ጓል ሙጋበ ኣብ ዱባይን ካልእን 25 ገዛውቲ ከምዘለዋ ተፈሊጡ

ጓል ፕረዝደንት ዚምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋቤ፡ ዱባይ ኣብ እትርከቦም ዝተፈላለዩ ቦታታት 25 መንበሪ ገዛውቲ ከም ትውንን፡ ቢቢሲ ዝተዓዘቦ ክስታት ፍትሕ ኣመልኪቱ።

ጠቕላላ ዋጋ እዞም 25 መንበሪ ኣባይቲ 80 ሚልየን ዳላር ከም ዝግመት እቲ ሰነድ ክሲ ይሕብር።

ቦና ሙጋቤ፡ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ምስ በዓል እንድኣ ኣብራሪ-ነፋሪት ነበር ሲምባ ሙትሳሁኒ ቺኮሬ ክትፋታሕ ክሲ ከም ዝመስረተት ይፍለጥ።

ቺኮሬ፡ ኩሉ ንብረቶም ክካፈልዎ ዝደልይ እንትኾን፡ እዚ ድማ ን 21 ሕርሻታት ዘጠቓልል እዩ።

ምስ ሙጋቤ ቅርበት ዘለዎ ምንጪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋቤ፡ ዋላ’ኳ ከም ኣካል ጡረትኡ (pension) ካብ መንግስቲ 10 ሚልየን ፓውንድ እንተተቐበለ፡ ክመውት እንከሎ ግና ብስሙ ዝኾነ ንብረት ኣይነበሮን።

እቲ ምንጪ ቢቢሲ፡ ቦና ሙጋቤ እቲ ብሰብኣያ ነበር ቺኮሬ ዝተገለፀ ብሚልየናት ዝግመት ሃፍቲ ትውንን ዶ? ኣብ ዝብል ጥርጣረ ኣለዎ።

ይኹን’ምበር፡ ዜምባብዌያውያን፡ ካብ ኩሎም ደቂ ሙጋቤ ብዝተፈለየ 'እዚ ኩሉ ሃብቲ ብሓንቲ ጓሉ ተዋህሊሉ' ንዝብል ክሲ ብስምባደን ሕርቃንን ምላሽ ሂቦምሉ።

ምቹዋት መኻይን፣ ናውቲ ሕርሻን ኣማኢት ኣሽሓት ዳላራትን ኣብቲ ፍትሕ ወረቐት ብቦና ይውነኑ ተባሂሎም ካብ መንጐ ዝተፀርሑ ሃብቲ እዮም።

ካብቶም ብስድራ ሙጋቤ ይውነኑ ዝተብሃሉ 21 መሬት ሕርሻ ገሊኦም፡ ኣብ ፈለማ 2000 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብፀዓዱ ዝውነን ናይ ሕርሻ መሬት ኣብ ዝውሰደሉን፡ “ሓደ ሰብ፡ ሓደ ናይ ሕርሻ መሬት” ዝብል ፖሊሲ መንግስቲ ኣብ ዝነበረሉን እዋን ከም ዝተወሰዱ ይግለፅ።

ንሰለስቲኦም ደቆም ብሓደ ከዕብዩ ዝጠልብ ሲምባ ሙትሳሁኒ ቺኮሬ፡ እቲ ሃብቲ ኣብ እዋን ሓዳሮም ብብሕትን ብሓባርን፡ ኣብ ክንዲ እቲ ፕረዝደንት ነበር ንዝሰርሕዎ ስራሕ ብውርሻን ብውህብቶን ዝተጠረየ ምዃኑ እዩ ዝገልፅ።

ቺኮሬ፡ ንሱ ዝዘርዘሮም መጠን ሃብቲ፡ ቦና ሙጋቤ ምስ ትውንኖ ክነፃፀር እንከሎ፡ ክንዲ ንጣብ ውቅያኖስ ምዃኑ እዩ ዝሙግት።

ወሃቢቃል ሙጋቤ ዝነበረን ኣብዚ እዋን ኣብ ቢሮ ኤመርሰን ምናንጋግዋ ዘገልግል ዘሎ ጆርጅ ቻራምባ፡ እቶም መፃምድቲ፡ 21 ናይ ሕርሻ መሬት ከም ዘይውንኑ ገሊፁ።

ንሱ ነቲ ብበዓልቤት ቦና ሙጋቤ ነበር ዝተፀርሐ መጠን ሃብቲ ኣመልኪቱ ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረ-መልሲ፡ “ኩሉ መሬት ሕርሻ ናይ መንግስቲ እዩ፤ ሓረስቶት ድማ ብሊዝ እዮም ዝጥቀምሉ ዘለዉ” ኢሉ።

እዚ ኣብ ርእሰከተማ ሃራሬ ኣብ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ዝረኣይ ዘሎ ጉዳይ ፍትሕ መዓዝ መዓልቦ ከም ዝረክብ ኣይተፈለጠን።

ቦና ሙጋቤን ሲምባ ሙትሳሁኒ ቺኮሬን፡ ኣብ 2014 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተመርዐዉ ኮይኖም፡ ፅንብል መርዕኦም ድማ ብሃገራዊ ተለቬዥን ብቀጥታዊ ፈነወ ተመሓላሊፉ እዩ።

ኣብ መበል 95 ዓመቱ ብ 2019 ዝሞተ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋቤ፡ ኑዛዘ ከይገደፈ ከም ዝሞተ እዩ ዝግለፅ።

ዚምባብዌ ኣብ 1980 ነፃነታ ካብ ትጐናፀፍ ጀሚሩ፡ ክሳብ ኣብ 2017 ብመነሓንሕቱ ኤመርሰን ምናንጋግዋ ዝዕሎ ኣብ ስልጣን ከም ዝፀንሐ ይፍለጥ።