እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶማልያ፡ ንምንታይ ንኣመሪካ ወደባት ክትህባ ወሲና?
ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ፡ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ በርበራ ዝርከብ ወደብን መደበር ሓይሊ ኣየርን ኣመሪካ ክትቈጻጸሮ ምጽዋዑ ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።
በርበራ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ፡ ኣብ ስትራተጅያዊ ወሽመጥ ዓደን እትርከብ ከተማ እያ።
ሶማልያ ኣብ 1991 ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝተባርዓሉ እዋን ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፡ እቶም ወደባትን መደበር ኣየርን፡ እቲ ኣብ ሞቓድሾ ዝርከብ መንግስቲ ብኢደ-ዋኒኑ ዝልግሶም ህያባት ከም ዘኰኑ ኣፍሊጣ።
ኣብቲ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ናብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝጸሓፎ ደብዳበ - ሮይቶርስ`ውን ዝርኣዮ - ኣብ ውሽጢ ልዑላዊ ግዝኣት ሶማልያ ዝርከቡ ወደብን መደበር ሓይሊ ኣየርን ኣመሪካ ክትቈጻጸሮ ዕድመ ኣቕሪቡ ኣሎ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ደብዳበ፡ ስርሒታት ጸጥታ ኣመሪካ [ኣብቲ ዞባ] ከሐይል ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ዓብዱራሕማን ዳሂር ዓደን፡ ነቲ ስጕምቲ "ዓቐሊ ጽበታዊ፡" ክብል ነጺጉዎ።
ትራምፕ ዳግማይ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጻኡ፡ ኣመሪካ ነታ ንኣስታት 34 ዓመታት ከም ሃገር (de facto state) ኰይና ዝጸንሐት ሶማሊላንድ ኣፍልጦ እትህብ ቀዳመይቲ ሃገር ክትከውን ምልክታትን ተስፋታትን ነይሩ።
ዓብዱራሕማን ዳሂር ዓደን፡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝጸሓፎ ግብረ-መልሲ፡ "ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ኣፍልጦ ሶማሊላንድ ደው ንምባል ክገብርዎ ዝኽእሉ ከቶ የሎን፡" ክብል ጽሒፉ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝህቦ ኣገልግሎት ከም ዝሰፍሕ ዝተገብረ ወደብ በርበራ፡ ዲፒ ዎርልድ (DP World) ብዝተባህለ ትካል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እዩ ዝመሓደር።
ኢማራት ዓረብ ድማ ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካ ምዃና ይፍለጥ።
እቲ ምኒስተር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣመሪካውያን ዓያሹ ኣይኰኑን፣ ኣብ ጉዳይ ወደብ በርበራ ምስ መን ክሰማምዑ ከም ዘለዎም ይፈልጡ እዮም፡" ኢሉ።
ኣመሪካ ንነዊሕ እዋን ስለያዊ ሓበሬታ ብምቕራብን መጥቃዕቲ ኣየር ብምክያድን፡ ኣንጻር እቶም ምስ ኣልቃዒዳን ጕጅለ እስላማዊ መንግስትን ምትእስሳር ዘለዎም እስላማውያን ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ንዝካየድ መኸተ ኣብ ምሕጋዝ ዓቢይ ተራ ተጻዊታ እያ።
ኣብ ደቡባውን ማእከላይን ሶማልያ ንዝርከቡ ዝሰፍሑ ከባብታት ዝቈጻጸር ጕጅለ ኣልሸባብ፡ ከም ቀንዲ መሻርኽቲ ኣልቃዒዳ ይቝጸር።
መንግስቲ ሶማልያ፡ ትራምፕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ እዋን ስልጣኑ ዝገበሮ፡ ኣመሪካ እትህቦ ሓገዛት ከይንክዮ ስግኣት ከም ዘለዎ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
መንግስቲ ሶማልያ፡ ኣብ ዝምድና ኣመሪካን ሶማልያን ሞያዊ ምኽሪ ንምርካብ ብዝብል ምስ ሓደ ኣብ ዋሺንግተን ዝርከብ ኣማላዲ ትካል (lobby)፡ ኣብ ዓመት ናይ 600 ሽሕ ዶላር ስምምዕ ኣብ ታሕሳስ ፈሪሙ ነይሩ።
ሮይተርስ ኣብቲ ብ16 መጋቢት ከም ዝተላእከ ዝገለጾ ደብዳበ፡ ኣመሪካ ነተን ዓለምለኻውያን መወዳድርታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለወን ጽልዋ ብኸመይ ክሕግዛ ከም ዝኽእል ይሕብር።
"እዞም ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ዘለዎም መሳለጥያታት፡ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ንዘለዋ ተሳትፎ ንምድልዳል ዕድል ዝህቡ እዮም። ናይ ደገ ተነሓናሕቲ ኣብዚ ወሳኒ ወሽመጥ ህላወ ከይምስርቱ'ውን ይገትእ፡" ይብል እቲ ደብዳበ።
እንተዀነ፡ ፈደራላዊ ስርዓት ሶማልያ፡ ነቲ ፕረዚደንት መሓመድ ኣብታ ከፊላዊ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፑንትላንድ ዝርከብ ወደብ ቦሳሶ ክህብ ንዘቕረቦ ዕድመ`ውን ክዕንቅፎ ይኽእል እዩ።
ሰበስልጣን ፑንትላንድ ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ደብዳበ ርእይቶ ኣይሃቡን።
ይዅን`ምበር፡ 'ጋሮዌ ኦንላይን' ዝተባህለ ማዕከን ዜና፡ እቲ ዕድመ ንሰበስልጣን እቲ ከባቢ ከየማኸሩ ዘቕረቡዎ እንተዀይኑ፡ ዝምድና ፑንትላንድን ሞቃድሾን ዝያዳ ክተሓላለኽ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።
እቲ ካልኣይ ዝተጠቕሰ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ርእሰ ከተማ ባሌዶግለ ዝርከብ ኰይኑ፡ ሓይልታት ሶማልያ ኣንጻር ኣል-ሸባብ ንዘካይዱዎ ውግእ ብወተሃደራት ኣመሪካ ስልጠና ክረኽብሉ ዝጸንሑ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብ ሶማሊላንድ ዝርከብ ወደብ፡ ምንጪ ክትዕ ክኸውን ሎሚ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኰነን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን፡ ድሕሪ'ቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ብዝብል ምስ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ስምምዕ ሓያል ወጥሪ ብምንጋሱ፡ ቱርኪ ኣብ ምሽምጋል ከም እትርከብ ይፍለጥ።
ሶማልያ ንሶማሊላንድ ከም ኣካል ግዝኣታ ስለ እትቘጽራ፡ ነቲ ስጕምቲ "ተግባር ወራር" ክትብል ኰኒናቶ ነይራ።