እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቤኒን ዝተፈተነ ዕልዋ ፈሺሉ ድዩ?
ብሰንበት ፈተነ ዕልዋ ዝተገበርሉ ፕረዚደንት ቤኒን ፓትሪስ ታሎን፡ እቲ ኩነታት ሕጂ "ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር" ከም ዘሎ እዩ ዝዛረብ።
ንሱ፡ ኣብቲ ብቀጥታዊ ፈነወ ቴሌቪዥን ንዜጋታት ሃገሩ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ነቶም ንሃገር እሙናት ኰይኖም ዝጸንሑ ሰራዊትናን መራሕቱን ንዘርኣይዎ ውፍይነት ከመስግን እፈቱ፡" ኢሉ።
መንግስቲ እታ ሃገር፡ ጕጅለ ወተሃደራት ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን ቀሪቦም ስልጣን ከም ዘሕደጕዎ ድሕሪ ምእዋጆም ድሕሪ ሰዓታት እዩ ነቲ ናዕቢ ከም ዘፍሸሎ ገሊጹ።
ብሰንበት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብታ ዝዓበየት ከተማን መንበር መንግስትን ቤኒን ዝዀነት ኮቶኑ ዓበይቲ ነትጕታት ተሰሚዑ። እዚ ውጽኢት መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝዀነ ይግመት ነይሩ።
ቅድሚ እቲ ፍንጀራታት፡ መረዳእታ ምክትታል በረራታት ከም ዘመልክቶ፡ ሰለስተ ነፈርቲ ካብ ጐረቤት ሃገር ናይጄርያ ናብ ክሊ ኣየር ቤኒን ኣትየን እየን።
ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ናይጄርያ ድሒሩ፡ ነፈርቲ ውግእ "ነቶም ዕልዋ መንግስቲ ዝፈጠሩ ሰባት ካብ ሃገራዊ ቴሌቪዥንን ዳግማይ ዝተጠርነፉሉ ወተሃደራዊ መዓስከርን ንምስጓግ ንምሕጋዝን ክሊ ኣየር ቤኒን ንምሓዝን፡" ከም ዝኣተዋ ኣረጋጊጹ።
ቅድም ክብል፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተኸታታሊ ዕልዋታት መንግስቲ ብምክያዱ፡ ጸጥታ እቲ ዞባ ናብ ዝኸፍአ ኵነታት ከይኸይድ ክስጋእ ጸኒሑ እዩ።
መግዛእቲ ፈረንሳ ዝነበረት ቤኒን፡ ሓንቲ ካብተን ዝያዳ ርጕኣት ዲሞክራስያውያን ሃገራት ኣፍሪቃ ተባሂላ ትውሰድ። ፕረዚደንት ታሎን ግን ኣብ ልዕሊ ፖሊሲታቱ 'ዓፋኒ' ዝብልኡ ክስታት ይቐርበሉ።
እዛ ሃገር ሓንቲ ካብተን ኣብታ ኣህጉር ዝዓበያ ኣፍረይቲ ጡጥ እኳ እንተዀነት ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ድኻታት ሃገራት ትስራዕ።
ብሸነኽ ምብራቕ ዓባይ ጐረቤት ቤኒን ዝዀነት ናይጄርያ፡ ነቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ "ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲ ዝተፈጸመ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ፡" ክትብል ገሊጻቶ።
እቲ ወዲ 67 ዓመት ፕረዚደንት ኣብ መደረኡ እሙናት ሓይልታት "እቶም ዓመጽቲ ዝሓዝዎ ናይ መወዳእታ ዕርዲታት ተቓውሞ ኣርእዮም፡" ክብል ገሊጹ።
"እዚ ተወፋይነትን ምልዕዓልን ነዞም ተበለጽቲ ክንስዕሮምን ሃገርና ዘጋጠማ ሓደጋ ከነወግድን ኣኽኢሉና። እዚ ክሕደት ከይተቐፅዐ ኣይክተርፍን'ዩ፡" ክብል ተሓንዩ ኣሎ።
"እቲ ኩነታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዘሎ ከረጋግጸልኩም እፈቱ፡ ስለዚ ድማ ብሰላም ናብ ስራሕኩም ውፈሩ፡"።
በቲ ፈተነ ዕልዋ ዝበጽሐ ክሳራታት እንተሃልዩ ንጹር ኣይኰነን።
ኣቐዲሙ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዊልፍሪድ ሊያንድረ ሆንግቤድጂ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምስቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ብዝተኣሳሰር 14 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ገሊጹ።
ኣብ ቤኒን ዝነብር ጋዜጠኛ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ዝንገረሎም ሰባት፡ እቶም 12 ናብ ኣብያተ ጽሕፈት እታ ሃገራዊ መደበር ቴሌቪዥን ወሪሮም ከም ዝኣተዉ ይእመን፤
ቅድሚ ሕጂ ካብ ስርሑ ዝተባረረ ወተሃደር ይርከቦም።
መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ብሰንበት ንግሆ ኣብ ጥቓ መንበሪ ፕረዚደንት ቶኽሲ ከም ዝተሰምዐ፡ ጕጅለ ወተሃደራት ነቲ ቅዋም ደው ከም ዘብልዎ ብሃገራዊ ቴሌቪዥን ከም ዝገለጹ ጠቒሶም።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ መንግስታዊ መደብር ዝሰርሑ ገለ ጋዜጠኛታት ንሒደት ሰዓታት ጅሆ ተታሒዞም ከም ዝጸንሑ ገሊጾም።
ኤምባሲታት ፈረንሳን ሩስያን ዜጋታቶም ካብ ገዛ ከይወጽኡ ክምሕጸኑ እንከለዉ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ድማ ካብ ኮቶኑ ብፍላይ ድማ ካብ ከባቢ ቀጽሪ ፕረዚደንት ክርሕቝ ምዒዱ ነይሩ።
እቶም ብሌተናል ኮሎኔል ፓስካል ቲግሪ ዝተመርሑ ዓመጽቲ ወተሃደራት፡ ንመጀመርያ ብዛዕባ ምሕደራ ሃገር ፕረዚደንት ታሎን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ "ቀጻሊ ምንቍልቋል ኵነታት ጸጥታ ሰሜናዊ ቤኒን" ብምምራር፡ ምኽንያት እቲ ዝወሰዱዎ ስጕምቲ ከም ዝዀነ ይዛረቡ።
ምስ እስላማዊ መንግስቲን ኣልቃዒዳን ዝተኣሳሰሩ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ናብ ደቡብ ገጾም ኣብ ዝተዘርግሑሉ እዋን፡ ሰራዊት ቤኒን ኣብ ጥቓ ሰሜናዊ ዶብ ምስተን ብናዕቢ ዝተሃስያ ኒጀርን ቡርኪናፋሶን ክሳራታት ኣጋጢምዎ ኣሎ።
እቶም ወተሃደራት ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ "ኵነታት እቶም ኣብ ግንባር ዝወደቑ ኣሕዋትናን ልዕሊ ኵሉ ድማ ብሕመቕ ፖሊሲታት ፓትሪስ ታሎን ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣባላት ስድርኦም ዕሽሽ ምባልን ተማሪርና፡" ኢሎም።
እቶም ዓመጽቲ፡ ብመንግስቲ ዝምወል ሕጽበት ኵሊት፡ ከምኡ'ውን ምውሳኽ ግብሪን ምግታእ ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ሓዊሱ፡ ኣብ ክንክን ጥዕና ዝተገብረ ምጕዳል ሓገዛት እውን ነቒፎም።
ከም ናይ ቀረባ መሓዛ ምዕራባውያን ዝቑጸር ታሎን፡ ካልኣይ ዕድመ ስልጣኑ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑን፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ መረፃ ክካየድ ምዃኑን ተፈሊጡ ነይሩ።
ንሱ፡ "ንጉስ ጡጥ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ነጋዳይ ኰይኑ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2016 እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።
ገደብ ዕምሪ ፕረዚደንትነት ቤኒን ክልተ ግዜ ኰይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ንሚኒስተር ፋይናንስ ሮሙዋልድ ዋዳግኒ ድማ ተካኢኡ ክኸውን ኣጽዲቑ ኣሎ።
ታሎን ቁጠባዊ ምዕባለ ብምክትታል ብደገፍቱ ይንኣድ እኳ እንተነበረ፡ መንግስቱ ግን ድምጽታት ተቓውሞ ብምዕፋኑ እውን ይንቀፍ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኮሚሽን መረጻ ቤኒን፡ ነቲ ቀንዲ ሕጹይ ተቓዋሚ፡ "እኹል መወልቲ የብለይን" ብዝብል መመኽነይታ፡ ኣብ መረጻ ከይሳተፍ ኣጊዱዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ካልኣይ ባይቶኣዊ ባይቶ፡ ሰኔት ምፍጣር ሓዊሱ፡ ብኣባላት ባይቶታት ቅዋማዊ ምምሕያሻት ክጸድቕ ተገይሩ።
ዕድመ ምሩጻት ሰበስልጣን ካብ ሓሙሽተ ናብ ሸውዓተ ዓመት ክናዋሕ እንከሎ፡ እቲ ፕረዚደንታዊ ገደብ ግን ኣብ ቦትኡ ኣሎ።
ፕረዚደንት ጊኒ ቢሳው ኡማሮ ሲሶኮ ኤምባሎ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ሰሙን እዩ ኣብ ቤኒን ዕልዋ ተፈቲኑ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ቡርኪናፋሶ፣ ጊኒ፣ ማሊን ኒጀርን እውን ዕልዋ መንግስቲ ብምርኣዩ፣ ኣብ ምርግጋእ እቲ ዞባ ስክፍታታት ኣለዓዒሉ።
ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስዘን ሃገራት ሳሕል ዘለዋ ርክብ ኣጠናኺራ - ቡርኪናፋሶ፣ ማሊን ኒጀርን ድማ ካብ ዞባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ -ኢኮዋስ- ወጺአን ናይ ገዛእ ርእሰን ጕጅለ ኪዳን ሃገራት ሳሕል ኣጣይሸን ኣለዋ።
ዜና ናይቲ ኣብ ቤኒን ዝተገብረ ፈተነ ምውሳድ ስልጣን ብሓያሎ ደገፍቲ ሩስያ ዝዀኑ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝተንኣደ ቢቢሲ ሞኒተርንግ ሓቢሩ።
ኢኮዋስን ሕብረት ኣፍሪቃን ክልቲአን ነቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኮኒነንኦ ኣለዋ።
ካብ ኢኮዋስ ዝመጽእ ብርጌድ ናብታ ሃገር ክዋፈር ምዃኑ እቲ ዞባዊ ውድብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ እቲ ፓን-ኣፍሪካዊ ትካል "ኣብ ዝኾነ ዘይቅዋማዊ ለውጢ መንግስቲ፡ ምኽንያቱ ብዘየገድስ፡ ዜሮ ተጻዋርነት ዘለዎ መርገጺኡ" ደጊሙ ገሊጹ።