እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኪም ንፑቲን፡ 'ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ሃጸይነት ብሓባር ንጽናዕ'
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮንግ ኡን፡ ብድርዕቲ ወተሃደራዊት ባቡር ተጓዒዙ ሩስያ ድሕሪ ምእታዉ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ሎሚ ረቡዕ፡ ብኣካል ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ይንገር ኣሎ።
እቲ መራሒ ምስ ፑቲን ቅድሚ ምርኻቡ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰሜን ኮርያ ምስ ሩስያ ዘለዋ ክልተኣዊ ርክብ “ቅድሚት ዝስራዕ ቀዳምነታ እዩ" ክብል ምግላጹ ተለቪዥን ሩስያ ኣቃሊሓ።
ንሱ፡ "ንዝምድና ሰሜን ኮርያን ሩስያን ቀዳምነት ሂብና ካብ ሕጂ ንደሓር፡ ኣብ ቅድሚት እንሰርዖ ናይ ወጻኢ ፖሊሲና እዩ፡” ኢሉ።
ኣብቲ ልዑል ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ስሒቡ ዘሎ ሎሚ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ ኣብ ዝርከብ ቮስቶክኒ ኮስሞድሮም ኣብ ዝጀመረ ርክቦም፡ ፑቲን “ክቡር ኣቦ መንበር፡ በቲ ዝተሰማማዕናዮ መሰረት፡ ኣብዚ ግዜ ኣብዚ ቦታ ክርእየካን ክቕበለካን ምኽኣለይ ኣዝየ ሕጉስ’የ፡” ብምባል እንቋዕ ደሓን መጻእካ ኢልዎ።
እቶም መራሕቲ፡ ንመወዳእታ ግዜ ብኣካል ዝተራኸቡሉ፡ ኣብ 2019 ኣብታ ንሸነኽ ደቡብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ቭላዲቮስቶክ እዩ።
ኪም ብወገኑ፡ "ነቲ ኣብ ሩስያ እንገብሮ ዑደት ከምዚ ዓይነት ኣቓልቦ ምሃብካ ኣዝየ እየ ዘመስግን፡” ብምባል፡ "ኣብቲ ኣንጻር ሃጸይነት እነካይዶ ቃልሲ፡ ብሓባር ከም እንጸንዕ ርግጸኛ እየ" ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ክልቲኦም መራሕቲ ዘካየድዎ ቀጥታዊ ርክብ፡ ኪም ንፑቲን፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ከምዝድግፍ ክነግሮ ተሰሚዑ።
ንሱ ኣብ ዘረባኡ፡ "ሩስያ፡ ልኡላውነታን ጸጥታን ኣንጻር ገበትቲ ሓይልታት ንምክልኻል፡ ቅዱስ ቃልሲ እያ ተካይድ ዘላ፡” ኢልዎ።
"ሰሜን ኮርያ ንዅሉ ውሳነታት ፑቲን ትድግፍ" ክብል እውን ወሲኹ ገሊጹ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ መደበር ጠፈር ሩስያ ከምዝበጽሑን፡ ፑቲን ንኪም ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ መሳለጥያታት ሓደ-ብሓደ ከርእዮን ክገልጸሉን ተራእዩ።
ሩስያ፡ ኣብ ፈተነ ሳተላይታት ዘይተዓወተት ሰሜን ኮርያ፡ ሳተላይት ንምህናጽ ክትሕግዛ ድያ ንዝብል ሕቶ፡ ፑቲን፡ "እዚ ስለዝዀነ ኢና’ኮ ናብ ቮስቶክኒ ኮስሞድሮም መጺእና ዘለና" ክብል ምላሽ ሂቡ።
ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ዓመት ክልተ ፍሹል ፈተነታት ምውጫፍ ሳተላይት ምክያዳ ይፍለጥ።
እታ ሃገር ኣብዚ ዓመት ክልተ ግዜ ዘካየደቶ ፈተነታት ሳተላይት ስለያ ናብ ጠፈር ንምእታው ፍሽለት’ኳ እንተጋጠማ፡ መደብ ሳተላይታ ንምምዕባል ኣበርቲዓ ክትሰርሕ እያ ጸኒሓ።
ኣብ ግንቦት ዝተገብረ ፈላሚ ፈተነ፡ እታ ሳተላይት ድሕሪ ምብጋሳ ነዊሕ ከይጸንሐት ናብ ባሕሪ ክትወድቕ ተራእያ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ካልኣይ ፈተነ ኸኣ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ በረራኣ ፈሺላ።
በዚ ኸኣ፡ ሰሜን ኮርያ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ፈተነ ሳተላይት ከተካይድ ውጥን ዘለዋ ኰይኑ፡ ብሓፈሻ ንመደባታ ካብ ሩስያ ሓገዝ ትደሊ።
ሩስያ ከም ኣምሳያ፡ ናይዚ ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኲናት፡ ካብ ሰሜን ኮርያ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ትደሊ።
ኣብ ስምምዕ ኣጽዋር ክትዛተዩ ዲኹም ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ፑቲን፡ “ኵሎም ጉዳያት" ኣብ መኣዲ ዘተ ኣለዉ ክብል እዩ መሊሱ።
ሩስያ ኣብዚ እዋን ብመሰረቱ ብዝሒ ተተኮስቲ የድልያ ከምዘሎ ተንተንቲን ይገልጹ።
ነዚ እትምልስ ድማ ሰሜን ኮርያ ምዃና ይግመት።
እታ ሃገር ንሩስያ፡ ጥያይት፡ መዳፍዓት፡ ሚሳይላትን ከይተረፈ ክትህባ ምዃና ተመራማሪ ሰሜን ኮርያ ፕሮፌሰር ኪም ዶንግ-ዩፕ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እታ ሃገር ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ከበድቲ ኣጽዋራትን ሮኬታትን ከምዘለዋ ግምታት ይሕብሩ።
ሰሜን ኮርያ ድሕሪ’ቲ ኣብ 1953 ዘብቅዐ ኲናት ኮርያ ዝዀነ ኲናት ኣካይዳ ስለዘይትፈልጥ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዕቑር ኣጽዋራት ከምዘለዋ ዘጠራጥር ኣይኰነን ብምባል ብዙሓት ይኣምኑ።
ፕሮፌሰር ኪም፡ ነዞም ናይ ቀደም ኣጽዋር ንሩስያ ምሃብ ንዓቕሚ ምክልኻል ሰሜን ኮርያ ብዝዀነ መገዲ ከምዘይጸልዎ ይገልጽ፤ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ሰልፊ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ዘመናዊ ኣጽዋር ዓጢቝ እዩ ተራእዩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣጽዋር ኮርያ፡ ብዓቢኡ ኣብ ስርዓታት ኣጽዋር ሶቭየት ዝተመርኮሰ ስለዝዀነ፡ እዚ ድማ ኣጽዋር ሰሜን ኮርያ፡ ብዓቢኡ ምስ መሳርያታት ሩስያ ዝሰማማዕ ይገብሮ።
እዚ ሎሚ ዝጀመረ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታትን ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ዘሳተፈ ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ክካየድ ዝኽእል ዓይነት ዝርርብ ዘርኢ ምዃኑ ይግለጽ።
ፑቲን ካብ ሞስኮ ርሑቕ ተጓዒዙ፡ ንሚኒስተር ምክልኻል ሰርጌይ ሾይጉን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌይ ላቭሮቭን ክሕዝ እንከሎ፤ ኪም ብወገኑ፡ ብኣዛዚ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ዳይረክተር ክፍሊ ኢንዱስትሪ ኣጽዋር ሰሜን ኮርያ ከምኡ’ውን፣ እታ ካልኣይቲ ወሳኒት ሰብ ኣብታ ሃገር ዝዀነት ሓፍቱን ካልኦትን ተሰንዩ እዩ ዑደት ዘካይድ ዘሎ።
ቅድሚ ሕጂ ብማዕከናት ዜና ሩስያ ዝተሳእሉ ስእልታት ከምዘመልክትዎ፡ ሓያል ምዃና ዝንገረላ ሓፍቲ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮ ዮንግ፡ ሓዋ ምስ ፑቲን ኣብ ዝገበሮ ቀዳማይ ርክብ እውን ኣሰንያቶ ነይራ።
ንሳ ኣብዚ ዓመት፡ ኣንጻር ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን በቲ ኣብ ከባቢ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘካይዳኦ ወተሃደራዊ ልምምድን ኣመልኪታ ተረርቲ መጠንቀቕታታት ብምግላጽ ኣርእስታት ዜና ኰይና ጸኒሓ እያ።