ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሊዝ ትራስ ካብ ስልጣና ከምትወርድ ኣፍሊጣ

ቀዳማይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሊዝ ትራስ መዝነታ ከተረክብ ምዃና ብወግዒ ኣፍሊጣ።

እታ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ስልጣን ዝደየበት ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወሰደቶም ቁጠባዊ ውሳነታት ፋይናንሳዊን ፖለቲካውን ቅልውላዋት ድሕሪ ምስዓቡ'ያ ካብ መዝነታ ክትወርድ ተገዲዳ ዘላ።

ዋላ'ኳ እቲ ዝወሰደቶ ውሳነታት ድሒራ ክትስሕቦ እንተ ተገደደት፡ ኣብቲ ንሳ ትመርሖ ሰልፊ ዓቃባውያን ምምቕቓል ኣስዒቡ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቶም ተቓውሞታት ዘስዓቡ፡ ንሃብታማት ግብሪ ምጉዳል ዝርከብዎም ፖሊሲታት ዘፋለጠ ላዕለዋይ ሚኒስተር ፋይናንስ (ቻንስለር) ክዋሲ ክዋርተንግ ካብ መዝነቱ ብምውራድ ብጀረሚ ሃንት ተኪኣቶ ጸኒሓ'ያ።

እንተኸነ ግን፡ ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ዘጋጠማ ምብሕጓግ ደገፍ፡ ድሕሪ 45 መዓልታት ካብ ስልጣና ክትወርድ ቀሲቡዋ ኣሎ።

ዓቃባውያን ኣባላት ፓርላማ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንዓኣ ብምትካእ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክመርጹ ትጽቢት ይግበር።

ሊዝ ትራስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቦሪስ ጆንሰን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምውራዱ'ያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ብኣባላት እቲ ሰልፊ ተመሪጻ።

ሎሚ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈታ (10 ዳውኒን ስትሪት) ኣብ ዝሃበቶ ሓጺር መግለጺ ዝተዋህባ ሓላፍነት ብግቡእ ክትፍጸም ብዘይምኽኣላ መዝነታ ከተረክብ ከምዝወሰነት ብወግዒ ኣፍሊጣ።

"ብዓቃባዊ ሰልፊ ዝተመረጽኩሉ ሓላፍነት ክፍጽም ከምዘይክእል ተገንዚበ ኣለኹ" ክትብል ገሊጻ።

"ካብ መሪሕነት ዓቃባዊ ሰልፊ ከምዝወርድ ንግርማዊ ንጉስ [ቻርለስ ሳልሳይ] ኣፍሊጠዮ ኣለኹ" ዝበለት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ እቲ ሰልፊ ዝትክኣ መራሒ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክመርጽ ምስ ዓቃባውያን መራሕቲ ከምዝተሰማምዐት ጠቒሳ።

ዝትክኣ ክሳብ ዝምረጽ ኣብ ቦታኣ ክትጸንሕ ምዃና'ውን ሊዝ ትራስ ኣፍሊጣ'ላ።

ኣብ ታሪክ ዓባይ ብሪጣንያ እታ ንዝሓጸረ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትከውን'ያ።

መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዕዮ ሰር ኪር ስታርመር ሓፈሻዊ ምርጫ ክግበር ጸዊዑ'ሎ።