‘ሕማቕ ምስ ዝጸልእ. . .’ - ኣዛነይቲ ኣሳእል እንስሳታት ዘገዳም

ነዚ ሰሙን ብዝመረጽናልኩም ዓሰርተ ኣሳእል እንስሳታት ዘገዳም ተዛነዩታ. . .

‘ዘቤታዊ ዓመጽ’

ምንጪ ስእሊ, JingGong Zhang/Underwater Photographer of the Year 2021

መግለጺ ስእሊ, ‘ዘቤታዊ ዓመጽ’ - ኣብ ብሉጽ ሰኣላይ ውሽጢ ማይ 2021 ኣብ ምድብ ባህሪ እንስሳ ዘርእዩ ኣሳእል ሓንቲ ካብቶም ብሉጻት ዝዀነት እዛ ስእሊ ብጂንግጎንግ ዣንግ ኣብ ጃፓን ተሳኢላ።
‘ውዲት ኣለምቲ’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ‘ውዲት ኣለምቲ’ - ሰማያዊ ሓደ ካብቶም ብርቂ ሕብርታት እንስሳ’ዩ። እዞም ሰማያዊ እንቁርዖባት ኣብ ሱሪናም ላቲን ኣመሪካ ይርከቡ።
‘ቆይቊ ሓዳር’

ምንጪ ስእሊ, Gary Carter/Getty

መግለጺ ስእሊ, ‘ቆይቊ ሓዳር’ - እዘን ተኽልን ስጋን ዝምገባ ብሉ ጄይ ዝተበሃሉ ኣዕዋፍ ብማእከላይ ገምጋም ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ ዓመት ይነብሩ፤ እንተዀነ ሓደ ብሉ ጄይ እንተወሓደ ን26 ዓመትን 11 ኣዋርሕን ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
‘በይኑ እንተበሊዕዎ በይኑ ክመውት’ዶ ይዀን?’

ምንጪ ስእሊ, Celia Kujala/GDT 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘በይኑ እንተበሊዕዎ በይኑ ክመውት’ዶ ይዀን?’ - ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ማሕበር ስእሊ ተፈጥሮ ጀርመን ኣብ ዘካይዶ ዓመታዊ ውድድር፡ ኣብ 2022 ካብ ዝቐረቡ ኣሳእል ሓንቲ’ያ።
‘ሕማቕ ምስ ዝጸልእ፡ ከመዓልካ ይኸልእ’

ምንጪ ስእሊ, Silke Hüttche/GDT 2023

መግለጺ ስእሊ, ‘ሕማቕ ምስ ዝጸልእ፡ ከመዓልካ ይኸልእ’ - እዛ ስእሊ ሓፈሻዊ ተዓዋቲት ውድድር ስእሊ ተፈጥሮ ጀርመን 2023 እያ። ዝኾረዩ ሰብኣይን ሰበይትን’ዶ ኣይመስሉን?
'ክልተ ጎራሓት ሃደንቲ’ሲ፡ ማይ ዝስትያ የምስላ’

ምንጪ ስእሊ, Chad Cocking

መግለጺ ስእሊ, 'ክልተ ጎራሓት ሃደንቲ’ሲ፡ ማይ ዝሰትያ ይመስላ’ - ቻድ ኮኪንግ ንዘን ክልተ ኣፍሪቃውያን ኣናብስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ’ዩ ስኢልወን።
‘ጎብየ ክንዲ ብዕራይ ክትከውን ፈተነት፡ ተፈንጂራ ሞተት’

ምንጪ ስእሊ, Daniele Comin/UPY 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ጎብየ ክንዲ ዓሳ-ነባሪ ክትከውን ፈተነት፡ ተፈንጂራ ሞተት’ - ብዳኒኤል ካሚን ዝተሰኣለት እያ።
‘ዑፍ’ኳ ብዓቕማ. . . ተስተንትን’

ምንጪ ስእሊ, Arto Leppänen/ Bird Photographer of the Year 2023

መግለጺ ስእሊ, ‘ዑፍ’ኳ ብዓቕማ. . . ተስተንትን’ - እዚ ዓቢ ግራጭ ጉንጉን ኣብ ሄልሲንኪ፡ ፊንላንድ ዝተሰኣለ እዩ - ብኣርቶ ልፐነን።
‘ሓሜታ ዛግራ’

ምንጪ ስእሊ, Richard Flack (South Africa)/Wildlife Photographer of the Year

መግለጺ ስእሊ, ‘ሓሜታ ዛግራ’ - ገለ ንምእማኑ ዘጸግም ወግዒ ዝሓዛ ዝመስላ እዘን ዛግራታት ኣብ ሃገራዊ ፓረክ ክሩገር ደቡብ ኣፍሪቃ እየን ተሳኢለን።
‘ጸጉርና ከይንስራሕ ቲክቶክ ስራሕ ኣፍቲሑና’

ምንጪ ስእሊ, José Juan Hernández Martinez

መግለጺ ስእሊ, ‘ጸጉርና ከይንስራሕ ቲክቶክ ስራሕ ኣፍቲሑና’ - ሆዜ ህዋን ሄርናንደዝ ማርቲነዝ ኣብ ካናሪ ኣይላንድ ዝሰኣላ’ያ።