ኣብዚ እዋን ተጠለብቲ ዝዀኑ ሞያታት ኣየኖት'ዮም?

ኣብ ቀረባ እዋን ብዓለምለኸ ቍጠባዊ መድረኽ ዝተገበረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ ንዝጸንሐ ኵነታት ዘናወጹ ክልተ ቀንዲ ምዕባለታት ማለት፡ ምምጻእ ሓደስቲ ቴክኖሎጂታትን ኣውቶማቲክን፡ ከምኡ’ውን ናብ ሓምላይ ቍጠባን ዘላቕነትን ዝወስድ ምንቅስቓስን ምዃኖም የመልክት።

ኣብ ከም ገዘፍቲ ሰነዳት፡ ክላውድ ኮምፒዩቲንን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ [ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ]ን ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ምዕባለ፡ ኣብ ጠለባት ዕዳጋ ስራሕ ርኡይ ለውጥታት ከምጽእ ይግመት።

እቲ ጽቡቕ ዜና ምምጻእ ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት ንመላእ ቍጠባ ድርኺት ዝህብ’ዩ። እቲ ምዕባለ ንገለ ስርሓት ዘዕኑ’ኳ እንተዀነ ካልኦት ብዙሓት ስርሓት ዝፈጥርን እዩ። ደሓር ከኣ ሓደ ንግዳዊ ንጥፈት ብውሑድ ጸጋታት ዝያዳ ክበጽሕ ምስ ዝኽእል፡ ክሰፍሕ ባህርያዊ እዩ።

ተመራመርቲ መድረኽ ቍጠባ ዓለም፡ ዳርጋ ርብዒ እዋናዊ ሞያታት ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ክቕየሩ ምዃኖም ይገልጹ።

ስለዚ ኣብቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተወዳዳሪ ዕዳጋ ስራሕ ንኽዕወት፡ ሓደ ሰብ ብቐጻሊ ሓድሽ ክእለትን ሞያን ክመሃር ከድልዮ እዩ።

ተደለይቲ ክእለታት

ኣብቲ ዝምዕብል ዘሎ ሓድሽ ዕዳጋ ስራሕ ተወዳዳሪ ዓቕሚ ንኽህልወካ ካብ ዘኽእሉኻ ቀንዲ ክእለታት ቴክኒካዊ ዓቕምታት እዩ።

እዚ ማለት ኵሉ ሰብ ቋንቋታት ፕሮግራሚን ክፈልጥ ወይ ዝተሓላለኸ ስርሓት ማሽን ክርድኦ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን።

ኣብ ቀጻሊ ግን ስራሕቲ ‘STEM’ ዝያዳ ጠለብ ከም ዝህልዎም ይእመን። ‘STEM’ ንፍሉያት ግን ከኣ ተዛመድቲ ቴክኒካዊ ዓውድታት ሳይንስ፡ ቴክኖሎጂ፡ ምህንድስናን ሕሳብን ንምጽዋዕ ዝጥቀሙሉ ቃል እዩ።

ስለዚ፡ ውላድካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምንታይ ትምህርቲ ከተኩር ከም ዘለዎ ትሓስብ እንተዄንካ፡ መልስኻ እንሆ፤ ሕሳብ፡ ኮምፒተር ሳይንስን ተፈጥሮኣዊ ስነ-ፍልጠትን’ዮም።

ቀጺልና ክንጥንቀቐሉ ዘለና ክእለት ትንተናዊ ኣተሓሳስባ እዩ። ንዕኡ ንምምሕያሽ ሓደ ሰብ ንኣእምሮኣዊ ክእለት፡ ከምኡ’ውን ነገራት ናይ ምግንዛብ፡ ሓቅታት ናይ ምትእስሳርን ብስምዒት ወይ ውልቃዊ ምርጫታት ዘይተገደበ መደምደምታታት ናይ ምብጻሕ ክእለት ምጥራይ የድሊ።

ነዚ ንኽትገብር፡ ኣቓልቦን ምትኳርን ከተማዕብል ኣለካ። ምኽንያቱ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ናይ ኦንላይን ጸወታታትን መወዓውዒታትን ብቐጻሊ ንኣቓልቦና ይፈታተንዎ ስለዘለዉ’ዩ።

ናይ ትንተና ክእለት ምሁሮን ቀጻሊ ዝዀነ ርእሰ-ምምሃርን እውን ዝሓትት ኰይኑ፡ ብዘይምቍራጽ ንምምሕያሽን ንምምሃርን ኣብ ዕላማኻ ከተተኩር ክትክእል ኣለካ።

እንግሊዝኛ ብዝለዓለ ደረጃ ምምሃር እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ክእለት እዩ።

ኣብ ዘመነ ኣርቲፊሻል ኢንተለጅንስ ርክባትን ርህራሀን ክልተ ኣዝዮም ልዑል ዋጋ ዘለዎም ክእለታት ክዀኑ’ዮም።

ዋላ ማሽናት ብቕልጡፍ ምምዕባሎም ብዘየገድስ ወትሩ ሰባት ከድልዮም እዩ፤ ሰብኣዊ ኣቓልቦ፡ ናይ ሓባር ስራሕ፡ ናይ ምስማዕ ክእለት፡ ናይ ምዝንታው ክእለት፡ ናይ ምድጋፍን ምድንጋጽን ክእለት ዝያዳ ዋጋ ክወሃቦ እዩ።

ብመሰረት ኣብ 2020 ኣብ ሊንክድኢን ዝተባህለ ንሰብ ሞያ ዝኸውን ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሖ ጸብጻብ፡ ዝምድና [ርክባት] ድሮ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዕዳጋ ስራሕ ዝያዳ ዝድለ ክእለት ኰይኑ ኣሎ።

“ኣብ ስራሕ ቦታ ሰብ ሰርሖ ብልሕን ሮቦቲክስን ዝያዳ ምጥቃም፡ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ከካብ ቦታኻ ኴንካ ምስራሕ፡ ከምኡ’ውን ምስ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ክንራኸብ ዘኽእለና ቴክኖሎጂ ምጥቃም፡ ብጭቡጥ ከመይ ጌርና ክንዛረብን ክንሰምዕን ከም እንኽእል ምፍላጡ ኣመና ኣገዳሲ ኰይኑ’ሎ” ይብል በዓል ሞያ ርክባት ስራሕ ዳን ንግሮኒ።

ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት

ኣብ ቀረባ እዋን እውን ቴክኖሎጂታት ሓበሬታን ሓደስቲ ቴክኖሎጂታትን ካብቶም ተስፋ ዘለዎም ኢንዱስትሪታት ክዀኑ ምዃኖም ዘገርም ኣይኰነን። ምምዕባል ሰብ ሰርሖ ብልሕን ትምህርቲ ማሽነሪታትን ሰሓቢ ዕድላት ከምጽእ እዩ።

ኣብዚ ዓውዲ ሓደ ካብቶም ተስፋ ዘለዎም መጻኢ ሞያታት፡ ኣብ ርክብ ዝሰርሕ ክኢላ ኰይኑ፡ ሕቶታት ብትኽክል ንምሕንጻጽ ዝሕግዝን ኣብ መንጐ ሰብ ሰርሖ ብልሕን ህዝብን ከም ሓደ ዓይነት መንጐኛ ኰይኑ ዝሰርሕን እዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ዝተፈላለየ ሞያ ዘለዎም ሰባት ንኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ከም መወዳድርቲ ዘይኰነስ ከም መሻርኽቲ ክወስድዎን ከመይ ጌሮም ከም ዝተሓባበሩዎ ክርድኡን ይምከሩ።

ካልእ ዓውዲ ተኽእሎታት ድማ ትንተና ገዘፍቲ መረዳእታታት፡ ዓቢ ስርርዕ ሓበሬታ፡ ካብ ከም ኔትፍሊክስ ዝኣመሰሉ ናይ ኦንላይን መድረኻት ክሳብ ሃድሮን ኮላይደር ወይ ስርዓታት ምቍጽጻር እዩ።

ብርግጽ ንክኢላታት ድሕነት ሳይበር እውን ስራሕ ኣይክሰኣንን እዩ፣ ምኽንያቱ በብግዜኡ ዝያዳ ተኣፋፊ ሓበሬታ ስለዝህሉ።

ክኢላታት ፋይናንሳዊ ቴክኖሎጂታት፡ ተንተንቲ ንግዳዊ ንጥፈታትን ኣዳለውቲ ስርዓታት ብሎክቸይንን እውን ከድልዩ እዮም።

ሓምላይ ስራሕ

ጠለብ ሓምላይ ስራሕ ኣብ መላእ ዓውድታትን ኢንዱስትሪታትን ብቕልጡፍ ይዓቢ ከምዘሎ ጸብጻብ መጻኢ ስራሕ 2023 ዓለምለኻዊ ቍጠባዊ መድረኽ ይሕብር።

"ብደረጃ ዓለም፡ እቲ ሓምላይ ምስግጋር፡ ክሳብ 2030 ኣብ ጽሩይ ጸዓት፡ ብቕዓትን ትሑት ልቀት ቴክኖሎጂታትን 30 ሚልዮን ስራሕ ክፈጥር ይኽእል'ዩ" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ንሕጂ ኣብ ሓምላይ ጸዓትን ዘላቒ ልምዓትን ሓድሽ ዕድላት ስራሕ ዝመርሓ ሃገራት ምዕራባውያንን ሃገራትን ጃፓንን ኰይነን ቻይና ድማ በብቕሩብ ትስዕበን ኣላ።

እዞም ስርሓት ምስ ንግዲ፡ ሳይንስ፡ ፖለቲካ ወይ ብቐጥታ ምስ ከባቢ፡ ኣብ ውሽጢ ኣብ ምምዕባል ተሓዳሲ ጸዓት ወይ ሓደስቲ ምንጪ ጸዓትን ባትሪታትን፡ ምዕቃብ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ዓሌታት እንስሳታት፡ ምምኽኻር ንግዲ ወይ ንኣብነት ሕጋዊ ኣሰራርሓን ኣብ ሕግታት ሓለዋ ከባቢ ዝመጽእ ለውጥን ዝተኣሳሰሩ’ዮም።

ብተወሳኺ ሓንጸጽቲ ከተማታት፡ ኣርኪተክተራት፡ ዲዛይነራትን ኣማዕበልቲ ‘ስማርት ሃውስን’ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣድላይነት ክህልዎም እዩ።

ሰብ ሞያ ጥዕና

ብዝሒ ህዝቢ ዓለም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ብእኡ መጠን ድማ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድመ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ስለዝዀነ ክንክንን ሕክምናን ዝያዳ ከድሊ እዩ።

ኣብ ሆስፒታላት ዳታቤዝ መዛግብቲ ሕክምና ዝፍትሹ ሰባት፣ ከምኡ’ውን ሓካይምን ክኢላታት ጥዕናንን ሓደስቲ ኣገባባት ምርመራን ሕክምናን ክሳብ ዝተማህሩ ተደላይነቶም ክዓዝዝ እዩ።

ስለዚ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ቀረባ እዋን ልዑል ጠለብ ክህልዎም እዩ። ብፍላይ እቶም ነቲ ሕሙም መድሃኒት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሞራላዊ ደገፍ እውን ዝህቡ ሰራሕተኛታት ሕክምና ተደለይቲ ክዀኑ እዮም።

ሓካይምን ክኢላታት ጥዕናን እውን ብቐጻሊ ክምሃሩን ምስ ሓደስቲ ኣገባባት ምርመራን ሕክምናን ክላመዱን ክግደዱ እዮም። ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ማለት’ውን ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ እውን ሓጋዚ ክኸውን እዩ።

ሓካይም ስነ-ኣእምሮን ዝተፈላለዩ መምህራን ስነ ልቦናዊ ኣስተምህሮታትን እውን ስራሕ ክህሉ እዩ።

ኢደ ጥበባት

ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ከም መካኒክ፡ ጽገና፡ ኤሌክትሪሻናት ወይ ሃነጽቲ ዝኣመሰሉ ሰብ ሞያ ከድልዩ እዮም።

ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታት ንኣሽቱን ዝልካዕን ዕማማት ምፍጻም ኣብ ዘድልየሉ እዋን፡ ሰብ ሕጂ’ውን መተካእታ ዘይብሉ ክኸውን እዩ።

እንተዀነ እዞም ክኢላታት ተደለይቲ ኰይኖም ንኽጸንሑ ቴክኒካዊ ፍልጠቶም ብቐጻሊ ከመሓይሹን ሓደስቲ መሳርሒታት ክመልኩን እውን ከድልዮም እዩ።

ጠለብ ሓደስቲ ሞያታት ሕርሻ እውን ክዓቢ ትጽቢት ይግበር። ብዝሒ ህዝቢ ዓለም እናወሰኸ ይኸይድ ስለዘሎ፡ ኵሉ ሰብ ክበልዕ ኣለዎ። ግን፡ ሕጂ’ውን፡ እቲ ጠለብ ካብ ሓረስቶት ንላዕሊ ንውሕሉላት መሃንድሳት ክኸውን እዩ።

ካብ ዕዳጋ ክጠፍኡ ዝኽእሉ ስራሓት

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዕዳጋ ክጠፍኡ ዝጅምሩ ብዙሓት ስራሓት ክህልዉ እዮም። እዚኦም ድማ ብኣውቶማቲክ ንምስራሕ እናቐለሉ ዝመጹኡ ዓይነታት ስራሕ እዮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዕዳጋ ስራሕ ክጠፍኡ ዝኽእሉ ስራሓት ዝርዝር እንሆ፤

ኣገልግሎት ዓማዊል (ካሻየር፡ ሸየጥቲ፡ ኣማኸርቲ ወዘተ)፤

ምሕደራ ቤት ጽሕፈት (ብሰንኪ ምውሳኽ ካብ ገዛውትኻ ምስራሕ)፤

መረዳእታ ምእታው (ጸሓፍቲ ኣብ ዓውዲ ስታቲስቲክስ፡ ፋይናንስ፡ ታይፒስት፡ ተርጐምቲ)፤

ኣካውንቲን፤

ተደጋጋሚ ዕማማት ዝፍጽሙ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ።

ምዝንታው፤

ምዝንታው ሓደ ብተንበይቲ መጻኢ ሳሕቲ ዝጥቀስ ግን ከኣ ኣብ መጻኢ ኣድላዪ ኰይኑ ከም ዝቕጽል ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ዘድሊ ዝነበረ፡ ምስ ምትሕልላፍ ተመኵሮ ደቂ ሰባት ዝተኣሳሰር ዝዀነ ይዅን ፈጠራዊ ስራሕ ሕጂ’ውን ሕመረት ክህልዎ እዩ።

ዋላ’ኳ ብድሆታት ሰብ ሰርሖ ብልሒ ሕጂ’ውን ዝጸልዎም እንተዀነ ጸሓፍቲ፡ ገጠምቲ፡ ዳይረክተራት፡ ተዋሳእቲ፡ ኮሜድያን፡ ስነጥበባውያንን ሙዚቀኛታትን ኣብ ናብራን ህይወትን ደቂ ሰባት ኣድለይቲ ኰይኖም ክቕጽሉ’ዮም።