እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ራሄል ኣስገዶም፡ ባህሊ ንባብ ንምምሕያሽ ኣንቂላ 16 መጽሓፍቲ ቈልዑ ዘሕተመት ኤርትራዊት
ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎ ትሑት ባህሊ ንባብ ካብ ታሕቲ ካብ ሱሩ ንምምሕያሽ፡ ኣብ ቈዑን ህጻናትን ኣድሂብና ክንሰርሕ ኣለና ዝብል እምነት ከም ዘለዋ ትገልጽ ራሄል ኣስገዶም፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ስለስተ ምድብ ዝመቐለተን 16 መጻሕፍቲ ቈልዑ ኣሕቲማ።
ዝሓለፈ መጋቢት 2022 ድማ ኣብ ኣስመራ ኣመሪቓ፡ ኣብዚ እዋን ብውሱን ቁጽሪ ንዕዳጋ ዘርጊሓ’ላ።
ራሄል፡ ጐድኒ ጐድኒ’ቲ ኣካዳምያዊ ንጥፈታታን ካልእ ሞያኣን ኣብ ድርሰት’ውን ዝነጠፈት ኰይና፡ ‘ኣብ ሞያ ድርሰት ኣድማዒ ተራ ክህልወካ እንተዀይኑ፡ ኣንበብቲ ክህልዉ መሰረታዊ እዩ፣ ብዘይ ህልወ ንጡፋት ኣነብበቲ ዝጸሓፍካዮ ዕላማኡ ክወቅዕ ኣይክእልን እዩ፡ ዝብል መርሓ ኣለዋ።
ኣብዚ እዋን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስነጽሑፍ ቈልዑን ህጻናትን ጥራይ ኣድሂባ ትሰርሕ ከም ዘላ እያ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ ትገልጽ።
እዛ ከምዚ ዝበለ ምስ ሕብረተሰብን ዝጸንሐ ባህሉን ዝተኣሳሰር ብዓቢይ ዓሊማ ብዕትበት ትሰርሕ ዘላ ጸሓፊት ግን ብቐዳምነት መን እያ?
ድሕረ-ባይታ
ራሄል ኣስገዶም ዘርአ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዓብያ፣ ኣብኡ ኸኣ ትነብር ኣላ።
መባእታ ትምህርታ ኣብ ካምቦኒ - ላልምባ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምምሃር፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰማእታት ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ዛዚማ።
ብድሕሪኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብቛንቋን ስነጽሑፍን እንግሊዝ ቀዳማይ ዲግሪ ወሲዳ፣ ብዘመዝገበቶ ነጥቢ ድማ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ከም ተሓጋጋዚት መምህር [Graduate Assistant] ኰይና ክትሰርሕ ዕድል ረኺባ።
ቀጺላ ትምህርታ ንምቕጻል ናብ UCLA ኣሜሪካ ብምኻድ፡ ኣብ ስነጽሑፍ ኣፍሪቃ ኣድሂባ ናይ ማስተርስ ትምህርታ ዛዚማ።
ናብ ኤርትራ ተመሊሳ ድማ ኣብ ሞያ ምምህርና ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ኣብ ደረጃታት ፊልም ኤርትራ ንዓመታት ሰሪሓ እያ፤ ጐድኒ ጐድኑ ድማ ኣብ ድርሰት፡ ኣርትዖትን ዝተፈላለየ ስርሓት ትርጕምን ክትነጥፍ ጸኒሓ።
ራሄል ቅድሚ ሕጂ፡ 'Before she breaks my heart' ትብል ሓንቲ ልበወለድ፣ ሓንቲ እኩብ ግጥሚታትን ሓጸርቲ ዛንታታትን ዝሓዘት ‘Some sweetly kept thoughts ትብል’ውን መጽሓፍ፣ ከምኡ’ውን፡ እኵብ ዛንታታት ቈልዑ ዝሓዘት፡ ‘Colorful stories’ እትብል መጽሓፍ ምስ ተመሃሮኣ ብሓባር - ኵለን ብቛንቋ እንግሊዘኛ - ኣሕቲማ እያ።
መጽሓፍቲ ቈልዑ
ራሄል፡ ኣብዚ እዋን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዛንታታ ቈልዑ ኣድሂበ ኣብኡ ጥራይ እየ ዝሰርሕ ዘለኹ እያ ትብል።
ድርኺት’ዚ ዕላማኣ ክትገልጽ እንከላ፡ ‘ኣብ ምጽሓፍ ዓለም ኴንካ ብኣድማዕነት ክትወጽእ፣ ዝጸሓፍካዮ ናብቲ ዝተደልየ ክበጽሕ ኣንባቢ ክርከብ ኣለዎ - ዓይነት ኣንባቢ ድማ ንቑሕ/ንፉዕ ወይ ክሪቲካል ኣንባቢ ክህሉ ኣለዎ ኢላ እያ ትኣምን።
“ኣብዚ ኣብ ዓድና ግን እቲ ባህሊ ንባብ የለን። ስለዚ ንዕኡ መፍትሒ ክኸውን ብምሕሳብ ደቅና ካብ ብንእሽቶኦም ክንኵስኩሶም እሞ ንፉዓት ኣንበብቲ፡ ‘ክሪቲካል ሪደርስ’ ንክዀኑ፡” ካብ ታሕቲ ንምዅስኳስ ምእንቲ ክንክእል ዝብል ሓሳብ እያ ተልዕል።
ስለዚ እቲ ጸገም ካብቶም ቈልዑ ጀሚርካ ክፍታሕ ኣለዎ፣ ብምባል ንታሕቲ ወሪዳ ክትሰርሕ ከም ዝወሰነት ተረድእ።
ብመሰረት ኣገላልጻኣ፡ ልምዲ ንባብ ከሕድሩ ክበሃል እንከሎ፡ ስቕ ኢልካ ተራ ንባብ ዘይኰነስ ብቝዕ ኣናብባ ማለት እዩ። በዚ ኸኣ እቶም ቈልዑ፡ “ብ ወለዲ፡ ብ መምህራኖም ተሓጊዞም፡ ኣብ ንጥፈታት ንባብ ክዋስኡ ይኽእሉ፡” ትብል።
እንተዀነ፡ “ባህሊ ንባብ የለን፡” ዝብል ንባዕሉ ኣከራኻሪ እዩ፣ ኣንበብቲ ብኣንጻሩ ዝንበብ ማተሪያል ዘይምህላው እዩ ከም ምኽንያት ዝቐርብ ንዝብል ሕቶ ቢቢሲ ትምልስ።
ብፍላይ ኣብ ጽሑፋት ቈልዑ መጺእና እንተርኢና ልክዕ እዩ ቈልዑ ኣብ ከባቢኦም፡ ምስ ባህሎምን ከባቢኦምን ብቐጥታ ዝዕዘብዎ ዝሳነ፡ ዝስሕቦም፡ ብቛንቛኦም ዝዳሎ ብቝዕ መጻሕፍቲ ብብዝሕን’ውን ዳርጋ ኣይርከብን እዩ።
ካብዚ ብምንቃል’ውን ነዚ መጽሓፍቲ ከዳሉ እንከለኹ ነዚ ሕጽረት’ዚ ከም መፍትሒ ብምሕሳብ፡ “ንደቅና ነዳልወሎም፡ ንዕኦም ዝመስል፡ ንሳቶም ብቐሊሉ ክርድእዎ ዝኽእሉ እሞ ስምዒት ክፈጥረሎም ዝኽእል ጽሑፋት ከነዳልወሎምን ኣማራጺታት ክንፈጥረሎምን፡” ብምባል ዝተዳለወ እዩ ብምባል ተብርህ።
“እዚ’ውን ሓደ ካብቲ ኣብ መጽሓፍቲ ቈልዑ ከድህብ ዝገበረኒ እዩ፣ ንዕኦም ዝበቅዕ ብቐሊሉ ዝረኽብዎ - ብዋጋኡ’ውን - ዓይነታት ጽሑፋትን መጽሓፍትን ምድላው።”
እተን 16 መጽሓፍቲ
እዘን ተሓቲመን ተዘርጊሐን ዘለዋ 16 መጽሕፍቲ፡ ኣብ ሰለስተ ምድብ ዝተዳለዋ ኰይነን፡ እቲ ቀዳማይ ምድብ ስርሓት ትርጕም እዩ።
“ካብ ካልእ ቋንቋታት ንደቅና ይበቕዑ እዮም ዝበልናዮም፡ ብመልክዕ ትርጕም ዝቐረበ፣ ሌላ ምስቲ ካልእ ሕብረተሰብን ዓለምን ክህልዎም’ውን ስለዘለዎ ብኸምኡ ተሓሲቡ ዝተዳለወ እዩ፡” ብምባል እተን ኣብዚ ምድብ ዝተዳለዋ መጽሓፍቲ ብዝሐን ሰለስተ ምዃኑ ተነጽር።
እቲ ካልኣይ ምድብ፡ “ነንብበሎም” ዝብል ኰይኑ፡ ወለዲ ንደቈም ኮፍ ኢሎም ዘንብቡሎም፡ ዝተፈላለየ ዛንታታት ብስእሊን ብሕብሪን ኣሰኒኻ ዝተዳለወ፣ ሸውዓተ ዝብዝሑ መጽሓፍቲ እዩ።
እቲ ሳልሳይ ምድብ ድማ “ንመሃር” ዝብል ኰይኑ፡ እዚ ኣብ መዋእለ ህጻናት ዘለው ቈልዑ፡ ምስ መማህራኖም ኰይኖም ኣብኡ ዘልዕልዎ ቴማታት ብመልክዕ መጽሓፍ ቀሪብካ ከንብብዎ ዝኽእሉ ኰይኑ ዝተዳለወ፣ ሽዱሽተ መጽሓፍቲ ዝሓቘፈ ምዃኑ ራሄል ትገልጽ እዩ።
ንቘልዑ ዝበቅዕ መጽሓፍቲ ምድላው ቀሊል ኣይኰነን፣ ምስ ኣተሓሳባኦም ደረጃኦም ዝሳነ ምእንቲ ክኸውን ፍሉይ ጻዕሪን መጽናዕትን ዝሓትት ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኰነን።
ራሄል እቲ ኣብ ሞያን ትምህርትን ስነጽሑፍን ዝጸንሓ ውህሉል ተመኵሮ ከም መበገሲ ዝውሰድ ኰይኑ ብግብሪ ንምትርጓሙ ካብ ዘካየደቶ ንጥፈታት ግን ተበርህ።
“ብውሑዱ ኣብ ሃገርና ኣብ መዋእለ ህጻናት ዘልዕልዎ ኣርእስታት ኣሎ፡ ነዕኡ ርእየዮ እየ። ካብኡ ነቒለ እየ ክዳልዎ ክኢለ። ንኣብነት ኵነታት ኣየር፡ ሰላምታ፡ ዜና ኢሎም ዘቕርብዎ’ውን ኣሎ ብዛዕባ መዓልታዊ ንጥፈታት፡ ንዅሉ ብጥንቃቐ ኣጽኒዐዮ እየ፡” ብምባል እዚ መጽሓፍቲ ከም ሓጋዚ ንባባት ኰይኑ ይጠቕሞም ዝብል መረዳእታኣ ተካፍል።
“እቲ ኣብ ምድብ ‘ነንብበሎም’ ዘሎ ጽሑፋት ከኣ ኣብ ደቀይ እየ ፈቲነዮ፣ ኣንቢቦሞ እዮም ዓብዮም ውጽኢቱ ድማ ርእየዮ፣ ጽቡቕ ስለዝዀነ እየ ኸኣ፡ እቲ ዝሰፍሐ ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ክኸውን ኣሕቲመ ክዝርግሖ ወሲነ፡” ትብል።
በዅሪ ወዳ ኤታን ዳዊት ገና ተማሃራይ መባእታ እናሃለወ፡ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ ዝተርጐሞ መጽሓፍ’ውን ኣብቲ ናይ ትርጕም መጽሓፍቲ ቀሪቡ'ሎ።
በዚ መሰረት፡ እቲ ኣብ ደቃ ዝረኣየቶ ፍቱን ውጽኢት ከም ነጸብራቕ ኣድማዕነት እዚ መጻሕፍቲ ምዃኑ’ያ ተረድእ።
ብሓፈሻኡ እዚ መጽሓፍቲ ንምድላው ልዕሊ 10 ዓመታት ጻዕሪ ሓቲቱ እዩ።
“ምስ ደቀይ ብዙሕ ግዜ ኣንቢብናዮ፡ ሓሊፍናዮ፡ ግዜ ዝወሰደ ብዙሕ ምትዕርራይ’ውን ተገይሩሉ እዩ፡” ኸኣ ትብል።
ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ መጽሓፍቲ ሕብራዊ ብምዃኑ ዋጋ ሕትመት’ውን ከቢድ እዩ።
ስለዚ፡ ክብደት’ቲ ስራሕ ቀሊል ዘይምንባሩ ዘይሓብአት ራሄል፡ “ከቢድ እዩ ኢልካ ግን ስቕ ኣይበሃልን፣ ትኽእሎ ምግባር እዩ፣ እቲ ኣብ ደቀይ ዝረኣኽዎ እወታዊ ውጽኢት ኣብ ካልኦት ክርእዮ ኸኣ እብህግ።” ኣብዚ ቀዳማይ መፈተኒ ስራሕ፡ ብውሑድ ቁጽሪ ንውሑዳት ኣንበብቲ ከም ዝበጽሕ እዩ እቲ ዕላማ፡ ካብኡ ድማ እቲ ግብረመልሲ ተራእዩ ከመይ ከም ዝኸውን ይርአ” ኢላ።
ምስኡ ተተሓሒዙ ንዝርጋሐኡ ኣብ ዝምልከት ዛዕባ እንክትገልጽ ራሄል፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣስመራ ኣብ ኣውገት መሸጣ መጽሓፍትን ኣርት ጋለርን ጥራይ ተዘርጊሑ ከም ዘሎ ትዛረብ።
ካብ ወለዲ ተረኺቡ ዘሎ ግብረመልሲ ኣዝዩ ጽቡቕን ኣዝዩ ዘተባብዕን ምዃኑ፣ በቲ ዝወሃባ ዘሎ ግብረመልሲ ድማ ዕግብቲ ምዃና ትገልጽ።
“ጽቡቕ ውጽኢት ረኺብናሉ፡ ምስ ደቅና ከነንብብ ጀሚርና፡ ሓድሽ ተመኵሮ እዩ ንዓና፡ ምስ ደቅና ጽቡቕ ምትእስሳር ፈጢሩልና . . . ዝብል ጽቡቕ ግብረመልሲ ረኺበሉ ኣለኹ፡” ብምባል ግብረመልሲ ኣንባብቲ ወይ ተጠቀምቲ ኣገዳሲ ምዃኑ እምነታ ትገልጽ።
“ከም ዝርድኣኒ ኣብ ምርጋሑ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ድዩ ወይ ዝዀነ ኣካል ሓላፍነት ክወስድ እንተዝኽእል ጽቡቕ ምዀነ፡” ብምባል ከኣ ነቲ ኣብ ምዝርጋሑ ዘሎ ድሩትነት ኣመልኪታ ትዛረብ።
እቲ ዕላማ ገዚፍ እዩ፡ ብመሰረቱ ነቲ ባህሊ ንባብ ንምቕያር፡ ደቅና ኸኣ ኣብ ፈላሚ ደረጃ ትምህርቲ እንከለው ሓጋዚ ጽሑፋት ንባብ ክረኽቡ ምእንቲ እዩ።
ነቲ ተተሊሙ ዘሎ ዕላማ ክሃርም ግን ሓገዝቲ ወይ መሻርኽቲ ኣካላት ከም ዘድልይዋ ኣይሓብአትን።
“እምነተይ፡ ዝዀነ ሰብ በቲ ዝኽእሎ ዓቕሚ ክገብር ኣለዎ እየ ዝብል፣ መደበይ ኣብ ርእሲ’ዚ ሰለስተ ምድባት ክውስኽ እዩ። ብኸምኡ ኸኣ ክቕጽል እዩ ‘ቲ ስራሕ ደው ኣይብል እዩ።”
እዚ መጽሓፍቲ ክሳብ ሕጂ ብውሱን መጠን እዩ ተሓቲሙ ዘሎ፣ “ግን ጐድኒ ጐድኒ ‘ክሕግዝ እየ ወይ ብኸምዚ መገዲ ኣሎ’ ዝብል፡ እንተ ተረኺቡ ብሕጂ ዝርአ እዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ ካልኦት በዚ ጉዳይ ዝግደሱ እንተ ተረኺቦም፡ ኣብ ባህሊ ንባብ መቐይሮ ክትፈጥር፡ እቲ ስራሕን ዕላማን ናይ ሓባር ክኸውን፡ ሓሳብ ዘለዎም እንተ ተረኺቦም ሓቢራ ክትሰርሕ ድልውቲ ምዃና ኸኣ ተረጋግጽ - ራሄል ኣስገዶም።
ራሄል ኣስገዶም ኣብ መወዳእታ፡ “ኵሉ ግዜ ዝላበዋ፡ ንደቅና ነንብበሎም፡ ኣንበብቲ ንግበሮም፣ ምስኣቶም እሂን ምሂን ንበል ፡ ንፍለጦም እየ ዝብል። ንደቅና ብመገዲ መጽሓፍ ክንፈልጦም ከኣ ጥዑም እዩ” ትብል።
ብመሰረት ኣበሃህላኣ፡ ወለዲ ንደቈም ዛንታታት ኣብ ዘንብቡሎም እዋን፡ ዝንባለኦም ክፈልጡ፡ እንታይ ከም ዝሓስቡ፡ ክበጽሕዎ ዝደልዩ ደረጃን ኣተሓሳስባኦምን ክፈልጡ ዝያዳ ምስ ውሉዳቶም ምትእስሳር ክፈጥሩ ዕድል ይረኽቡ።
“ስለዚ ወለዲ፡ እቲ መፍትሕ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። ደቅና እቶም ንደልዮም ዓይነት ሰባት ኰይኖም ክዓብዩልና ንቕድም ንሕና ትራና ክንጻወት ይግባእ፣ እቲ መሰረት ንሃንጸሎም ንሕና ስለዝዀንና ሃየ ነንብበሎም፡ ኢለ እላቦ፡” ትብል።