ሱዳን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ምቍራጽ ተዅሲ ድሕሪ ምስምማዑ ኣብ ካርቱም መጥቃዕቲ ድሮን ተኻዪዱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዳዕመ-ሰሪዕ ሰብኣዊ ኣቕርቦት ንምእታው ዘኽእል ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ካብ ዝሰማማዕ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብ ጥቓ ካርቱም ፍንጀራ ከም ዝተሰምዐ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብታ ሰራዊት ሱዳን ዝቘጻጸራ ካርቱም ዝቕመጡ ሰባት ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ኣብታ ለይቲ ብድምጺ ድሮናትን ፍንጀራታትን ካብ ድቃሶም ከም ዝተበራበሩ ገሊጾም።
እቲ ዓርቢ ወጋሕታ ዝተሰምዐ ፍንጀራ፡ ኣብ ጥቓ ወተሃደራዊ መዓስከርን መደበር ሓይሊ ኤለክትሪክን ዝተፈጸመ ይመስል ክብሉ ነበርቲ ሓቢሮም።
ዳዕመ-ሰሪዕ ብዛዕባ'ዚ ዛጊት ዝሃቦ መግለጺ እኳ እንተ ዘየሎ፡ መንግስቲ ሱዳን ግን እቲ ጕጅለ ንምቍራጽ ተዅሲ "ዘየኽብር" ብምዃኑ ንዕርቂ ኣብ ዝግበርር ስምምዕ ጥንቃቐ ከም ዝገብር ገሊጹ።
እዞም ንስርዓት ኣልበሽር ንምእላይ ብሓባር ዝሰመሩ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ፡ ካብ ምያዝያ 2023 ኣትሒዞም ኣብ ውግእ ሓድሕድ ካብ ዝጽመዱ ብውሕዱ 150,000 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ 12 ሚልዮን ድማ ካብ መንበሪ ቤቶም ክመዛበሉ ተገዲዶም።
ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ዓለማዊ ተቘጻጻሪ ጥሜት ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ግጭት ዝካየደሉ ከባቢታት ኵነታት ጥሜት እናሰፍሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ብዓርቢ ብዘይካ ኣብታ ርእሰ-ኸተማ፡ ካብ ካርቱም ንሰሜን 300 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣትባራ'ውን መጥቃዕቲ ድሮን ተኻይዱ።
ኣብ ኣትባራ ዝነበር ሓደ ሰብ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጸረ-ነፍርቲ ድሮናት ወቒዑ ከም ዘውደቐ ብምግላጽ፡ "ኣብ ምብራቓዊ ሰነኽ ናይታ ከተማ ባርዕ ክለዓል ርእየ፣ ድምጺ ፍንጀራ'ውን ሰሚዐ፡" ኢሉ።
ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ብኣመሪካ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ብዝቐረበ ሓሳብ፡ ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምእታው ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ከካይድ ከም ዝተሰማምዐ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እዘን ኣርባዕተ ሃገራት ነቲ እማመ ኣብ መስከረም እየን ኣቕሪበንኦ። ስዒቡ፡ ቀዋሚ ምቍራጽ ተዅስን ስግግር ናብ ስቪላዊ ምሕደራን ክካየድ ከም ዘለዎ ድማ ገሊጸን።
ኣብቲ እዋን'ቲ፡ መንግስቲ ሱዳን "ናይ ግዳም ምትእትታው" ከምኡ'ውን "ኣብ ወጻእተኛታት ዕሱባት ዝምርኰስ ዓሌታውን ግብረ-ሽበራውን ምልሻ" ብሓደ ንዝርኢ ዝዀነ ፈተነታት ከም ዝነጽጎ ሓቢሩ።
እቲ እማመ ብድሕሪኡ ለውጢ ተኻይድሉ እንተዀይኑ ንጹር ኣይኰነን።
እንተዀነ፡ ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዑስማን ኣቡፋጢማ ኣዳም መሓመድ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሃገሩ ነቲ እማመ ክትሰማምዓሉ ገና ኣብ መባእታዊ ደረጃ ከም ዘሎ ገሊጹ።
"ካብ ተመኵሮና፡ ካብ ፈለማ እቲ ኲናት ሓያለ ናይ ዕርቂ ፈተነታት እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ኵሉ ግን ካብ ዳዕመ-ሰሪዐ ኣኽብሮት ኣይተዋህበን፡" ኢሉ።
"ነቲ ዕርቂ ናብ ሓደስቲ ከባቢታት ንምግዓዝን ኣንጻር መንግስቲ ንምንቅስቓስን እዮም ዝጥቀምሉ፡" ክብል ወቒሱ።
እቲ ኣምባሳደር፡ ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ዝርርብ ምህላዋ ብምቅዋም፡ መንግስቱ እታ ሃገር ወሽመጥ ዓረብ ንሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣጽዋርን ናይ ወጻኢ ተዋጋእትን ትቕርብ ኣላ ዝብል ክሲ ደጊሙ።
ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት እዚ ብዛዕባ ዕሱባት ወተሃደራት ኣመልኪቱ ዝቐርብ ክስታት ተኣማንነት ከምዘለዎ እኳ እንተ ገለጹ፡ ኢማራት ዓረብ ግን ንዅሉ ክስታት እያ ትነጽጎ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ንእማመ ምቍራጽ ተዅሲ እኳ እንተ ተሰማምዑ፡ ክወሓስ ግን ኣይተኻእለን።
ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ነታ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ከባበ ዝጸንሐት ኣገዳሲት ከተማ ኤልፋሽር ክሳዕ ዝሕዛ ድሕሪ ምጽባዩ እዩ ነቲ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝቕበሎ ኣፍሊጡ።
እዚ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ [ሕሜቲ] ዝምራሕ ሓይሊ፡ ኣብ ኤልፋሽርን ሰፊሕ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉርን ምቍጽጻሩ ኣደልዲሉ ስለ ዘሎ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ምቍራጽ ተዅሲ ዝካየድ ዘተ ረብሓ ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ይዅን'ምበር፡ ንኤልፋሽር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣብ ዘእተወሉ እዋን ኣካይድዎ ተባሂሉ ብዝኽሰሶ ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ኵነኔ ጋጢሙዎ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







