገዲ፡ ኣብ ትሕቲ ኣግራብ ኣፅሊሎም ኮፍ ኢሎም፡ ካብቲ ውዑይ ጸሓይ ክከላኸሉ ይፅዕሩ ነይሮም።
ኣብ ዓመት እቲ ዝወዓየ እዋን እዩ - ክሳብ 40 ድግሪ ሴንትግሬድ ይበፅሕ።
እንተኾነ ግን ብሰንኪ እቲ ቀጻሊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ውሽጢ ህንጻታት ከይኰኑ ፈሪሖም ነይሮም።
ሰንበት ንግሆ ሰዓት 4 ኢና፡ ካብታ ካብ ማንዳላይ ንደቡብ ኣስታት 600 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመሉ ዞባ-ያንጎን ተበጊስና።
እቲ ፀሊም ጽርግያ፣ መብራህቲ ጎደና ኣይነበሮን።
ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት ብመኪና ድሕሪ ምጉዓዝና፡ ኣራንሺ ዝሕብሩ ዩኒፎርም ዝለበሱ ኣስታት 20 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ዝሓቖፈት ጉጅለ ረኺብና።
ካብ ሆንግ ኮንግ ከም ዝመጹ ምዃኖም ዘመልክት ባጅ ነይሩዎም።
ናብ ሰሜን ገፅና እናተጓዓዝና ኣብ ጽርግያታት ነቓዓት ክንረክብ ጀመርና።
እቲ መስመር ከም ንቡር ሓያሎ ነቑጣታት ኣለዎ፡ እንተዀነ ን185 ኪ.ሜ (115 ማይልስ) እንትንጓዓዝ ዝዀነ ሰብ ከይረኸብና ተጓዒዝና።
ሓደ በይኑ ዝነበረ ፖሊስ፡ እቲ ፅርግያ ኣብ ቅድሜና ብሰንኪ ዝተሰብረ ድልድል ከም ዝተዓጽወ ነጊሩና፡ ኣማራፂ መጥወዪ መንገዲ ድማ ኣርኣየና።
ክሳብ ሰንበት ምሸት ኣብታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ሚያንማር ዝኾነት ማንዳላይ ክንበጽሕ ተስፋ ጌርና ነይርና።
እቲ ፅርግያ-ምቕያሩ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መኪናነ ዋዒ መኪናና ዝፈጠሮ ጸገማት፡ ከምኡ ከም ዘይከኣል ገይርዎ።
ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብ መወዳእታ ኢና ኣብታ ከተማ በጺሕና ዘለና።
እታ ከተማ ምሉእ ጸልማት ኮይኑ፣ መብራህቲ ጎደናታት ጠፊኡ፡ ገዛውቲ ድማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኰነ ማይ ዘይብሎም ኰይኖም ረኺብናዮም።
ምስ ወግሐ ኣብዚ እንታይ ክንረክብ ኢና ኢልና ንጭነቕ ነይርና።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







