እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብቲ ድሙቕ ኣቀባብላ እንታይ ኢሉ?
ኣብቲ ንመበል 111 ግዜ ዝተኻየደ ዙር ፈረንሳ 2024 ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዕዉት ቀጠልያ ማልያ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ረቡዕ 7 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ኣስመራ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሉ።
ቢንያም ግርማይ ድሕሪ ዙር ፈረንሳ ኣብ ኦሎምፒክ ተወዳዲሩ እዩ ሰሉስ ምሸት ናብ ሃገሩ ኣትዩ።
ኣብ ዙር ፈረንሳ 2024 ኣብ ሰለስተ መድረኻት ቀዳማይ ብምውጻእ ብ387 ነጥቢ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ክኸውን ከም ዝኽኣለ ይፍለጥ።
ንቢንያም ዝግበር ጽንብል ስነስርዓት ኣቀባብላ ሰሉስ ክካየድ ተመዲቡ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ኣስመራ ብርቱዕ ዝናብ ስለዝነበረ እታ ሒዛቶ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ክትዓልብ ትጽቢት ተገይሩላ ዝነበረ ነፋሪት ኣብ ሰዓታ ክትኣቱ ስለ ዘይከኣለት እቲ መደብ ናብ ረቡዕ ተሰጋጊሩ።
ሰሉስ ምሽት ናብ ኣስመራ ዝኣተወ ቢንያም ረቡዕ ንግሆ ምስ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን ካልኦት ተቐዳደምቲ ብሽክለታን ተሰንዩ ናብ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከይዱ ምስቲ ፕረዚደንት ብምርኻብ ቀጠልያ ማልያ ኣበርኪትሉ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዓወታት ቢንያም ግርማይ ኣብ ህዝቢ ዝፈጠሮ ታሕጓስ ልዑል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቶም ምስ ቢንያም ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዝተረኸቡ ስድራ ቢንያም ግርማይ እንቋዕ ሓጐሰኩም ኢሉ።
እቲ ናይ ምቕባል ስነስርዓት ብማርሽን ባንድ ተመሪሑ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ’ዩ ጀሚሩ።
ኣብቲ ብሃገራዊት ተለቪዥን ኤርትራ ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ መደብ፡ ቢንያም ኣብ ዓዲ ሃሎ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጐድኒ ጐድኒ ጻዕሪ ክዕወት’የ ኢልካ እንተሓሲብካ ክብጻሕ ዘይክእል ነገር ከም ዘየለ ተዛሪቡ።
ቀንዲ ምስጢር ዓወቱ፡ “እንተጽዒርካ ዘይትዕወተሉ መንገዲ የለን፤ኣብቲ ትጽዕረሉ ከኣ ክትዕወተሉ ምዃንካ ክትኣምን ኣለካ” ኢሉ።
ቢንያም ኣስዒቡ ንሱ በቲ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ 2015 ቀዳሞት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኰይኖም ኣብ ቱር ድሕሪ ምስታፎም ብዓወት ዳኒኤል ተተባቢዑ ውድድር ከም ዝጀመረ ይዝከር።
“ኣብ 2015 ናይ በዓል ዳኒኤል ጽልዋ’ዩ ንሕና ኣብዚ ደረጃ በጺሕና ዘለና፤ ስለዚ ካብዚ ናትና ተጸልዮም ከኣ ካብዚ ናትና ንላዕሊ ደረጃ ከም ዝበጽሑ ይኣምን” ብምባል ካብዞም ሎሚ ዝተቐበልዎ ህጻናት ገዚፍ ዓወት ክመጽእ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።
ቢንያም፡ ኣብ ሳልሳይ፡ ሻሙናይን ፡ ዓሰርተ ክልተን መድረኻት ቀዳማይ ብምውጻእ ሃትሪክ ክሰርሕ እንከሎ፡ ኣብ ሻድሻይን ዓስራይን መድረኻት ካልኣይ፡ ኣብ መድረኽ ዓሰርተ ሰለስተ ራብዓይ ኣብ ሓሙሻይን ታሽዓይን መድረኻት ከኣ ታሽዓይ ብምውጻእ’ዩ ነዚ ድሙቕ ዓወት ከመዝግብ ክኢሉ።
ንቀጠልያ ማልያ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ምስ ተረከባ ድማ ክሳብ መወዳእታ ክዕቅባ ብምኽኣሉ ካብቲ ኣብ ቀጠልያ ማልያ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ቤልጂማዊ ጃስፐር ፍሊፕሰን ብ33 ጸብለልታ ነጥቢ’ዩ ተዓዋቲ ኰይኑ ታሪኽ ሰሪሑ።
እቲ ኤርትራዊ ኮኾብ፡ ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ውድድር ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተባሂሉ'ውን ታሪኹ ተሰኒዱ ኣሎ።
ከምኡ ከኣ ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ ብነጥቢ ንዝመርሑ ተቐዳደምቲ እትወሃብ ቀጠልያ ማልያ ቅድሚ እዚ ዓመት ብዝዀነ ኣፍሪቃዊ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ዝተኸደና ኣይነበረን።
ቢንያም ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ሓንቲ መድረኽ፡ ሰለስተ ግዜ ከኣ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ብሓፈሻ ኣብ ግራንድ ቱር ኣርባዕተ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ በጺሕዎ ዘይፈልጥ ብራኸ ደይቡ ኣሎ።
ኣብቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ህዝቢን ሰበስልጣን መንግስትን ዝተረኸበሉ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝተገበረ መዛዘሚ ጽንብል ንኽብሪ ቢንያም ግርማይ ብዝተዳለዉ ደርፍታት’ዩ ደሚቑ፤ ንሱ ከኣ ሓጎሱ ገሊጹ።
“ካብዚ ንላዕሊ ሓጐስ ኣስተማቒረ ኣይፈልጥን፤ ስለዚ ንዅሉ ህዝቢ ኤርትራን ኣብዚ ተረኺብኩም ዘለኹምን እቲ ናተይ ሓጎስ ናትኩም ሓጎስ'ዩ ናተይ ሓጎስ ከኣ ናትኩም ሓጎስ’ዩ እሞ የቐንየለይ” ኢሉ።