እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ላዕለዋይ ኣዛዚ ሕዝቦላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቤሩት ተቐቲሉ
እስራኤል ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ቤሩት ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሕዝቦላህ ከምዝተቐተለ ተገሊጹ። እዚ ዓቢ ምዕባለ ድማ ነቲ ኩነታት ከየጋድዶ ተሰጊኡ ኣሎ።
ሕዝቦላህ ሞት ኢብራሂም ዓቂል ዘረጋገጸ፡ እስራኤል ኣብቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ኣካላት ንሱ ከምዝርከቦም ወግዓዊ ድሕሪ ምግባራ'ዩ።
ሰበስልጣን ሊባኖስ ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት እታ ከተማ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 14 ሰባት ከምዝሞቱን ዓሰርተታት ምቑሳሎምን ኣቐዲሞም ገሊጾም ነይሮም።
ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት፡ ማእከላይ ምብራቕ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ዞባ ዝተራእየ ዕንወት ዝያዳ ሕማቕ ክገብሮ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ ኣላ።
ኣብቲ ብእስራኤል ዝተኣልመ ምዃኑ ብሰፊሑ ዝእመነሉ መጥቃዕትታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ክሞቱ እንከለዉ ኣሽሓት ድማ ቆሲሎም።
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ሓይልታት ራድዋን ሕዝቦላህ ላዕለዋይ ኣዛዚ ዝኾነ ዓቂል ምስ ካልኦት ላዕለዎት ኦፕሬተራት ስታፍ ናይቲ ጉጅለን ከምዝተቐተለ ኣረጋጊጹ።
ሃጋሪ፡ “እቶም ላዕለዎት መራሕቲ ሕዝቦላሕ ኣብ ትሕተ-ምድሪ ሓደ መንበሪ ህንጻ ኰይኖም፡ ንሰለማውያን ሰባት ከም መሕብኢ ይጥቀምሎም ነይሮም” ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ወሲኹ፡ እቶም ዝተቐትሉ ውልቀሰባት “ንውጥን መጥቃዕቲ ሕዝቦላህ ይሕንጽጹ’ዮም ነይሮም። እቲ ውጥን ከኣ ኣብ ልዕሊ ዜጋተት እስራኤል መጥቃዕቲ ብምፍጻም ንጹሃት ሲቪላት ንምቕታል ዝተሓሰበ’ዩ” ክብል ኣፍሊጡ።
ኣሜሪካ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ነቲ ብታሕሲን ዝፍለጥ ዓቂል ትደልዮ ከምዘላ ኣፍሊጣ ነይራ። ንሃለዋቱን ኣድራሽኡን ዝበሓረ ሰብ ድማ ገንዘባዊ ሽልማት ከምእትበብ ገሊጻ ምንባራ ዝዝከር እዩ።
ምስ እቲ ብኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ግብረ ራዕዳዊ ተባሂሉ ዝተፈረጀ ጉጅለ ሕዝቦላህ ብዘለዎ ምትእስሳር ኣጥቢቓ እትደልዮ ሰብ ከምዝነበረ ድማ ተፈሊጡ።
ዓቂል ኣብ 1980ታት ኣባል ናይቲ ኣብ ቤሩት ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካን ሓይሊ ባሕርን ቦምባታት ዘጻወደ ጉጅለ ኮይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ ኣማኢት ሰባት ከምዝቐተሉ ይፍለጥ።
ሕዝቦላህ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ሞት ዓቂል ዘረጋገጸ ኮይኑ ሓደ ካብቶም "ዓበይቲ መራሕቲ ጅሃዳውያን" ክብል ገሊጽዎ።
እዚ ጉጅለ ኣብ መጀመርታ 1980ታት ንእስራኤል ንምቅዋም ብደገፍ ኢራን ዝተመስረተ እዩ።
ሓይልታት እስራኤል ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ንደቡባዊ ሊባኖስ ሒዞም ነይሮም።
ትማሊ ዓርቢ፡ ሕዝቦላህ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ ቦታታት መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ገሊጹ ነይሩ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብወገኑ 140 ሮኬታት ናብ ሰሜን እታ ሃገር ከምዝተተኮሰ ክሕብር እንከሎ፡ ፖሊስ እስራኤል ድማ ብዛዕባ ኣብ ጽርግያታት ዘጋጠመ ዕንወት መጠንቀቕታ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።
መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስራላህ ብሓሙስ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ጸላኢ ንኹሉ ሕግታትን ቀይሕ መስመራትን ሰጊሩ'ሎ። ንዝኾነ ዝግደስ ኣይኮነን” ድሕሪ ምባል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ተሓንዩ’ሎ።
እንተኾነ ግን ጉጅልኡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ እስራኤል ዘለዎ ግጭት ክጋደድ ከምዘይደሊ ኣመልኪቱ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሊባኖስ ዓብደላ ቡ ሓቢብ ብዓርቢ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እስራኤል ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ንምባል ንዝግበር ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኮነ ኢላ ኣዳኺማቶ" ክብል ከሲሱ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ወኪል እስራኤል ዳኒ ዳኖን፡ ሃገሩ ሰፊሕ ግጭት ከምዘይትደሊ’ኳ እንተገለጸ፡ ሕዝቦላሕ ትንኰያታቱ ክቕጽለሉ ከምዘይተፍቅድ ግን ኣፍሊጡ።
ሰብመዚ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዜጋታቶም ናብ ሊባኖስ ከይገሹ ተማሕጺኖም ኣለዉ።
መንግስቲ ኣመሪካ እቲ ኣብ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከይጋደድ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪተት ከምዝተዋፈረ ይሕብር።