‘ሰማይ ሰማይሲ ይትረፍክን. . .’

ነዚ ሰሙን ዝመረጽናልኩም 10 ኣሳእል እንስሳታት ዘገዳም እዘን ዝስዕባ’የን። ተዓደሙታ. . .

‘ንዝጸገበ ብላዕ ኣይትበሎ፡ ንዝፈርሐ ትባዕ ኣይትበሎ’ - ኣብ ሄርትፎርድሻየር፡ እንግሊዝ ብጆን ካምበር ዝተሰኣለት።

ምንጪ ስእሊ, John Cumber

መግለጺ ስእሊ, ‘ፀጊበ ንዝበለ ብላዕ ኣይትበሎ፡ ፈርሐ ንዝበለ ትባዕ ኣይትበሎ’ - ኣብ ሄርትፎርድሻየር፡ እንግሊዝ ብጆን ካምበር ዝተሰኣለት።
‘ዓሳ ንዓሳ ይበልዖ፡ ሓው ንሓው ይጸልኦ’

ምንጪ ስእሊ, Javier Murcia/UPY 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ዓሳ ንዓሳ ይበልዖ፡ ሓው ንሓው ይጸልኦ’ - ኣብ ምድብ ባህሪ እንስሳታት ካብ ዝተሓረያ ኣሳእል ሓንቲ’ያ፡ ኣብ ምድብ ደቂ ሰብ’ውን ምተዓወተት።
‘ሰማይ ሰማይሲ ይትረፍክን፡ ምድሪ ምድሩ ይባርኸልክን’ - ብኤንሪኮ ሶሞጂ ተሳኢላ ኣብ ውድድር ኣሳእል ትሕቲ ማይ ዝቐረበት እያ።

ምንጪ ስእሊ, Enrico Somogyi/UPY 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ሰማይ ሰማይሲ ይትረፍክን፡ ምድሪ ምድሩ ይቕናዕኽን’ - ብኤንሪኮ ሶሞጂ ተሳኢላ ኣብ ውድድር ኣሳእል ትሕቲ ማይ ዝቐረበት እያ።
‘ዕርገት’ - ኣብ ውድድር ኣሳእል ትሕቲ ማይ 2019 ቀሪባ፡ ኣብ ምድብ ጸሊምን ጻዕዳን ስእሊ ዝተዓወተት እዛ ስእሊ ብሄንሊ ስፔርስ ተሳኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Henley Spiers/UPY 2019

መግለጺ ስእሊ, ‘ዕርገት’ - ኣብ ውድድር ኣሳእል ትሕቲ ማይ 2019 ቀሪባ፡ ኣብ ምድብ ጸሊምን ጻዕዳን ስእሊ ዝተዓወተት እዛ ስእሊ ብሄንሊ ስፔርስ ተሳኢላ።
‘መልክዐኛ ኣበረኛ. . .’ - እዛ ስእሊ ኣብ ውድድር ብሉጽ ሰኣሊ ኣዕዋፍ 2023 ቀሪባ ኣብ ምድብ ጥበብ ስዕሊ ኣዕዋፍ ድማ ተዓዊታ።

ምንጪ ስእሊ, Nicolas Reusens / Bird Photographer of the Year

መግለጺ ስእሊ, ‘መልክዐኛን ኣበረኛን. . .’ - እዛ ስእሊ ኣብ ውድድር ብሉጽ ሰኣሊ ኣዕዋፍ 2023 ቀሪባ ኣብ ምድብ ጥበብ ስዕሊ ኣዕዋፍ ድማ ተዓዊታ።
‘ዓሳ ኣብ ሩባኡ ይሕረድ፡ ወዲ ጭዋ ባዕሉ ይፍረድ’ – ኣብ ውድድር ብሉጽ ሰኣሊ ኣዕዋፍ 2023፡ መስሓቕ ዑፍ ተባሂላ ዝተዓወተት እያ።

ምንጪ ስእሊ, Antonio Aguti / Bird Photographer of the Year

መግለጺ ስእሊ, ‘ዓሳ ኣብ ሩባኡ ይሕረድ፡ ወዲ ጭዋ ባዕሉ ይፍረድ’ – ኣብ ውድድር ብሉጽ ሰኣሊ ኣዕዋፍ 2023፡ መስሓቕ ዑፍ ተባሂላ ዝተዓወተት እያ።
‘ዝኣረገ ኣንበሳ፡ መጻወቲ ብዕራይ በረኻ’ - ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝርከብ ደልታ ኦካቫንጎ ብፒት ኦክስፎርድ ተሳኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Pete Oxford

መግለጺ ስእሊ, ‘ዝኣረገ ኣንበሳ፡ መጻወቲ ብዕራይ በረኻ’ - ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝርከብ ደልታ ኦካቫንጎ ብፒት ኦክስፎርድ ተሳኢላ።
‘ይመጽእ ኣሎ፡ እወ’ዶ?!’ - ኣብ ከባቢ ሓውሲ-ደሴት ኮርያ፡ ቻይና፡ ጃፓንን ዝርከብ እዚ ዓሳ፡ እናኣረገ ምስ ዝኸይድ ጾታኡ ካብ ኣንስተይቲ ናብ ተባዕታይ ይቕይር፡ ኣብ ርእሱ ድማ ዓቢ ሕበት የማዕብል።

ምንጪ ስእሊ, Ryohei Ito/Underwater Photographer of the Year 2021

መግለጺ ስእሊ, ‘ይመጽእ ኣሎ፡ እወ’ዶ?!’ - ኣብ ከባቢ ሓውሲ-ደሴት ኮርያ፡ ቻይና፡ ጃፓንን ዝርከብ እዚ ዓሳ፡ እናኣረገ ምስ ዝኸይድ ጾታኡ ካብ ኣንስተይቲ ናብ ተባዕታይ ይቕይር፡ ኣብ ርእሱ ድማ ዓቢ ሕበት የማዕብል።
‘ፍሽኽ በሊ. . .’ - ብኢሳያስ ክሩዝ ኣብ ስፓኛ ዝተሰኣለት’ያ።

ምንጪ ስእሊ, Isaías Cruz (Spain)/Underwater Photographer of the Year 2021

መግለጺ ስእሊ, ‘ፍሽኽ በሊ. . .’ - ብኢሳያስ ክሩዝ ኣብ ስፓኛ ዝተሰኣለት’ያ።
‘ኣቦ ዝሓዞ፡ ውላድ ይወርሶ፡ ኣደ ዝሓዘቶ ኣፍ ይቅምሶ’ - ሮቢን ቀይሕን ቡናውን ዝሕብራ ንእሽቶ ዑፍ እያ። ሓዳስ ዝነቑሐ ሮቢን፡ ክንዲ ኣዲኣ ንኽትኣክል ክልተ ሰሙን ጥራይ ይኣኽላ።

ምንጪ ስእሊ, Andrew Fusek Peters

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣቦ ዝሓዞ፡ ውላድ ይወርሶ፡ ኣደ ዝሓዘቶ ኣፍ ይቅምሶ’ - ሮቢን ቀይሕን ቡናውን ዝሕብራ ንእሽቶ ዑፍ እያ። ሓዳስ ዝነቑሐ ሮቢን፡ ክንዲ ኣዲኣ ንኽትኣክል ክልተ ሰሙን ጥራይ ይኣኽላ።