እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሪሺ ሱናክ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ንምዃን ቅድሚት ኣሎ
ሊዝ ትረስ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርነት ብሪጣንያ ምስተረከበት፡ ኣብ 45 መዓልታት ‘ይኣኽለኒ’ዩ’ ኢላ ስልጣና ድሕሪ ምግዳፋ ንዕኣ ተኪኡ ነታ ሃገር 'መን ከመርሕ?' ዝካየድ ዘሎ ውድድር መዓልትታት ተሪፉዎ'ሎ።
ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ሪሺ ሱናክ ጽቡቕ ድጋፍ ድምጺ ረኺቡ ይመርሕ'ኳ እንተሎ ደገፍቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቦሪስ ጆንሰን’ውን ተስፋ ኣሎዎም።
መዓልቲ ውድድር ከብቅዕ ቅሩብ ግዜ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን፡ ልዑል ግምት ዝተዋህቦም ክልቲኦም ተወዳደርቲ ቦሪስ ጆንሰንን ሪሺ ሱናክን ከም ዝተዛተዩ ተነጊሩ።
እቶም ክልተ ተነሓናሕቲ ፖለቲከኛታት ምዝታዮም ክልተ ምንጭታት ንቢቢሲ ከረጋግጹ እንከለዉ፡ ኣብ ምንታይ ርእሰ ጉዳይ ከምዝዘተዩ ግን ካብ ምዝራብ ተቘጢቦም።
ሪሺ ሱናክ፡ ንደገፍቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቦሪስ ጆንሰን ሓዊስካ ካብ ውድቡ ናይ 128 ኣባላት ፓርላማ ድጋፍ ኣኪቡ ነቲ ውድድር ይመርሕ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቦሪስ ጆንሰን ድማ ብ53 ድምጺ ካልኣይ ኰይኑ ይወዳደሮ ከምዘሎ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ይዅን እምበር ደገፍቱ፡ ቦሪስ ናብቲ ውድድር ንምእታው ዘኽእሎ ድምጺ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ናይ 100 ኣባላት ፓርላማ ድጋፍ ከምዘለዎ’ዮም ዝካትዑ።
ደገፍቲ ሪሺ ሱናክ ኣብዚ መረዳእታ ጥርጣረ ክሓድሮም እንከሎ ቦሪስ ጆንሰን መርትዖ ከቕርብ ሓቲቶም ኣለው።
ፔኒ ሞርዳዉንት ናብቲ ውድድር ከምዝተጸንበረት ብወግዒ ዘፍለጠት እንኮ ተወዳዳሪት ክትከውን እንከላ፡ ናይ 23 ኣባላት ፓርላማ ድጋፍ ብምርካብ ኣብ ድሕሪት ኣላ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ላውራ ኩንስስበርግ፡ ቦሪስ ጆንሰንን ሪሺ ሱናክን ትማሊ ቀዳም ምሸት ተራኺቦም ምንባሮም ብምግላጽ ድሕሪ ዘተኦም መግለጺ ከውጽኡ ድዮም ኣይከውጽኡን ርግጸኛ ኣይነበረትን።
ቢቢሲ መረዳእታ ናይቶም ድጋፍ ዝሃቡ ኣባላት ፓርላማ ከተኣኻኽብ ቀንዩ’ዩ።
ካብቶም 357 ዓቃባውያን ኣባላት ፓርላማ፡ ናይቶም 204 ኣባላት ድልየቶም እንታይ ከምዝዀነ ዝፍለጥን ብቢቢሲ ዝተረጋገጸን ኰይኑ ካልኦት ብዙሓት ግን ድልየቶም እንታይ ምዃኑ ኣይተፈለጠን ዘሎ።
ኣብቲ ውድድር እኹል ድጋፍ ንምርካብ ክሳብ ጽባሕ ሰኑይ ሰዓት 8 ግዜ ኣሎዎም።
ኣባላት ፓርላማ እቲ ውድብ ንሓደ ሕጹይ ጥራይ ዝድግፉ እንተዀይኖም ግን ብሪጣንያ ጽባሕ ሰኑይ ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝመርሓ ቀዳማይ ሚኒስተር ክህልዋ’ዩ።
እንተዘይኰይኑ ግን፡ ኣባላት ዓቃባዊ ሰልፊ ብኦንላይን መረጻ ከካይዱ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ ውጽኢት እቲ መረጻ ከኣ ዝመጽእ ዓርቢ ዕላዊ ክኸውን’ዩ።
ርእይቶታት መረጻ ከምዘመልክትዎ በቲ ብኦንላይን ዝካየድ መረጻ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቦሪስ ጆንሰን ክዕወትን ዳግማይ ናብ ስልጣን ከምጽእን ተኽእሎታት ኣሎ።