ብሉጻት ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም 2024

ምንጪ ስእሊ, Jose Manuel Grandío
ብሉጻት ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም 2024 ዕላዊ ተገይሩ ኣሎ።
ተዓወትቲ ብሉጽ ሰኣላይ ናይዚ ዓመት ኣብ ዕለት 8 ጥቅምቲ ክግለጽ እዩ።
ብድሕሪኡ ኣብ ቤተ መዘክር ምርኢት ዝቐርብ ኰይኑ፡ ነቲ ምርኢት ድማ 100 ኣሳእል ክሕረዩ እዮም።
ገለ ካብቶም ሕጹያት ኣሳል ኣቕሪብናልኩም ኣለና።
ማናቲ ምስ ውላድ

ምንጪ ስእሊ, Jason Gulley
ሰኣሊ፡ ጄሰን ጉሊ
ቦታ፡ ኣብ ሃንተር ስፕሪንግስ፡ ፍሎሪዳ
ነዛ ማናቲ (ገዚፍ ናይ ባሕሪ እንስሳ) ዝሰኣላ ዶክተር ጄሰን ጉሊ ተመራማሪ ሳይንስ ስነ-ምድሪ እዩ። ኣብ ናይዚ ዓመት'ዚ ብሉጽ ሰኣላይ እንስሳ ዘገዳም ናእዳ ካብ ዝረኸቡ ሓያሎ ሰኣልቲ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።
ጄሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ ንውድድራት ክብል ስእሊ ከምዘይስእል ተዛሪቡ።
ብተለምዶ ላሕሚ ባሕሪ ብዝብል ዝፍለጡ ማናቲታት፡ ኣብ ማይ ዝነብሩ ዓበይቲ መጥበውቲ እዮም።
ብሰንኪ ምግጫው ጀላቡ፡ ሃድንን ካልእን ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ብምቅልዖም ሓደጋ ጽንተት ዘንጸላለዎም ኣብ ዝብል ተዘርዚሮም ኣለዉ።
"ንመጀመርታ ግዜ ምስ ማናቲ ናብ ማይ ኣብ ዝኣተኹሉ እዋን፡ ነንሕድሕዶም ኣዝዮም ክጻወቱ ርእየዮም። ዝዀነ ነገር ንምፍላጥ ህንጡያት ነይሮም" ይብል።
"ብዛዕባይ ኣዝዩ ክፈልጥ ዝደለየ ሓደ ማናቲ ነይሩ፤ ንኣባላቱ ገዲፉ ኣስታት ፍርቂ መንገዲ ናባይ ገጹ ይጽጋዕ’ሞ ናብታ ጉጅለ ይምለስ" ክብል ገሊጹ።
"ድሕሪ ክልተ ደቓይቕ መሊሱ ቁሩብ ይጽጋዕ’ሞ ይምለስ። ነዚ ባህሪ ዝቐርጹ ስእልታት ርእየ ኣይፈልጥን" ይብል ጄሰን።
"ንሓደ ፕሮጀክት ጽልዋታት ከባብን ዕቃበን ዝምልከቱ ውሑድ ስእልታት ክስእል’የ ኣትየ ነይረ፤ ግን ተመሲጠ ተሪፈ።"
ስደት ከተማ

ምንጪ ስእሊ, Sasha Jumanca
ሰኣሊ፡ ሳሻ ዩማንካ
ቦታ፡ ማክሲሚልያንሳንላገን፡ ሙኒክ፡ ጀርመን
ሳሻ ኣብ ጥቓ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ መናፈሻ ነዘን ጉጓታት ንሓያሎ መዓልታት ክዕዘበን ጸኒሑ’ዩ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ከባቢ ጉጓታት ርእዩ እኳ እንተነበረ፡ እዚአን ግን ናብ ማእከል ከተማ ኣዝየን ቀሪበን ምስ ረኸበን ተገሪሙ።
ዝላ ፍሕሶ

ምንጪ ስእሊ, Jose Manuel Grandío
ሰኣሊ፡ ሆዜ ማኑኤል ግራንዲዮ
ቦታ፡ ኣቶሰ፡ ቦርጎን-ፍራንቸ-ኮምተ፡ ፈረንሳ
ሆዜ እዚ ስቶት (ኣንጭዋ መሰል እንስሳ) ከም "መግለጺ ፍስሃ" ኣብ ኣየር ክዘልልን ክጠዋወይን ምስረኣዮ ከምዝሰኣሎ ይዛረብ።
ቀታሊ መንከስቲ

ምንጪ ስእሊ, Ian Ford
ሰኣሊ፡ ኢያን ፎርድ
ቦታ፡ ፓንታናል፡ ማቶ ግሮሶ፡ ብራዚል
ሓደ ጃጓር (ዓሌት ነብሪ) ኣብ ሩባ ሳኦ ሎረንሶ ክዘዋወር ከምዝተራእየ ዝተሓበሮ ኢያን ፎርድ፡ ኣብ ጃልባ ተንበርኪኹ፡ እቲ ጀጓር ርእሲ ግዳዩ ጨፍሊቑ ክነክስ እንከሎ ስኢልዎ።
ሃድን ብብርሃን ወርሒ

ምንጪ ስእሊ, Xingchao Zhu
ሰኣሊ፡ ዚንግቻኦ ዙ
ቦታ፡ ሁሉን ቡየር፡ ውሽጣዊ ሞንጎልያ፡ ቻይና
ኣብ እዋን ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን፡ ዚንግቻኦ ኣብቲ በረድ ዝበዝሖ ምድረበዳ ውሽጣዊ ሞንጎልያ ንጉጅለ ደማሙ ይከታተል ነይሩ።
ቅድሚ ወጋሕታ ድማ፡ እዛ ድሙ ሓንቲ ዑፍ ሒዛ ዓይኒ ንዓይኒ ተረኣእዮም።
ዚጊ ስፓይደር

ምንጪ ስእሊ, Lam Soon Tak
ሰኣሊ፡ ላም ሱን ታክ
ቦታ፡ ካሜሮን ሃይላንድስ፡ ፓሃንግ፡ ማሌዥያ
ላም ሱን ታክ ኣብ ከበሳታት ማሌዥያ ክድህስስ ከሎ እዩ ነዛ ሕብሪ ኣራንሺ ዘለዋ ሳሬት ረኺብዋ።
ሰላማዊ ድቃስ

ምንጪ ስእሊ, Tamara Stubbs
ሰኣሊት፡ ታማራ ስቱብስ
ቦታ፡ ባሕሪ ዌደል፡ ኣንታርክቲካ
ታማራ ኣብ ባሕሪ ዌደል ኣንታርክቲካ ኣብ ዝገበረቶ ናይ ትሽዓተ ሰሙን ወፍሪ ዘጋጠማ ፍሉይ ህሞት እዩ።
እዞም ‘ሲል’ ዝበሃሉ እንስሳ ባሕሪ ኣብ ጎኒ እታ ዝተሳፈረትላ መርከብ ደቂሶም እንከለዉ ኣየር ክረኽቡ ንላዕሊ ወጺኦም ርእያቶም።
ጥንካረ ኣብ ብዝሒ

ምንጪ ስእሊ, Theo Bosboom
ሰኣሊ፡ ቲዮ ቦስቡም
ቦታ፡ ፕራያ ዳ ኡርሳ፡ ሲንትራ፡ ፖርቱጋል
ቲዮ፡ መልክዐኛ ወይ ኣገደስቲ ተባሂሎም ዘይሕሰቡ ዓይነታት ፍጥረታት ብምስኣል፡ ነቲ ምስጋና ዘይረኸቡሉ ህይወቶም ከጉልሕ ደስ ይብሎ።
ዋሕዚ ማይ

ምንጪ ስእሊ, Thomas Vijayan
ሰኣሊ፡ ቶማስ ቪጃያን
ቦታ፡ ስቫልባርድ፡ ኖርወይ
ቶማስ ቪጃያን ነዛ ስእሊ ሰብ ኣልቦ ነፋሪቱ ተጠቒሙ እዩ ስኢልዋ። እዚ ኣብ ብራስቨልብሪን ናብ ዝርከብ በረድ ዝውሕዝ ማይ ዘርእይ ዘደንቕ ምስሊ ብ26 ፍሬማት ዝተሰነየ ፓኖራማ እዩ።
ተቓውሞ ግፋ ዓሳ

ምንጪ ስእሊ, Tommy Trenchard
ሰኣሊ፡ ቶሚ ትሬንቻርድ
ቦታ፡ ዓለምለኻዊ ማያት፡ ደቡባዊ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ
ቶሚ ትሬንቻርድ፡ ብገፈፍቲ ዓሳ ቱናን ካልኦት ዓይነታት ዓሳን ዒላማ ከይኰኑ ወይ ብኣጋጣሚ ዝግፈፉ ሻርክታት ምሓዝ ክስንድ ወፍሪ መጽናዕቲ እናካየደ እንከሎ ነዚ ሻርክ ርእይዎ።
እቲ ሻርክ ኣካላቱ እናጠዋወየ ተቓውሞ ኣብ ዝገልጸሉ እዋን ድማ ስኢልዎ።
ኣብ ንጽረት

ምንጪ ስእሊ, Shreyovi Mehta
ሰኣሊት፡ ሽረዮቪ ሜህታ
ቦታ፡ ሃገራዊ ፓርክ ኬኦላዲዮ፡ ራጃስታን፡ ህንዲ
ሽረዮቪ ምስ ወለዳ እንተጓዓዘት እንከላ ነተን ፒፎውል (ኣንስተይቲ ጣዎስ) ዝተበሃላ ክልተ ኣዕዋፍ -ህንዲ ኣብ ትሕቲ ጫካ ስኢላተን።
ኣብ ምድብ 10 ዓመትን ትሕቲኡን ካብ ዝቐረቡ ብሉጻት ኣሳእል ድማ ሓንቲ ክትከውን ክኢላ።
* መሰል ቅዳሕ ኵሎም ኣሳእል ዝተሓለወ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







